MAP

ኣብ ቓዛ ሓደስቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ብሰንኪ ቁሪ ይሞቱ ከም ዘለዉ ይሕበር ኣብ ቓዛ ሓደስቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ብሰንኪ ቁሪ ይሞቱ ከም ዘለዉ ይሕበር 

ኣብ ቓዛ ሓደስቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ብሰንኪ ቁሪ ይሞቱ ከም ዘለዉ ይሕበር

ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ወቕቲ ሓጋይ (ኣስሓይታ) ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ በቲ ዘሉ ቁርን ኣስሓይታን ዝተወልዱ ኣብራዕተ ሕጻናት መውዓዪ ብዘይ ምህላዉ ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ ጥዕና ቓዛ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፡ ብጀካ እቲ እስራኤል እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ​​ሕጂ’ውን ህጻናት ብሰንኪ ቁርን ኣስሓይታን እኹል መጽለሊ ዘይምህላውን ይሞቱ ከምዘለዉ ሓቢሩ፥

ዞባዊ ዋና ሓላፊ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ኤድዋርድ በይግበደር፡ ‘እቲ ከይህሉ ንምግባር ዝከኣል ዝነበረ ሓደጋ ሞት፡ ነቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ህጻናትን ዘጋጥሞም ዘሎ ተስፋ ምቑራጽ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘቃልዕ ምዃኑ  ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ማዕከናት ዜና፡ ሰብ መዚ ጥዕና እስራኤል፡ ብዛዕባ ጥዕና እቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዝነበሩ ናጻ ዝተለቁ እስራኤላውያን ጉዳይ ጥዕናኦም ዝገለጽ ምሉእ ጸብጻብ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘቕረበ ክሕብራ እንከለዋ፡ እቲ ጸብጻባት፡ እሱራት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣብ ምርኮ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብ 10 - 17 ሚእታዊት ምጉዳል ክብደት ሰብነት፡ ምቕጥቃጥን ኣብ ተነጽሎ ምጽናሕን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ከምዘጋጠሞምን ህጻናት እውን ከይተረፉ ይቕጥቀጡን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመን የመላኽት። ብተወሳኺ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘይረኽቡን። ከም ውጽኢቱ ድማ ንኣብነት ገለ ኣረጋውያን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንነዊሕ እዋን ከይተንቀሳቐሱ ክጸንሑ ስለ ዝግደዱ ድማ ሓደጋ ምርጋእ ደም ይጋጥሞም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ሕክምና

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ከማል ዓድዋን ብዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝኾነን፡ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ስርሒት ኣባላት ኣኽረርቲ ጉጅለታት ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን እዮም ዝበሎም 240 ሰባት ከምኡ እውን ናይቲ ቤት ህክምና ዋና ሓላፊ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ከፍለጥ እንከሎ

ውድብ ጥዕና ዸም ኣብ ቓዛ ክንክን ጥዕና ውሑስ ክኸውን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

30 Dec 2024, 16:02