MAP

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምዕጻው ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይኹንን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምዕጻው ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይኹንን  (ANSA)

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምዕጻው ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይኹንን

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ካቶሊካውያን ማሕበራት ትካላት ግብረ ሰናይን ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዸም ንዝካየድ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ዝውዕል መደባት USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደው ንምባል ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወሰዶ ውሳነ ብትሪ ይኹንን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ኣሊስተር ዳተን፡ እቲ ሃንደበታዊ ምዕጻው ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት፣ "ሚልዮናት ሰባት ክቐትልን ንተወሳኺ ኣማኢት ሚልዮናት ድማ ሰብኣውነት ናብ ዝጎደሎ ዘስካሕክሕ ድኽነት ክንቆልቁሉ ዝገብር እዩ" ብምባል፡ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምወል ኣብ መላእ ዸም ዝርከብ ናይቲ ትካል መደባትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ንምዕጻው ዝተመሓላለፈ ውሳነ ከስዕቦ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣጠንቂቑ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር ሚዛን ገንዘብ ዘለዎ USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ኣስታት 120 ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ዸም ንሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዝ ዝምውል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ቃል ዳተን ጠቒሱ የዘኻኽር።

ኣሊስተር ዳተን ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ንሰባት ብኣምላኽ ዝተዋህበ ሰብኣዊ ክብሪ" ከቢድ ሓደጋ ምዃኑን "ዘይተኣደነ ስቓይ ከምዘስዕብን" ገሊጹ፣ ብተወሳኺ እቲ ውጽኢት "ንኹላትና ኣብ ዸም ሓቖፍ ሰብኣዊ ጉዳያት ሰፊሕ ብድሆታት ከምዘቕርብን፡ ንመን ብኸመይን ከነገልግል ከም እንኽእልን ምሉእ ብምሉእ ዳግማይ ክንግምግሞ ከምዘለናን ዘገድድ እዩ" ቢሉ፣ "እቲ ውጽኢቱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብ፡ ንህይወትን ክብርን ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኣዕናዊ ክኸውን እዩ" እንክብል ከም ዘጠንቀቐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዸም ሓቆፍ ሰብኣዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ይርከብ

ኣሊስተር ዱተን ኣብዚ እዋን እዚ ብስራሕ ምኽንያት ካብ ዝገሸላ ቡርኪናፋሶ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ "ኣብ መላእ ዸም ንሰብኣዊ ስርዓት ፍጹም ዘይርጉጽነት" ዘስዕብ ዘሎ ምቁራጽ ሓገዝ ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ’ እንክብል ጓሂኡ ገሊጹ፣ ንኣብነት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት መድሃኒት ኣይክረኽቡን እዮም። ኣብ ሱዳን ጥሜት ዘጋጥሞም 750 ሽሕ ሰባት ወይ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገደስቲ ቀረብ ማይ ከይህሉ ዝገብር እዩ፡ ብዘይ እዚ ኩሉ ድማ "ብቕጽበት ብርቱዕ ጸገማት ጥዕና ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ሚልዮናት ሰባት ክቐትል ዝኽል ጸገም ምዃኑ የስተብህል።

ቀጻሊ ገምጋም መደባት

እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምቲ ብትካል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበር ረድኤት ንወጻኢ ሃገራት ኣቢሉ ዝካየድ ሰብኣዊ ንጥፈታት ንምንካይ ቈሪጹ ከም ዘሎ ከም ዘፍለጠን፣ ካብ ዕለት 8 ለካቲት ኣትሒዙ፣ ኵሎም ሰራሕተይናታት እቲ ትካል ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ክወስዱ ውሳኔ ከም እተመሓላለፈን ን90 መዓልቲ ጥራይ ዘካይድ መጠን ገንዘብ ክህልዎ ከም እተወሰነን ክሕበር እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪክ ረድኤት ንወጻእኢ ሃገራት ክዕጾ ቅድሚ ምውሳኑ፣ ገምጋም ከም እተገበረ ክሕብር እንከሎ፡ ካሪታስ ኢንተርናሽናልስ ዝዀነ ይኹን ሃገር ነቲ ናይ ረድኤት መምርሕታት ክምርምር መሰል ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ሂቡ፣ እንተዀነ ግን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቲ ኣብ ዸም ዘሎ ጠቕላላ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል መጠን ገንዘብ ኣስታት 40 ሚእታዊት እትሽፍን ሃገር ብምዃና ብሃንደበት ክዕጾን ክቋረጽን ምውሳና ከስዕቦ ዝኽል ጸገም ከቢድ ከም ዝኸውን የጠንቅቕ።

ካሪታስ "ርህሩህ" ጻዕሪ ክግበር ይጽውዕ

USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንልዕሊ 60 ዓመታት "ኣገዳሲ መሻርኽቲ" ናይ ካቶሊካዊ  ጻዕርታት ረዴት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣብ መላእ ዸም ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ድሌታት ኣብ ምምላእ ዘሎ ቍጠባዊ ግን ከኣ ሰብኣዊ ሕጽረት ኣብ ዝገጠመሉ ዘሎ እዋን፡ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ነቲ ምጉዳል ዳግመ ግምት ክግበረሉን መንግስታት፡ ኣህጉራውያን ትካላትን መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ኮይኖም ነቲ "ኣብ መላእ ዸም ንዝርከቡ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ብምድጋፍ ንርህራሄን ሰላምን ተወፋይነት" ብጭቡጥ ምግባርን ተግባርን ዳግማይ ከረጋግጹን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ከምቲ ኣሊስተር ዳተን ዝብሎ "ህይወትን ክብርን ሚልዮናት ኣብ ጽንኩር ኵነታት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ጽልዋ ናይቲ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝተኻእለ መጠን ንምብዳህን ንብዙሓት ተቓላዕቲ ሰባት ቀጻሊ ደገፍ ንምርግጋጽን ቅልጡፍ ጻዕርታት የካየድ ምህላዉ ይሕብሩ

11 Feb 2025, 16:20