ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናብ ዞባዊ ኵናት ከይሰጋገር የስግእ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሕጂ’ውን ነቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝተባርዐ ንሰሜንን ደቡብን ኪቩ ዘዕኑ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ጭቡጥ ስጉምቲ ከም ዘየለ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ዕለት 20 ለካቲት ምሸት ብህጹጽ ዝተኣከበ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ቅልውላው ቀልጢፉ ናብ ስግኣት ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ክቕየርን ብቐጥታ ንኻልኦት ሃገራት ዘሳትፍ ክኸውን ከምዝኽእል ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋ ኣስተብሂሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝለዓለ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ ንዓመጽቲ ኤም - 23 ወተሃደራዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር እንክብል ኣብ ልዕሊ ዝገልጻ ሃገረ ሩዋንዳ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ከም ዘየምሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጸጋታት ዝተዓደለ ዞባታት ደ.ረ.ኮንጎ
እታ እንኮ ረቂቕ ውሳነ ዘቕረበት ሃገር ፈረንሳ እያ፣ ንሳ ንመሬታዊ ምሉእነትን ልኡላውነትን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዋ ኣፍልጦ ደጊማ ብምርግጋጽ፣ መጥቃዕቲ ምንቅስቓስ ኤም 23 ደው ምባል ከምዘድሊ ኣነጺራ፣ ሰራዊት ሩዋንዳ ድማ ካብ ግዝኣት ደ.ረ.ኮንጎ ክወጽእ ሓቲታ፣ እዚ ፈረንሳ ዘቕረበቶ ነጥብታት ናይ ሰላም ዘተ ንምጅማር ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ። ካብቶም ነቲ ሰፊሕ ማዕድናዊ ጸጋታት ናይቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየድ ውግእ ዝዋፈሩ ልዕሊ ሚእቲ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ እቲ ብኤም - 23 ዝጽዋዕ ሓይሊ ዓማጽያን ዝዓበየን ዝተወደበን ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ገበናት ኲናት
ኣብ መላእ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኤም - 23 ኪንሻሳ ንምቁጽጻር ኣሚቱ ቀጻሊ ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብወገናት ተዋሳእቲ እቲ ግጭት ዝፍጸም ገበናት ኲናት ዝምርምር ፍሉይ ሽማግለ ከም ዘቖመን፣ ጨካን ኣካይዳ እቲ ኲናት ኣብ ሱር ናይቲ ብቐጻሊ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝኾነን፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ካብቲ ውግእ ይሃድሙ ከምዘለዉን ብመሰረት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ጸብጻባት፣ ብውሕዱ 30 ሽሕ ሰባት ናብቲ ምስ ሩዋንዳ ናብ ዘዳብዎ ገጾም ከም እተሰዱ ይፍለጥ።
ምልዕዓል ኣብያተ ክርስቲያናት
ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ናብ ዘተ ዝመርሕ መገዲ ክብገስ ጻውዒት ኣብ ዝቕርባሉ እዋን፣ ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ብሔር ኬንያ ዊልያም ሩቶ ውጥን ሰላም ድሕሪ ምቕራቡ፡ ዋና ጸሓፍን ኣፈ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳትን (CENC) ጳጳሳ ዶናቲየን ንሾለ ምስ ፈነወ ፈረንሳ 24 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ “ንሕና ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ካቶሊካውያንን ፕሮቴስታንትን ንዸም ብምልእታ ኣብ ሓደ መኣዲ ንምምጻእ ንጽዕር ኣሎና” ክብሉ ገሊጾም። እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ እዩ: በቲ ሓደ ወገን ኣብያተ ክርስቲያናት ንሰላም “ማሕበራዊ ውዕል” ክሽምግላ: በቲ ካልእ ወገን ርእሰ ብሔር ደ.ረ.ኮንጎ ኮንጎ ፌሊክስ ትሺሰከዲ ምስቶም ዓመጽቲ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ርክብ ወይ ዘተ ንምግባር ድላይ ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ተበግሶ ዘተዓናቕፍ እዩ ዝመስል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ነቲ ቃለ መሕትት ጠቒሱ የመላኽት።
ንዘተ ዝግበር ጻዕሪ
ብመሰረት ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና፡ ጉባኤ ጳጳሳት ደ.ረ.ኮንጎን ፕሮተስታንትን ቤተ ክስቲያን ንመንግስቲ ርእሰ ብሔር ትሺሰከዲ፡ ብሩዋንዳ ናይ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23ን ኣብ ስደት ዝርከቡ ወከልቲ ተቓወምትን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ዘተ ሰላም ንምውዳብ ውጥን ከም ዘለዎም ክፍለጥ እንከሎ። ዋላ’ኳ ምግስጋስ እቶም ዓመጽቲ ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል እንተሃለወ - ድሕሪ ምውራር ክልተ ቀንዲ ከተማታት ምብራቓዊ ዞባ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ፡ ጎማን ቡካቩን - ኣቡነ ንሾለ ኣብዚ ፈተነ ሽምግልና ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ምስቶም ዓመጽቲ ዘተ ምጅማር ኣድላዪ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ንባዕሉ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ 12 ለካቲት ኣብ ጎማ ምስ ጉጅለታት ዓመጽቲ፡ ምስ ሓላፍቲ ፖለቲካዊ ጨንፈር ኤም - 23 ዝኾነ ኪዳን ሩባ ኮንጎ (AFC) ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።