MAP

‘ፍትሒ ምርካብ ማለት ህይወት ምርካብ ማለት እዩ’ ‘ፍትሒ ምርካብ ማለት ህይወት ምርካብ ማለት እዩ’  (ANSA)

‘ፍትሒ ምርካብ ማለት ህይወት ምርካብ ማለት እዩ’

ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዸም ኣብተን ክሳብ ሕጂ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ዝትግብራ ሃገራት ዝነበር ከም ዝኾነ ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ዝተዳለወ ብመንግስቲ ኢጣሊያ ዝተኣገደ ፍርዲ ሞት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣተኩይሩ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ከም እተገልጸ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዸም፡ ኣብተን ኢራን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይናን ስዑዲ ዓረብን ሓዊሱ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ዝለወን ሃገራት’ዩ ከም ዝነበርን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቶም ቅድሚ ዕለት 6 ጥሪ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ዝቕተልሉ መዓልቲ ዝጽበዩ ዘለዉ 2100 ኣሜሪካውያን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ናይ ዓመታት ማእሰርት ክቕየረሎም ዝግበር ጸቕጢ ልዑል ምዃኑን ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን “ውሳኔ ምሕረት ካብ ፍርዲ ሞት ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣን” ተጠቂሙ ነቶም ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ምሕረት ክገብር ብዙሕ ጎስጓስ ይግበር ከም ዘሎን ዶናልድ ትራም ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኑ ምስ ተረከበ እቲ ዝተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ  ተግባራዊ ክኸውን ውሳኔ ከመሓላልፍ ምዃኑ ድሮ ከም ዘፈልጠ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንህይወት ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ

ኣብ ሮማ ዝርከብ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ መላእ ዸም ኣብ ጉዳይ ሞት ፍርዲ ንምዝታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘዳልዎ ናይ ፍትሒ ሚኒስትራት ዘሳትፍ ናይ ለምዘበን መበል 14 ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ  ዕለት 28 ሕዳር 2024 ዓ.ም. ከም እተኻየደን እዚ ኣኼባ እዚ ካብ 2005 ዓ.ም. ጀሚሩ ካብ መላእ ዸም ዝመጹ ሚኒስተራትን ደለይቲ ፍትሕን ትካላትን ዝውክሉ ዘሳትፍ “ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ንኣተገባብራ ፍትሒ ናይ ዘተ ቦታ ንምፍጣርን መስርሕ ምቁራጽን ምስራዝን መቕጻዕቲ ሞት ንምምዕባልን ዝኣመተ” ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ዸም ሓቆፍ ማሕበር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ዝጸብጸቦ፡ ክሳብ 2022 ዓ.ም. ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕገን ዝነበረን ሃገራት 55 ክኾና እንከለዋ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ብሓቂ ናይ ኩሉ ህዝቢ ምትእኽኻብ ዝሓትት ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ መንገዲ ትጸርግ

ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስርዓት ደሞክራሲ ምስ ተበገሰ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከም ዝሰረዝቶን፡ እዚ ድማ “ፍትሒ ንህይወት ዝጻረር ኣይኮነ” ካብ ዝብል መርገጺ ዝተበገሰ ከም ዝኾነን በዚ መሰረት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ምድምሳስ ዝወሰደቶ ውሳኔ ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ይገብራ . . .

ሃገራት ክብሪ ናይ ሓደ ገበነይና እውን ከይተረፈ፡ ክኽበር ኣለዎ ኣብ ዝብል መትከል ክሰማማዓን ሓደ ክኾናን ይኽላ እየን፡ ኣብ ምሕላው ተስፋ ምሕጋዝ የድሊ፡ . . . መቕጻዕቲ ገበን ሞት እዩ ኻብ ዚብል ኣምር ምርሓቕ ከም ዘድሊ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከመላኽት እንከሎ ። ኣብ ክንድኡስ ናይ ሓቂ ፍትሒ ምእንቲ ኽፍጸም መቕጻዕቲ "ማሕበረሰብ ዝሃንጽ፥" እቲ በዳሊ ድሕሪ ሕዳሴ ዳግማይ ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሱ ብሰላም ንኽነብር ዝህነጸሉም እዋን እዩ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Nov 2024, 17:33