MAP

ሃይቲ ብጾታዊ ዓመጽ ህጻናት፡ ሞትን መጉዳእትን ሓያል ወሰኽ ኣመዝጊባ ሃይቲ ብጾታዊ ዓመጽ ህጻናት፡ ሞትን መጉዳእትን ሓያል ወሰኽ ኣመዝጊባ 

ሃይቲ ብጾታዊ ዓመጽ ህጻናት፡ ሞትን መጉዳእትን ሓያል ወሰኽ ኣመዝጊባ

ዓመጽን ዘይውሕስነትን ንሃገረ ካሪብያን ሃይቲ ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናትን ትካል ኣድሕን ሕጻናትን፣ ሞት ህጻናት፡ መጉዳእቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ኣዚዩ ብዘኸፍአ ደረጃ ይውስኽ ምህላዉ የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃይቲ ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት፡ ሞትን መጉዳእትን ኣዝዩ ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣብ ቀረባ እዋን ማዕከን ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፣ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣድሕን ህጻናት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ "ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ክትሓስቦን ክትግምቶን ዘጸግም ራዕዲ ኣብ ዘውርዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ "ብ10 ዕጽፊ ይውስኽ ኣሎ” እንክብሉ ምረቶም ገሊጾም፣ ጉዳይ ሃይቲ ትኹረት ክግበረሉ ብርቱዕ ጻውዒት የቕርቡ።

ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ብ1000 ሚእታዊት ወሲኹ

ወሃቢ ቃል ዸምለኸ ማዕከን ሓይልዮ ህጻና ሕቡራት ሃግራት ጀምስ ኤልደር፣ "ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ብ1000 ሚእታዊት ዘሰንብድ ወሰኽ ከም ዘርኣየን ኣካላት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናብ ዓውደ ውግእ ተቐይሩ ኣሎ" እንክብሉ ገሊጾም፣  ኣብታ ዕጥቃዊ ዓመጽ ንማሕበረሰባት ብፍላይ ድማ ንህጻናት ብብርቱዕ ኣብ ዝጽለወላ ሃገረ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዕጡቓት ጉጅለታት ን85 ሚእታዊት ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ከም ዝቆጻሩ ኣስሚሩ፣ እዚ ድማ “ኣብታ ርእሰ ከተማ ዘስከፍን ዘሰንብድን ኣልቦ ውሕስነትን ድሕንነትን ኩነታት ይፈጥር ኣሎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ማዕከን ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ  የመላኽት።

ምፍራስ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ህጻናት ናብ ዕጡቓት ጉጅለታት ምዕስካር ብ70 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ኤልደር ገሊጹ፣ "ኣብዚ እዋን'ዚ እቶም ፍርቂ ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ህጻናት እዮም - ገሊኦም ሸሞንተ ዓመት ዕድመ ዘለዎም እያቶም፣ ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ብዙሓት፣ ብሓይሊ ዝውሰዱ፣ ካልኦት ድማ ብኽቱር ድኽነት ዝድረኹ እዮም። 1.2 ሚልዮን ህጻናት ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ስግኣት ዕጥቃዊ ዓመጽ ይነርቡ ኣለዉ . . .  ኣገደስቲ ኣገልግሎታት መውሃብቲ ትሕተ ቅርጽታት ዓንዩ፣ ኣባይቲ ሕክምና ልዕሊ ዓቕመን ተጨናኒቑ ኣሎ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ትካላት ጥዕና ሃይቲ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ህጻናት ንምሕካም ዘኽእል መሳርሕታትን መድሃኒትን የብለንን” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

ምውሳኽ ሞትን መጉዳእትን ህጻናት

ማዕከን ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገርት ሞትን መጉዳእትን ህጻናት ፍጹም ወሰኽ ከምዘርኣየ ሓቢሩ፣ ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 24 ህጻናት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቖሰሉ ድማ ሓቢሩ፣ ብመሰረት ጸብጻብዊ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃይቲ ዕጡቓት ጉጅለታት 289 ህጻናት ከምዝቐተሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ድማ ምስቲ 172 ህጻናት ዝተቐትልሉ 2023 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ68% ወሰኽ ከምዘርኣየን፣ እንተኾነ ግን እቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ግዳያት ህጻናት ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ 2024 ዓ.ም. ካብ ዝተቐትሉ ሰለስተ ህጻናት ልዕሊ ሓደ ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት እያቶም ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

14 Feb 2025, 17:40