ኤም - 23 ንቡካቩ ይቆጻጸር, ብኣሽሓት ዝቕይጸሩ ድማ ናብ ብሩንዲ ይስደዱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቡካቩ ዝርከባ ትካላት ንግዲ ሕጂ እውን ተዓጽየን ከም ዘለዋን፡ ድሕሪ ምእታው ዓመጽቲ ኤም 23 ናብታ ከተማ፡ ኣብቲ ዞባ ተኹሲ ደው ከምዝበለ ፊደስ ኣገልግሎት ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዓማጽያን ከተማ ቡካቩ ድሕሪ ናይ ስሜን ኪቩ ማእከል ከተማ ጎማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ምቁጽጻሮም ዝተታሕዘት ምዃና ኣፍሊጡ።
ኣብ ብሩንዲ ዝተመዛበሉ
ኣብ ደቡብ ኪቩ ዘሎ መስርሕ ዓመጽቲ ድሮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ ይገብር ምህላውን፡ ዕጡቕ ሓይሊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድማ ንቡካቩ ብታህዋኽ ገዲፎምዋ ከም ዝወጹን፣ ገለ ክፋል እታ ከተማ ብዘይ ጸዓት መብራህቲ ከም ዝተረፈን፣ ብፍላይ ኣብታ ቀንዲ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ዝካየደሉ ታሪኻዊ ዚባ ካዱቱ ዘረፋ ብሰፊሕ ይረአ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ እንክሕብር፡ ኣተሓሒዙ እውን እቶም ስደተናታት ካብ ከባቢ ካማንዮላ፡ ስግር ሩባ ሩዚሲ ከም ዝሃደሙን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ብሩንዲ ሲቢቶከ መዓስከር ከም ዘቖሙን ኣፍሊጡ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮንጎ ማርቲን ኒተረዘ እውን ብዙሓት ስደተይናታት ናብ ብሩንዲ ከም ዝኣተዉ በወግዒ ከም ዝሓበረ የመላኽት።
ዘሻቕል ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ ኣብ መንጎ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብሩንዲን ዝርከብ ኣገዳሲ መሳገሪ ዶብ ነቲ ሰፊሕ ዋሕዚ ስደተይታት ንምዕጋት፣ ዕለት 18 ለካቲት ንሓጺር እዋን ተዓጽዩ ለም ዝነበረን፣ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ብሩንዲን ንዓመታት ጽቡቕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዝነበረን፡ ካብ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ሰራዊት ቡሩንዲ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊት ናብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምልኣኽ ኣንጻር ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ግዝኣት ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክድግፍ ከም ዝጸንሐን እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ኪንሻሳ፡ ርእሰ ብሔር ፌሊክስ ትሺሰከዲ፡ ኣብ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዝታይ ናይ ውሽጢ ሃገር ደሕንነትን ጸጥታን ኣኼባ ከም ዝጸወዓ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።