ኣብ ቫቲካን ክርስትያን ማሕበራት ብዛዕባ ኢቍመናዊ ብድሆታት ይዝትዩ
ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሮም ኽሳዕ ዕለት 3 መስከረም ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ጉባኤ፣ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ንክርስትያናዊ ሓድነት ዝሃሊ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት እተወደበ፣ ሓባራዊ ጕጅለ ዕማም ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናትን (WCC) ኣብ ከተማ ሮማ ይካየድ ኣሎ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰኑይ ዕለት 1 መስከረም እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያንን ክግበር እተወደበ ዓብዪ ኣኼባ ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ክርስትያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤተጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዚርከበሉ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ብወግዒ ተኸፊቱ። እዚ ጽባሕ ረቡዕ ዕለት 3 መስከረም ዚዛዘም ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ ዘሎ ርክብ ንምድልዳልን፡ ተመክሮታት ህይወት ንምልውዋጥን፡ ታሪኻዊ ግደ እቲ ሓባራዊ ጕጅለ ንምርዳእን፡ ሓድሽ ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገራት ንምምርማርን ከምኡውን ነቲ ኣብ መጻኢ ዝግበር ንጥፈታት እቲ ጕጅለ ንምዕማቑን ዝብል ዕላማ ኣለዎ ኣኼባ ኢዩ።
ኣብ ዛዕባ ዘሎ ኣርእስትታት
ገለ ኻብቲ ኣብ ዛዕባ ናይዚ ኣኼባ ዕዮ ዝቐረበ ቐንዲ ኣርእስትታት ድማ ሃይማኖታዊ ዘይምግዳስ፡ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዕርቂ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር እተመርኰሰ ዓመጽን ኣድልዎን ምፍታሕ፡ ከምኡውን ስደትን ሰማእትነትን ክርስትያን ኪጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኣብ መዓልታዊ ኣኼባታቶም ድማ ብሓባር ኮይኖም ይጽልዩን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምሕዝነትን ዘሰነዮ መደባት ዘተን ዝርርባትን ውን የካይዱ ኣለዉ።
02 Sep 2025, 16:17