ሽማግለ ሽልማት ዛይድ፡ ሕጹያት ኣብ ውጉኣት ዸም ‘ሃዋርያት ተስፋ’ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዸም ዘሎ ዅነታትን ጥሜት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ናይ መጉሓፊ ቦታታት መግቢ ዘናድዩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እተመጣጠነ መግቢ ዝደልዩ ሰባትን ኣጸቢቑ ከም ዘተሓሳስቦምን . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሰንብድ ድኽነት እናሀለወ ዸም ግን ኣጽዋር ንምምራትን ዝተራቀ ኣጽዋር ንምቕራብ ዘይእደን ገንዘብ ተጥፍእ” እንክብሉ ደጋጊሞም ዘስሞዎ ጓሂኦም ዋና ኣመሓዳሪት ውድብ ንግዲ ዸም ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ - ኢዌላ ዕለት 14 ታሓሳስ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ፥ ር.ሊ.ጳ. ንሃለዋት ድኻታት ዘለዎም ስክፍታ ተጒልሕ።
ሽዱሽተ ኣባላት ሽማግለ ዳያኑ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት 2025 ዓ.ም. ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ.
ዋና ጸሓፊ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም እዚ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ምስ ዓቢ መምህር መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዶክተር ኣሕመድ መሓመድ ኣልጠይብ ዝተኸተመ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኽራኸብ ንመበል 20 ግዜኡ ክኸውን እንከሎ፥ ነፍሲ ወከፍ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ክብርታት ሕውነት ደቂ ሰባት ንምድንፋዕ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ውልቃዊ ምትብባዕ ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም። ዳይና ዓብደልሰላም ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኾም፥ “ኣብዚ መንገዲ ናይ ምቕጻል ድሌትና ኩሉ ግዜ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ እንራኸብ ይሕደስ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዕማም ናይቲ ሽማግለ ደያኑ ሽልማት ዛይድ 225 ዓ.ም. ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ካብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተስፋን ሕውነትን መልእኽቲ ተበጊሶም ኣስታት 100 ሕጹያት ሽልማት ዛይድ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ሰብኣውነት ድሌት ሰላም ብፍሉይ መንገዲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ዝገልጹ ኣብ ግምት ምእታው ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ እዞም ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ ማሕበራውን ተቕዋም ዋና ሓላፊ “ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝጅመረሉ ዘሎ እዋን፡ በቲ ኣብ ዸም ዝረአ ዘሎ ጸልማት ከይነዕለቕልቕ ክንዝክር ኣሎና - ቢሎም - እቶም ሕጹያት ንስልማት ዛይድ 2025 ዓ.ም. “ሓዋርያት ተስፋ” ክበሃሉ ከምዝኽእሉ ገሊጾም፣ ንሳቶም ድማ ብናቶም ንእሽቶን ዓበይትን መንገዲ ናይ ሕውነት መልእኽቲ ከዕብዩ ዝጽዕሩ ዘለዉ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊት ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ሕብረት ፓትሪሲያ ስኮትላንድ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ዸም ኣብቶም ሰብኣዊ መንፈስ ንምልዓል ዝጽዕሩ ሰባት ከተተኩር ዘኽእል እዩ . . . እቲ ሽልማት፡ ሰላም “ተስፋ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ክውንነት ምዃኑን ሰባት ንዕኡ ንምዕዋት ይሰርሑ ከምዘለዉን” ኩሉ ሰብ ንኽግንዘብ ዝሕግዝ ምዃኑ ወሲኻ ከም ዝገለጸት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሰኔጋል ነበር ማኪ ሳል፡ ዸምና ብነብሰ ፍትወት፡ ብባእስን ግጭትን ዝተመልአት ምዃና ኣሚኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክንድኡ “ተስፋን ጥበብን” ዝብል መልእኽቲ ከምዘቕርቡን ካልኦት ሰባት ድማ ንዸም ሰላም ክሰርሑ ከምዘተባብዑን ገሊጾም፥ ምስ ሽልማት ዛይድ፡ ዸም ናብቲ ንደቂ ሰባት ዝመልእ ሰናይ ነገር ንምብጻሕ፡ ንሃይማኖታትን ብሄራትን ዝቐርጽ መልእኽቲ ሕውነት ዘቃልሕ እዩ፡ ሓያሎ ኣባላት ሽማግለ ዳያኑ ሎሚ መንእሰያት ጭንቀት ዝመልአት ዸም ከም ዘጋጥሞምን ብዙሓት ወለዶም በቲ ከም ንቡር ዝወስድዎ ነገራት ከም ዝጭነቑን ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣመሓዳሪት ውድብ ንግዲ ዸም ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ - ኢዌላ እውን ኣስዒባ፡ “700 ሚልዮን ሰባት ብጥምየት ከም ዝሳቐዩን ካብኣቶም እቶም 300 ሚልዮን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከቡ እዮም ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ድማ ኣብ ዕጥቂ ውግእ ይውዕል ኣሎ” ቢላ ጓሂኣ ከም ዝገለጸትን መራሔ መንግስቲ ስጳይና ነበር ጆሴ ሉዊስ ሮድሪገዝ ዛፓተሮ፡ ታሪኻዊ ህሞትና ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዸም ዝበዝሐ ግጭታትን ክፉት ውግኣትን ዝረኣየሉ ምዃኑ ብምዝኽካር፥
"ንዸምና ሓድሽን ንርሑቕ ዝጥምት ስነ ኣረኣእያ የድልያ . . . ንሰላም ክንቀሳቐስ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ . . .
ወሲ ዛፓተሮ ይብሉ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዸም “ተባዕ” መልእኽቲ ተስፋን ሰላምን ሓልዮትን ብዛዕባ ድኻታትን ብሰንኪ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብን የቕርቡ፡ ኵላትና ሓንቲ ንጽል ሰብኣዊት ስድራቤት ኢና . . . ኩሉ ተማራዃሲ እዩ “ኩለን ሃይማኖታት፡ ኩሉ ስነ - ሓሳባት፡ ኩለን ሃገራት ሓደ ንጽል ሰብኣውነት እየን” ምስ በሉ ካርዲናል ቱርክሰን ብዛዕባ ትርጉም ሕውነት ኣብ ዘስተንትኑሉ እዋን፡ እታ ቃል ካብታ ኣደልፎስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኮይና፡ ቃል ብቓሉ ድማ “ካብ ሓንቲ ማህጸን” ዝብል እዩ ትርጉሙ፥
“ካብ ሓደ ማህጸን ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ክብሪ ክህልዎም ዘይከኣል እዩ” ቢሎም፥ ኣብ ጋና ዝተወልዱ ካርዲናል ኣስዒቦም፥ ኩላትና ነዚ ክብሪ እዚ ንካፈል ኢና፡ ጠለባት ዝምድናታትና ድማ ከነኽብር ኣለና። ሕውነት ደቂ ሰባት ነቲ ቀንዲ መሰረት ንዝምድናታትና እዩ ዘንብር።” ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ኩሉ ሰብ ንዸም ዝሓሸት ቦታ ንምግባር ክጽዕር ከም ዝኽእል ዘዘኻኽር ምዃኑ ሓቢሮም፥
"ዝኾነ ሰብ ንሰላም ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን ይኽእል'ዩ" እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።