ዲ. ረ. ኮንጎ፡ ብሰንኪ እቲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ውግእ ብውሑዱ 3000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይንገር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ እትርከብ ዓባይ ከተማ ጎማ ዝሓዙ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23፣ ንልዕሊ 2 ሚልዮን ነበርታ ጸጥታን ድሕነትን ከረጋግጹ ምዃኖም ይገልጹ።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ዓለወናታትን ሓይልታት ኮንጎን ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣስታት 3,000 ሰባት ከም እተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ዝወጻሉን፣ ነቲ ግጭት ደው ንምባል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ኣብ ዝረኣየሉን ዘሎ እዋን ዕለት 7 ለካቲት እቶም ዓማጽያን ሓይልታት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሕዝባዊ ድጋፍ ንምርካብ ኣሚቶም ሕዝባዊ ኣኼባ ከም ዘካየደ ይንገር።
ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዕብ ዘሎ ውግእ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከም ዝሰሓበን፣ ኣባይቲ ሕክምና ቀረብ እውን ይውድኣ ምህላወን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንተድኣ ቀጺሉ ስግኣት ምስፋሕ ሕማም ለበዳ ዘይተርፍ ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር እንከሎ። ሰበስልጣን ኮንጎ ኣብቲ ዞባ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናዕብን ዓመጽን ዝተመዛበሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ማእከል ዝኾነት ከተማ ጎማ “ጃምላዊ ግህሰት መሰላት” ይፍጸም ምህላዉ ገሊጹ፡ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ክትትል ክግበረሉ ዝሓትት ምሕጽንታ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርቡ ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ዞባዊ ስክፍታታት
እቶም ብኣስታት 4,000 ወተሃደራት ጎረቤት ሃገር ሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23፡ ካብቶም ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ዝንቀሳቐሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት እቶም ዝሓየሉ ከም ዝኾኑ ክንገር እንከሎ፡ ብደረጃ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት፣ ርእሰ ብሔር ዲ.ሪ.ኮንጎ ፌሊክስ ትሺሰከዲ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽልን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ፍታሕ ንኽርከቦ ካብ ዕለት 7ን 8ን ለካቲት ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ዋዕላ መራሕቲ ምብራቓውን ደቡብን ኣፍሪቃ ኣብ ዘራኽብ ዓውደ ኣኼባ ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ፖል ካጋመ እውን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
ዋና ጸሓፊ ባይቶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዸም መጋቤ ጀርይ ፒላይ፣ እቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብፖለቲካውን ደረጃ ተተባቢዑ ዝካየድ ዘተ ዳግማይ ንምጅማር ዝግበር ዘሎ ኩሉ ጻዕርታት ንምድጋፍ ባይቶ ኣብያተ ክርስትያናት ድልው ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰላም ክረጋገጽ ማሕበርሰብ ዸም ኩሉ ዝከኣል ኣጋጣምታት ተጠቒሙ ንህዝቢ ጎማን ደቡብ ኪቩን ጸጥታን ደሕንነትን ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክዓይን ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ጸጋጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የዘኻኽር።