ቫቲካን ብዛዕባ "ፍጥረትን፡ ባህርን፡ ኣከባብን ንዓለምለኻዊ ሰላም" ዘርእስቱ ሰሚናር ከተአንግድ ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብዕለት 11 መስከረም፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ሕንጻ ተቕዋም ማሕበረ-ሰብኣዊ መጽናዕቲ ፒዮ ራብዓይ፣ "ፍጥረት፡ ባህሪ፡ ኣከባቢ ንዓለምለኻዊ ሰላም " ኣብ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ሰሚናር ብዕሊ ክኸፍትዎ ኢዮም ። እቲ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዕልት 12 መስከረም ክቕጽል እዩ። እዚ ሰሚናር እዚ ብቤት ምኽሪ ዝለዓለ ላዕለዋይ መጽናዕቲ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ መለኮት እተወደበ ዀይኑ፣ ኣርባዕተ ኣርእስትታት ዝሓዘ ኣስተምህሮታት ከቕርብ ኢዩ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣቅላሲያውያን ኣካላትን፣ ክኢላት ሥነ ንግድን ማሕበ-ሰብኣዊ መጽናዕትን፣ ባህላውን ክሳተፍዎ ከም ዝኾኖ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቕጽል መደብ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ዝኾነ ሰላምን ንምዕቃብን፣ ብስም ሰላምን ደሓን ደቅሰባትን ኵሉ ፍጥረትን ንምሕላውን ንምርግጋጽን ዘኽእል መንገድታት ንክስዕብዎ ዘለዎም ግዴታ ንኸስተንትኑ፣ ንዅሎም ኣባላታን ሰብ ሰናይ ፍቓን ዝኾኑ ሰባትን ብኸመይ ትጽውዖም ከም ዘላ ዝገልጽ ክኸውን ኢዩ።
እዚ ሰሚናር ካብ እተፈላለየ ቐንዲ ምንጭታት ኣብነታት ከቕርብ ኢዩ፣ ገለ ኻብቲ ንመበል 10ይቲ መዓልቲ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 (2025) ብቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ እተዳለወ ዝማሬ ፍጥረትን፣ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መድኅነ ሰብእን፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣከባብን ዝተገብረ ኣስተንትኖታን ዝተገብረን፣ ካብታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተጻሕፈት ዓዋዲት መልእኽቲ ስቡህ ኣንተን ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘዳለውዎ ሰብህዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስቱ ሓዋያዊ ምዕዳንን ዝተወስደ ሓሳባት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ ። እቶም ኣቕረብቲ መደረታት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ንደቅሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታትን፣ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን፣ ሓደስቲ ሓሳባት ንምምዕባል ብሓባር ክዓዩን፣ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ከተኵሩ ኢዮም።
እቲ ናይ መጽናዕቲ በቶም ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ መለኮት ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቶንዮ ስታሊያኖ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓርቢ ዕለት 12 መስከረም ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክዛዘም ኢዩ። ቀዳም ዕለት 13 መስከረም ሰዓት 11፡00 ቅ. ቐ. ድማ ኣብቲ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ዝፊሕ ዝኾነ መግለጺ ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ክዝርጋሕ ኢዩ ።
እዚ ዓለም ሓቆፍ ሰሚናር በቶም ከም እኒ Arpinge, Polideck, Guglietta Global, His Way at Work, ከምኡውን NTT DATA ዝተሰምዩ ተቕዋማ እተደገፈ ኾይኑ፣ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ መለኮት ብሓገዝ ገለ ገለ ምርኡያት ናይ ክኢላታት ሥነ ንግዲ መሻርኽቱ ብምዃን፣ ብመሰረት እቲ ብ2023 ዝመጸ ሓጋጊ ሰነድ “ሃበ ሥነ መለኮ” ዘርእስቱ እተለዓዓለ ኮይኑ፣ በቲ ዝተኣወጀ ሓድሽ ሕጊ መሰረት ኣብ ኢጣልያን ኣብ መላእ ዓለምን ተበግሶታቱ የተባብዕ።