MAP

ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ `እስላማዊ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታት 70 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ተረጋጊጹ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ `እስላማዊ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታት 70 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ተረጋጊጹ 

ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ `እስላማዊ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታት 70 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ተረጋጊጹ

ብሩዋንዳ ዝድገፍ ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሞትን ዕንወትን ኣብ ዘስዕበሉ ዘሎ እዋን፡ ምንጭታት ናይቲ ከባብን ናይ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያንን ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ ሓንቲ ቁሸት 70 ንጹሓን ዜጋታት ብእስላማዊ ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ከም ተቐትሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም - 23 ብዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ብ​​ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ህይወቶም ንምድሓን መረበቶም ሕዲጎም ይስደዱ ከም ዘለዉን፣ ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ነቲ ብማዕድን ዝሃብተመ ዞባ ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየድ ውግእ ዝዋስኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓመጽ ይፍጸሙ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተረኽበ 70 ሬሳታት

ሓደ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋንን ዘስካሕክሕን ፍጻመታት ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ ጥቓ ሉቤሮ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተክርስትያን ፕሮቴስታንት ናይ ልዕሊ 70 ዜጋታት ረሳ ከምዝተረኸበ፡ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት (ACN)ን ፊደስ ካቶሊካዊ ማዕከን ዜናን ከም ዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት፣ እቲ መጥቃዕቲ በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ዝተፈጸመ ምዃኑ መንነቱ ክገልጽ ዘይደለየ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ሓበሬታ ጠቒሱ ከም ዘፍለጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እቲ እስላማዊ ቃል ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታት ካብ ኡጋንዳ ዝመጸ ምስ እስላማዊ መንግስቲ (ዳዒሽ) ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣብ ኡጋንዳን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝንቀሳቐስ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ግዳያት፣ ቅድሚ ብጭካነ ምቕታሎም፣ በቲ እስላማዊ ጉጅለ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዝነበሩን፣ ካብቶም ግዳያት ገሊኦም ዝተሰየፉ ከም ዝኾኑን እቶም እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ እዚ ዝፍጽምዎ ግብረ ቅትለት፣ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ራዕዲ ንምስፋሕ ዝኣመተ እውን ምዃኑ ምንጭታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ዝፍጸን ጭውያ

እስላማዊ ደሞክራሲያዊ ሓይልታት ኪዳን ኣብቲ ከባቢ ብዝፍጽሞ ዘስካሕክሕ ግብረ ዓመጽን ቅትለትን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንዜጋታት ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ግዱድ ዕዮን ግዱድ ውትህደርናን ከም ዘዋፍርዎምን፣ ብመሰረት እቲ ምንጪ ድማ እቶም 70 ኣብታ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ምስቶም ዕጡቓት ጉጅለ ንኽኸዱ ስለ ዝኣበዩ ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ እዚ ህልቂት እዚ ዲ.ሪ.ሲ ኣብ ወሳኒ ህሞት ዘላትሉ እዋን ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኣውራጃታት ሰሜን ኪቩን ደቡብ ኪቩን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታት ኮንጎን መሻርኽቶምን በርቃዊ መጥቓዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉ ይንገር።

ኣብ ዲ.ኣር.ሲ ኤም - 23 ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ዘሎ ፍርሕን ዘይርጉጽነትን

ምንጪ ውሽጢ ዓዲ ዝጠቐሰ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት፣ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት፣ እቲ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ጉጅለ፡ ከምቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ጎማን ርእሰ ከተማ ደቡብ ኪቩ ዝኾነት ቡካቩን ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ዝፈጸሞን ዘዓወቶን በርቃዊ መጥቓዕቲ፡ ነታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ሰሜን ኪቩ ዝኾነት ቡተምቦ ንምቁጽጻር እውን ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ክፍጽም እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣ ህዝቢ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ሃዋህው ይፈጥር ምህላዉ ኣመላኺቱ፣ ነዞም ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ዝሕግዙ ውሽጣዊ ተሓባበርቲ ምህላዎም ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍርሕን ዘይውሕስነት የጋድዶ ምህላዉን ድማ ሓቢሩ፣ እቲ ትካል ረዴኤት ጸሎት ኣብ ሞንጎ እዚ ዝረአ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ተስፋና ህያው ይገብር እንክብል፣ ኩሉ ምእንቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ተመሳሳሊ ውጥረትን ዕግርግርን ዝርከባ ሃገራት ክጽሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ!

ዋላ እኳ እቲ ኣሰቃቒ ኩነታት እንተሃለወ ማሕበረሰባት ካቶሊካውያን እቲ ከባቢ ጽንዓት ከርእዩን ተስፋ ከይቆርጹን ናይ ቡተምቦ - በኒ ጳጳስ መልከሰዴክ ሲኩሊ ፓሉኩ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ፍርሕን ዘይምርግጋእን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምቁራጽ ተልእኾኣ ትቕጽል ኣላ፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ፣ ማዕርገ ድቁና ምሃብ ድዩ ኮታ እተካይዶ ዘላ መደባት ተሳልጥ ከም ዘላን፣ ኣብ ህንጸት ሰላምን ጻዕርታት ሰላምን ንጡፍ ተራ ትጻወት ምህላዋ እውን ኣፍሊጦም።

ስክፍታ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት  

ኣብ ምብራቓዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (DRC) ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ናብ ጎረቤት ሃገር ብሩንዲ ዝተሰዱ ዘጋጥሞም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ምህላዉን፡ መዓልታዊ ዶብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝሰግሩ ሰባት ብዝሒ እውን ክብ ከም ዝበለን፣ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ንምብጻሕ ሓደገይና መንገድታት ከም ዘቋርጹን ይሕብር።

ትካል ሓልዮ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሩዋንዳ ዝስደዱ ዘለዉ ዜጋታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብዙሓት ቆልዑ ከም ዝኾኑ ኣስተብሂሉ፣ ብዙሓት ካብኣቶም መሰነይታ ዘይብሎም ወይ ድማ ኣብ ህድማ ካብ ስድራቤቶም ዝተፈልዩ ከም ዝኾኑን ስደተይናታት ካብ ጽዑቕ ውግእን ቶኽስን ከም ዘምለጡ ይሕብር።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሩዋንዳ ንኤም - 23 ምድጋፋ ደው ከተብሎ ይሓትት

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ጸረ - መንግስቲ ዕጡቓት ብቕጽበት ተጻብኦታት ደው ከብሉን ካብዚ ሕጂ ዝቆጻጸርዎ ዘለዉ ኩሉ ከባቢታት ክወጹን ዕለት 21 ለካቲት ብሓደ ድምጺ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርዋንዳ ወተሃደራታ ካብ ግዝኣት ደ.ረ.ኮንጎ ከተውጽን፣ ሰራዊት ኮንጎ ነቲ ብሁቱ ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሓርነት ሩዋንዳ (FDLR) ዝህቦ ደገፍ ብቕልጡፍ ደው ከብሎ እውን ዝሓተተ ምዃኑ የዘኻኽር።

25 Feb 2025, 16:31