MAP

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ምፍራስ ስርዓት ክንክን ጥዕና ቓዛ ስክፍታኡ ይገልጽ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ምፍራስ ስርዓት ክንክን ጥዕና ቓዛ ስክፍታኡ ይገልጽ  (AFP or licensors)

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ምፍራስ ስርዓት ክንክን ጥዕና ቓዛ ስክፍታኡ ይገልጽ

ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና “ምዕናዉ" ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእትዎም ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና "ምድምሳስ" ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ የእትዎም ከምዘሎ ኣጠንቂቑ፥ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን ከባቢ ኣባይቲ ሕክምና ዝተራእየ ተደጋጋሚ ተጻብኦታት ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ከም ዝደምሰሰን እዚ ድማ ናይ ንጹሓት ሰባት ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከይርከብን ክትሓስቦን ክትቕበሎን ኣብ ዘይከኣል ሓደጋ እውን ይዳርጎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

ቀይሕ መስቀል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ትካላት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክኽበርን ሓለዋን ክግበረለን ኣተሓሳሲቡ፥ ኣቐዲሙ ዕለት 31 ታሕሳስ 45 ሰባት ካብቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስ ዝርከብ ኤውሮጳ ቤት ሕክምና ወጺኦም ብመሳገሪ ዶብ ከረም ሻሎም ኣቢሎም ናብ እስራኤል ከም እተጓዕዙን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሕክምና ክኸዱ ምዃኖም ጸብጻባት የመላኽት።

እቶም ሕሙማት ብልዕሊ 100 ኣዝማድ ከምዝተሰነዩ እቲ ቤት ሕክምና ኤውሮጳ ከሕብር እንከሎ እዚ ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካይዶ ዘመተታትን መጥቃዕትታትን ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ቤት ሕክምና ከማል ዓድዋን ካብቲ መሳለጥያ ማእከል ትእዛዝ ስርሒት ሓማስ ይፍጽም ኣሎ እንክብሉ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ሕክምና መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸምን ሰብ መዚ ጥዕና ቓዛ፥ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሕክምናዊ ክንክን ከምዘድልዮም ይገልጹ። እስራኤል ኣብ ወርሒ ግንቦት ንደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ካብ እትሕዝ ንደሓር ንኹሉ መእተውን መውጽእን ነቑጣታት ናብ ቓዛ ትቆጻጸሮ ከም ዘላን ይሕብሩ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ሰራዊት እስራኤል (IDF)፡ ካብ የመን ብዓመጽቲ ሁቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ዒላማኡ ከይሃረም ብዓንተውኡ ከም ዘፍሸለ ከፍልጥ እንከሎ፥ ካብ የመን ዝተተኮሰ ሮኬት ኣብ መሬት እስራኤል ከይበጽሐ ብሓይሊ ኣየር ከምዝተዓገተ እውን ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ወሃቢ ቃል ከፍልጥ እንከሎ። ማገድን ደቪድ ኣዶም እተሰምየ ናይ እስራኤል ኣገልግሎት ህጹጽ ክንክን ጥዕና በቲ ዝተፈነወ ሮኬት ሞት ወይ መጉዳእቲ ከም ዘይወረደ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ እንክሕብር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቱርኪ ምስ ብኣመሪካ ዝድገፍ ኩርዳዊ ግንባር ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ከባቢ ማንቢጅ ሰሜናዊ ሶርያ ዝኣተወቶ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ይኸበር ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ሓቢሩ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ድሕሪ እቲ ጉጅለታት ዓመጽቲ ኣብ ልዕሊ ደማስቆ መሪሾም ንስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ኣብ መላእ ሶርያ ድሕሪ ምዕላዎም ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ውግእ ደው ንምባል ከም ዝሸምገለት ይንገር።

03 Jan 2025, 15:11