ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላሕን ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተግባራዊ ኮይኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ናይ ልዕሊ ዓመት ውግእ፡ ካብ ዕለት 26 ናብ ዕለት 27 ሕዳር ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ናይ 60 መዓልታት ዕርቂ፡ እቲ ልዕሊ 3,800 ሰባት ዝቐተለን ዓሰርተታት ኣሽሓት ነበርቲ ሰሜናዊ እስራኤልን ደቡባዊ ዞባ ሊባኖስን ዘመዛበለ ውግእ መወዳእታ ክገብረሉ ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ፔንታጎን ኣብ ዝዘርግሖ መዘኻኸሪ፥ "ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ዘሕዝን ግጭት ከብቅዕ ተስፋ ዘሐድስ ታሪኻዊ ህሞት" እንክብል ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ገሊጹ፥ እስራኤልም ካብ ከም በዓል ሂዝቦላህን ሓማስን ዝኣመሰሉ ብኢራን ዝድገፉ ግብረሽበራዊ ትካላት ገዝኣ ርእሳ ክትከላኸል ግድን እዩ” ቢሉ፥ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንምምሕያሽን ንኹሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕን ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ኣለዎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት
እንተኾነ ግን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኾነን፡ እቲ መጥቃዕቲ ቦምባታት ክሳብ ሒደት ደቓይቕ ቅድሚ እቲ ዕርቂ ቀጺሉ ሰራዊት እስራኤል ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ ናብቲ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሒዝዎ ዘሎ ከባቢ ከይቀርቡ ከም ዘንጠቀቐን ነታንያሁ ነቲ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ንውሓት ግዜኡ "ኣብቲ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ጉዳያት ዝምርኮስ እዩ። ሂዝቦላህ ዳግማይ መጥቓዕቲ እንተፈንዩ፡ ከነጥቅዕ ኢና . . . ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምስምማዕ - ምሉእ ወተሃደራዊ ናጽነትና ክንሕሉ ኢና” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኢራን ንዕርቂ ትድግፍ
ኢራን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብሓጎስ ከምዝተቐበለቶ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስማዒል ባጋይ ገሊጹ፡ ቴህራን "ንመንግስቲ ሊባኖስን ህዝብን ከም እትድግፍ" ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ እቲ ዝተበጽሐ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተራ ማሕበረሰብ ዸም ዘጉልሕ እዩ ይብል።
ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣመሪካ ምስ ቱርኪ፡ ምስሪ፡ ቀጠር፡ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ብምዃን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ንምዕዋት ሓድሽ ተበግሶ ከም እትጅምር" ከፍልጥ እንከሎ፥ ኣብ መወዳእታ ሓይልታት እስራኤል ካብ ከባቢታት ሊባኖስ ብቕጽበት ከም ዘይወጹ ኣረጋጊጹ። "ሂዝቦላህ ድሕሪ ደጊም ንጸጥታ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዘይብሉ ብስም መንግስቶም ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድልውነት ሓማስ ንዕርቂ
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብሓጎስ ብምቕባል፡ ሓማስ ምስ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ንዕርቂ "ድሉው" ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኣባል ማከላይ ፖለቲካዊ መርሕነት ሓማስ ንፍራንስ ፕረስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምእዋጅ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ሊባኖስ ዓወትን ዓወት ናይ ተቓወምቲ ግንባራት እዩ . . . ሓማስ ንውዕል ምቁራጽ ተኹስን ንልውውጥ እሱራት ዕቱብ ስምምዕ ንምግባር ድልው ምዃኑ ነቶም ኣብ ምስሪ፡ ቀጠርን ቱርኪን ዝርከቡ መንጐይናታ” ከም እተሓበረ ኣፍሊጡ።