MAP

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎትን ስነ-ምግባርን፡ ምዕባለ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያታዊ ንኸይገብር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎትን ስነ-ምግባርን፡ ምዕባለ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያታዊ ንኸይገብር  

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎትን ስነ-ምግባርን፡ ምዕባለ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያታዊ ንኸይገብር

ድሕሪ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ ተግባርን ትግባረን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣውስትራሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ምጥቃም ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎት ዘጋጥም ስነ-ምግባራውን ሰብኣውዊ መሰላትን ዝምልከት ብድሆታት ንምፍታሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ Oaውደ ጉባኤ ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2028 ዓ.ም. ዸምለኻዊ ወጻኢታት ንምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ናብ 632 ቢልዮን ዶላር ክድይብ ምዃኑ ዸም ሓቆፍ ትካል ጸብጻባት ክሕበር እንከሎ፣ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣድላይነት ኣድማሳዊ ምቁጽጻርን ንቕሓትን ኣብ ዝብል እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዸም ሓቆፍ ድላይ መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ናይ ክልተ መዓልታት ኣህጉራዊ ዋዕላ ተኻይዱ እዩ። እቲ ዕላማ ካብ መንግስታዊ፣ ውልቃውን ስነ ፍልጠትን ጽላታት ዝመጹ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ብምምጻእ እሙንን ውሑስን ዝኾነ ምህዳርን ሰነ ህይወትን ዘኽብር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ምሕናጽ ከም ዘድሊ ዘመላኽት እውን ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኣውስትራሊያ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዓውዲ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎት ክኢላታት ዝዓደመ ከም ዝነበረን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ኣውስትራልያዊ ናይ መንበረ ጥበብ መምህር ኣባል ናይ ኣውስትራሊያ መንግስታዊ ጉጅለ ክኢላታት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ኤድዋርድ ሳንቶው ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ተሳቲፉ መደረ እውን ከም ዘስምዐ የመላኽት።

ምትእምማንን ድሕንነትን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ፕሮፈሰር ሳንቶው ኣብ ዋዕላ ፓሪስ ዘሕለፎ ተመኩሮ ብምግላጽ፡ ብዸም ደረጃ ኣብ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ናይ ምትእምማን ሃዋህው ንምህናጽ ዘጋጥም ጸገም ኣጉሊሑ፣ “ብቐንዱ እቶም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ስርሓት፣ ስነ ምግባር ብዘጠቓልል ኣገባብ ክህነጽ ከም ዘለዎን፣ እዚ ኸኣ ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት ንንግዳዊ ረብሓ ከይምዝምዝ” ዝሕግዝ እዩ ቢሎም፣ እቲ ስርዓት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ናይ ሰባት ግላዊ መዝገብ ሰነዳት ንምክልኻል ዝሕግዙ ስጉምትታት ድሕነትን ውሕስነት ዝህብ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ፣ ገለ ሰባት ድማ ኣብ ድሕነትን ተኣማንነትን ምትኳር ንምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝድርት እዩ ቢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ፣ እዚ ግን ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ኣመለኻኽታ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እወታዊን ኣሉታውን ሳዕቤን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት

ኣስዒቦም ስነ - ምግባርን መሰላትን ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ክሳዃዕ ኣለዎ፣ እዚ ድማ "ዓበይቲ ዕድላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሙሉእ ደረጃ ሰብኣዊ መሰላት ንምስጓም" ዝኣተመ ክኸውን ዝድርኽ እዩ። ረብሓታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ንዝኾነ ይኹን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት - ዓቢ ይኹን ንእሽቶ - ዕሽሽ ወይ ቅቡል ዝገብር ከይከውን ድማ ኣጠንቂቑ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ንጽቡቕ ዝኸውን ፍሉይ ዕድልን ከስዕቦ ዝኽል ጉድኣት ከነቃልበሉ ይግባእ፣ ስለዚ ንዘምጽኦ እወታዊ ክውንነትን ከስዕቦ ዝኽእል ጸገማትን ተመጣጣኒ ኣቃልቦ ክንህበሉ ንሕተት . . . መርበብ ድሕነት ወይ ደረጃ መከላኸሊ ክህሉ ምግባር ነዚ ጉድኣት ንምድራት ወይ ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ነጥብታት ንምሕላው ሰብኣዊ መሰላት

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ኣጠቓቕማኡን ምዓባለታቱን፣ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ዘኽእሉ ሰለስተ ነጥብታት የቕርብ፣ ቀዳማይ፡ “ንዅሉ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝምልከት” ዝኽተሎ ሕግታት ምሕንጻ። እዚ ማለት ካብ ባዶ ጀሚርና ንእደ ጥበብ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣቀራርባ ወይ ግብረ ገባዊ መምርሒ ምፍጣር ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብቲ ድሮ ዘሎ ክብርታትና ሓድሽ ሕግታት ምውሳኽ ማለት እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ “ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎት ብሓቂ ሓድሽ ብምዃኑ” ካብ መስመር ወጻኢ ከይከውን ንገዛእ ርእሱ እውን ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ብሉጽ ዝገብር እውን እዩ” ቢሉ፣ ካልኣይ እዚ ሕግታት ውጽኢታዊ ኣተገባብራ የድልዮ። . . . “ውጽኢታዊ ዝኾነ ትግባረ ዘይብሉ ሕጊ ፈጺሙ ሕጊ ኣይኮነን። ጽቡቕ ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ኣብያተ - ፍርዲ መንግስትታት ከምኡውን ውድባት ንሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ስጕምቲ ኽወስዱን ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ኣለዎም። እዚ ሓደ ኻብቲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ፓሪስ እተገብረ ናይ ስጕምቲ ዋዕላ ኢዩ ነይሩ ። ከምቲ ናይ ፈረንሳ ሚኒስትሪ ጉዳያት ኤውሮጳን ወጻእን ዝበሎ፣ "ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ሚዛን ምሕላውን ዓለማዊ ክብርታት ዘኽብር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ምፍጣርን ናይ ማሕበረሰብ ዸም ሓላፍነት እዩ" ኢሎም።

ሳልሳይ፣ እቲ ሕጊ ሕጂ ኩሉ መፍትሒታት ክህልዎ ኣለዎ ዘይብል ነጥቢ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ናይ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ዘይምምዝማዝ ወይ ናይ ብሕታዊ መሰል ዘይጥሕስ ኣገባብ ኮይኑ እንተዳኣ ተሰሪሑ . . . ንሰብኣዊ መሰላትካ ከተኽብር እትኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ክኸውን ከም ዝኽእል እምነት ኣሎኒ፣" ምስ በለ ኣስዒቡ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዘስፍሑ መምርሒታት ምፍጣርን ምትግባርን፣ ምናልባት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ሓደ መዓልቲ እቲ ረብሓ ካብቲ ሓደጋታት ብዝሓየለ መንገዲ ክዓቢ ብዘኽእል መንገዲ ንጽቡቕ ነገር ክንጥቀመሉ ንኽእል ማለት እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Feb 2025, 15:28