MAP

ሽልማት ዛይድ 2025 ዓ.ም.፥ ‘ናይ ሓባር ሰብኣውነትና’ ዘብዕል እዩ!

ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ - ስርዓት ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት 2025 ዓ.ም. ኣብ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዘይሕለል ጻዕርን ጐስጓስን እትገብር ንመራሒት መንግስቲ ባርባዶስ ሚያ ሞትሊን፡ መንእሰይ መሃዚ መከላኸሊ ናይ ቆርበት መንሽሮ ሳምናሄማን በቐለን ትካል ሓገዝ መግብን ከም እተወሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ነቶም ካብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዸም ዝመጹ ውልቀ - ሰባት ወይ ጕጅለታት፡ "ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ፡ ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ኣብ ምሕናጽን ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ምትእስሳር ንምምስራትን ደኺመ ከይበሉ ንዝዓዩ” ዝወሃብ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ሸኽ ኣህመድ ኣል - ጣየብ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ፡ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ስዒቡ ዝተበገሰ ዓመታዊ ሽልማት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

'ናይ ሓባር ሰብኣውነት'

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ሽልማት፡ ቀዳመይቲ ናብ መድረኽ ዝደየበት ተዓዋቲት መራሒት መንግስቲ ባርባዶስ ሚያ ሞትሊ፣ ኣንጻር ለውጢ - ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ብዝወሰደቶ ወሳኒ ስጉምትታት፣ ሃገራ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ 100% ተሓዳሲ ጸዓት ክትጥቀም ቃል ምእታዋን፣ ድሮ እዚ ጉዕዞ እዚ ብዘዕግብ ኣገባብ ተሰጉም ምህላዋ ክሕበር እንከሎ፣ ሞትሊ ኣብቲ ስነ ስረዓት ሽልማት ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፥ “ሰባትን መሬትን” ክንፈልዮም ኣይንኽእልን ኢና፣” እንነብረሉ ቦታ እንተዘይሃልዩ ምዕባለ ደቂ ሰባት ክህሉ ዝከኣል ኣይምኾነን. . . ቢላ፣ ሽልማት ዛይድ ኣብ “ናይ ሓባር ሰብኣውነትና” ዘተኮረ ምዃኑ ኣስሚራ፣ “ብሓቂ ኣብ ዘገድስ” ከነተኩር ዝሕግዝ ዕድል እውን እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀጺላ መደረ ዘስመዐት ኤሪን ጎር፡ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ዸም ሓቆፍ ትካል ሓገዝ መግቢ ከም ዝነበረትን፣ እቲ ትካል ብሰብኣዊ ቅልውላው ንዝሳቐዩ ማሕበረሰባት ሓገዝ መግቢ ዘቕርብ ከም ዝኾነን፣ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ቀረብ መግቢ ከም ዝሸፈነ ሓቢራ፣ ኣስዒባ እውን ኣስማት ናይቶም ዕለት 1 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ኣብ ቓዛ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እስራኤል ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ናይቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓገዝ መግቢ ሓደ ብሓደ ጸዊዓ፣ “ተወፋይነቶም ነቲ ትካል ሓይሊ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ወዲ 15 ዓመት መሃዚ ሄማን በቀለ፣ ሓደ ካብቶም ተሰለምቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ደረጃ መንሽሮ ቆርበት ንምክልኻልን ንምፍዋስን ዝሕግዝ ክቡር ዘይኮነ ሳሙና ዝመሃዘ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሳሙና ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ህዝባዊ ጥዕና ጆንስ ሆፕኪንስ ብሉምበርግ ይፍተን ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቀለ ናይ 2025 ዓ.ም. ሽልማት ዛይድ ዘውህቦ ብዙሕ ገንዘብ፡ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ኢትዮጵያ፣ ቤት ሕክምና ንምህናጽን ካልኦት ንምዕባለ ዘሰንዩ ውጥናትን መሳለጢ ከውዕሎ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅድስቲ መንበርን ኢማራት ዓረብን፡ ሓባራዊ ተወፋይነት ንሰብዊ ሕውነት

ኣብ ጐድኒ እቲ ስነ - ስርዓት ሽልማት፣ ኣብ ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ኤል - ካሲስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ሸኽ ኣሕመድ ኣል - ጣየብ፡ ዝኸተምዎ፡ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢሚራት ዓረብ ርእሰ ከተማ ኣቡ ዳቢ እዩ ብሓባር ወግዓዊ ዝገበርዎ” . . . እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ኢሚራት ዓረብ ነቲ ሰነድ ኣዚያ ትድግፎ ከም ዘላ ገሊጾም፡ ኣብ መንጎ ኢሚራት ዓረብን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ ርክብ ሕጂ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ኰይኑ ኣሎ። ቀንዲ ናይ ምትሕብባር ዕላመአን ድማ ኣብ መላእ ዸም ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ዝብል ምዃኑ ኣጒሊሖም፣ እቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ዘሎ ምትሕብባር "ንኻልኦት ኣርኣያ" ምዃኑ ሓቢሮም፣ “እዚ ርክብ እዚ "ኵላትና ሓንቲ ስድራቤት" ምዃንና ዘጒልሕን ዘዘኻኽርን እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

05 Feb 2025, 17:03