MAP

Germany holds federal elections Germany holds federal elections  (ANSA)

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ድሕሪቲ ኣብ ሃገረ ጀርመን እተኻየደ ምርጫ ሃናጺ ፍታሕ ክግበር ተማሕጸኑ

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ወከልቲ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ደድሕሪ እቲ ኣብ ጀርመን እተኻየደ ፈደራላዊ ምርጫ መንግስቲ፣ ብቕልጡፍን ብሓላፍነታዊ መንገድን መንግሥቲ ክምስረት ዘለዎም ተስፋ ገለጹ፣ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓድነት ድማ ዘለዎም ሻቕሎት ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ብፁዕ ኣቡነ ጆርጅ ባቲንግ ኣገዳሲ ጕዳያት ንምፍታሕ ጽኑዕ መንግሥቲ ኽህሉ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ፣ እዚ ድማ ቍጽሪ እቶም ድምጾም ሰወፈዩ ሰባት ንዲሞክራስያዊ መንግሥቲ ኣወንታዊ ምልክት ምዃኑ ዘንጸባርቕ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ ሰባት ንዲሞክራስያዊ ማእከል ከደልድሉ ከም ዝደልዩ ውን ኣጕልሕ። ብፁዕ ኣቡነ ባቲንግ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ንዜጋታት ብምስማዕን ብምርዳእን ፍትሓዊ ዝኾነ መፍትሔ ንምርካብ ብምጽዓርን ብሓባር ኪዓዩ ኸም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ጀርመን ኣብ እትርከብ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ዘገልግሉ ጳጳስ ኪርስተን ፈርዝን ካልኦት መራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበራዊ ሓድነት ዘደልድልን ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ጀርመን ዝሃንጽ መንግስቲ ኸም ዘድሊ ኣጕልሑ። ኣብ ከተማ ኮለን ዝነብሩ ብፁዕ ካርዲናል ረይነር ማሪያ ዎልኪ ከምኡውን ኣብ ፓደርቦርን ዝርከቡ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ኡዶ ማርከስ በንትስ በቲ እተኻየደ ምርጫ ሃገረ ጀርመን ሰልፊ ኤ.ኤፍ.ዲ. ብዝሒ ድምጺ ብምውሳኹ ከም ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ገይሮም ብምርኣይ ንዲሞክራሲ ዘለዎም ሻቕሎቶም ውን ገለጹ። ነቲ ጥሩፋት ዜሕደሩሉ ጽልዋታት ንምቍጽጻርን ደሞክራስያዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምድጋፍን ወሳኒ ስጕምቲ ኺውሰዱ ኸም ዘለዎም ውን ኣጕልሑ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት በንትዝ ነቲ ውጽኢት ከም ሓደ ኣሃዛዊ ቆጸራ ገይርካ ዘይምንእኣሱ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ የግዳስ ንዲሞክራስያዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምጥባቕ ካብ ፖለቲካን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ስጕምቲ ክውሰድ ኸም ዘለዎ ዝሕብር ረዚን መርትዖ ጌርካ ከሰድ ኣለዎ በሉ።

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንሓድነትን ምትሕብባርን ክጣበቑ ኸለዉ፣ ንኸም ቍጠባ ዑቕባ ኣከባቢ ከምኡውን ሰብኣዊ ውሕስነት ዝኣመሰለ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ቀንዲ ጕዳያት መፍትሔ ኣድላዪ ምዃኑ ይገልጹ። ማእከላይ ኮሚተ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ጀርመን ነቲ መራሒ ሲዲዩ ዝኾነ ፍሪድሪኽ መርዝ ሓድነት ከም ዚህልዋን፣ ንእተፈላለያ ሃገራት ተስፋ ኸም ዚህብን ብምግላጽ፣ ስለቲ ኣብ ምርጫ ዝረኸቦ ዓወት እንቋዕ ሓጐሰካ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ። ኣብ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ንቝጠባዊ ዀነ ማሕበራዊ ጕዳያት ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምሕሳብ ፖሊሲታት ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። እቲ ኻብ 80% ዚበልጽ ቍጽሪ እቶም ድምጾም ዝሃቡ ሰባት ከም ዜተባብዕ ምልክት ህያው ዲሞክራሲ ጌርካ እዩ ዚርአ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ማሕበራዊ ፍትሕን ንምጽንባር ሓደስቲ መጻእተይናታት ዝኣመሰለ ጸገማት እታ ሃገር ብትብዓት እትዋጽኣሉ መንግስቲ ንምምስራት ዚግበር ጻውዒት ዜራጕድ እዩ ክብሉ ኣመልከቱ ።

25 Feb 2025, 15:07