ኣብ ቓዛ ኣብ መዓልቲ ልደት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ቓዛ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝነብሩሉ መዕቆቢ ተንዳታት ዒላማ ከምዝገበራ ምንጭታት ፍልስጥኤም ከም ዝሓበረን፡ ሰራሕተይናታት በርገሳዊ ምክልኻል ሓደጋን ክንክን ጥዕናን ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ሬሳታትን 25 ማህሰይቲ ዝወረዶም ሰባት ኣብቲ ስፍራ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝረኸቡን እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ፡ ሰራዊት እስራኤል ጸጥታ ንምዕቃብ ኣብ ቓዛ ዓስኪሮም ክጸንሑ ምዃኖም ብወግዒ ከም ዝሓበረን፡ እዚ ድማ እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ተኹሲ ደው ምባል ዝያዳ መሰናኽላት ዝፈጥር እዩ ዝብል ስክፍታታት የለዓዕል ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፥ ካትዝ ኣብቲ ስራዊት እስራኤል ዝዓረደሉ ቦትታት ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ቓዛ ምቁጽጻር ጸጥታ ኣብ ኢድ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክጸንሕ ምዃኑ ከም ዘፍለጠን፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻባት ምንጭታት ሓበሬታ ብሪጣንያ፡ መራሔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝዓለመ ሓድሽ ኣህጉራዊ ተበግሶ ክረጋገጽ ልዑል ተራ ይጻወት ምህላዉ እንከመላኽቱ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ካብ ዘሕለፎ ተመኩሮታት ተጠቒሙ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘላቒ ፍታሕ ንምምስራት ዝዓለመ መደብ ዳግማይ ንኽተባባዕ ንዝግበር ጻዕሪ ምሉእ ድጋፍ ክህብ ምዃኑ ምንጭታት ሓበሬታ ብሪጣንያ የመላኽታ።
መራሔ መንግስቲ ኬር ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ለንደን ኣህጉራዊ ዋዕላ ንኽካየድ ክጽውዕ ሓላፍነት ከም ዝሃቦን፡ እዚ ድማ እቲ ትካል ሓገዝ ንስራኤልን ፍልስጥኤን ንሰላም፡ ከምኡ እውን እንቲ ልዕሊ 160 ዝተፈላለያ ሰላም ንምህናጽ ዘተባብዕ ማሕበረሰብ ዝጥርንፍ ውድብ ቃል ኪዳን ንሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዘካይድዎ ጎስጓስ ሰላም ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ ምንጭታት ዓባይ ብሪጣንያ ይሕብራ።