MAP

ዓለምለኻዊ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት  2025 ፡ ኣብ ዘመነ ጽልእን ኲናትን ሰብ ምዃን ዓለምለኻዊ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት 2025 ፡ ኣብ ዘመነ ጽልእን ኲናትን ሰብ ምዃን 

ዓለምለኻዊ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት 2025 ፡ ኣብ ዘመነ ጽልእን ኲናትን ሰብ ምዃን

ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምወል ዓለም ለኸ ዓውደ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት ለምዘበን ሳልሳይ ሕታም ካብ ዕለት 12 – 13 ከም ዝካየድን ዕለት 30 ነሓሰ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ካርዲናል ጋምቤቲ ንጋዜጠይንታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ "ሕውነት ንሓድሽ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ስርዓት ንህላወ ደቂ ሰባት ከም ዓንዲ ከነቕርቦ ንድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ - ብናይ ቅድስቲ መንበር ምትሕብባርን ብብዙሓት ትካላውን ውልቃውን መወልቲ ዝውደብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት 2025 ዘማእከለ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ተመሪሑ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓፈሻዊ ተራዳን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉዳያት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ኣቦ መንበርን ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ፣ ናይ ማሕበር ሰብኣዊ ሕውነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ኦኬታ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ብግርጭት፡ ጽምዋ፡ ሓድሽ መልክዕ ድኽነት፡ ቅልውላው ከባቢ፡ ምስ ምዕባለ እደ ጥበብ ዝተኣሳሰሩ ብድሆታትን ኣዚያ እትልለይ፣ ብጀካ ኣብ ንጡፍ ኣስተንትኖ ሕውነትን ናይ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ናይ ሓባር ረቛሒ ናይ ምርካብ ተኽእሎን ኣብ ኩሉ ካልእ ትግደስ እትመስል ዓለም "ሰብ ምዃን" እንታይ ማለት እዩ?

ካርዲናል ጋምበቲ፣ ሕውነት ቁልፊ እምኒ ሓድሽ ስርዓት ህላወ እዩ

ካርዲናል ጋምቤቲ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “እቲ ዕላማ ኣብ ዓለም ኵላዊ ሕውነት ንኽህሉ ዘኽእል ሓድሽ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ስርዓት ህላወ ደቂ ሰባት መሰረተ እምኒ ምቕራብ ዝብል እዩ . . .  እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ "መትከል ኵላዊ ሕውነት ታሪኽ ናይዚ ዘመናዊ ለውጢ ንምጽሓፍ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ብሃናጺ ኣገባብ፡ ማለት ንሰባት ዘቕንዐ፡ ንፍልልያት ዘኽብር፡ ምስ ፍጥረት ዝሰማማዕ፡ ከምኡ'ውን ውሕስነት ናጽነትን ማዕረ ክብርን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ" ከቕርብ ስለ ዝኽእል እዩ። በዚ መንጽር እዚ ኣስዒቦም ይብሉ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ "ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ኵላትና ኣሕዋት ብሓባር ናብ ኣምላኽ ንኺድ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር" እንክብሉ ምስ ዘቕረብዎ ዕድመ ዝሰማማዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ናይ ክብሪ ጠረጴዛ ዘተ

ዕለት 12 መስከረም ኣብ መንጎ ሕውነትን ጭቡጥ ስጉምትን ዘሎ ኣድላዪ ሕብረት ዘስተንትን ኣብ 15 ነጥብታት ዝተሰረተ ናይ ክቢ ጥረጴዛ ዘተ ክካየድ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ካብ ሕርሻ ክሳብ ስነ - ጥበብን ስነ- ጽሑፍን፡ ካብ ቁጠባን ክሳብ ምምሕዳር ከባቢ፡ ካብ ትምህርቲ ክሳብ ሓበሬታ፡ ካብ ስራሕ ክሳብ ስፖርት ዘተኮሩ ዓውድታት ዘጥቓልል ኮይኑ፣ ኣብ በብዓውዲ ህይወትን ዕዮታትን ክትግበሩ ዝኽእሉ ጭቡጥ እማመታት ብምቕራብ ክዛዘም እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ዝተፈላለየ መደብ ዘተ ብፍላይ ንታሪኽን ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ኣብነት ኣብ ዝኾነ ቦታታት ከተማ ሮማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት ካብ ትካላት፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ምሁራት፣ ከምኡ እውን ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ክሳተፉ እዮም።

ኣባ ኦኬታ: ንኹላትና ዝኣስረና ሱር ሰብኣውነት

ኣባ ኦኬታ "ዋጋ ሕውነትን ነቲ ንኹላትና ዝጥርንፍ መሰረታዊ ሰብኣውነትን ንምጉላሕ ዝዓለመ መደብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሎሚ ሰናይ ንምምራጽ ተወፋይነት ናይ ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣእምሮን ልብን የድልየና።" እዚ ዝተፈላለየ መደብ ዘተ ኣስዒቡ፣ ምስቶም ኣብ ዙርያ ንዘተ ዝኸውን ቦታታት ዝቖሙን ንማሕበረሰብ ዝቐረጹ ድሮ ገለ ጭቡጥ እማመታት ብሓቂ ፍረ ናይ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ባህላውን መንፈሳውን መስርሕ እዩ፡ ሓቀይና 'ሲኖዳላዊ ጉዕዞ' ዘጉልሕ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

“ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት” ምስ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል

እቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 13 መስከረም ዝዛዘም ኮይኑ፣ ናይ ከተማ ሮማ ሕንጻ ከንቲባ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ "ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት" ብተዓወቲ ሽልማት ኖቤልን ወከልቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ተመሪሑ ክካየድ እዩ። እቲ ውጽኢት ናይ’ቲ ዘተ ዝተገብረሉ መደባት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣሳታፊ ዝኾነ፡ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑን፡ ዝተፈላለየ ባህልታት፡ ታሪኽን ሃይማኖታትን ዘለዎም ሰባትን ህዝብታትን ዘራኽብ ምትእስሳርን ንምልላይ ዝዓለመ እዩ። እቲ ጉባኤ ብጀካ ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ሞዛምቢካዊት ንጥፍቲ ፖለቲከይና ሚኒስተር ትምህርትን ባህልን ነበርን ሓባራዊት ኣደ መንበር ናይ ማሕበር ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ግራሳ ማቸል ማንዴላ፡ ከምኡ’ውን ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠይና ተሰላሚት ኖበል 2021 ዓ.ም. ማሪያ ረሳ ዘሳትፍ ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ባህላዊ ፍጻመ

ቀዳም ምሸት ተሳተፍቲ ብቅዱስ ኣፍደገ ክሓልፉን፣ "ጸጋ ንዓለም" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓለም ለኻዊ መደብ ክካየድን እዚ መደብ እዚ እውን ብዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፣ መሰኻኽርን ስነጥበባውያንን ኣብ መድረኽ እናተቐያየሩ ቀጥታዊ ሙዚቃዊ ምርኢታትን ቃል ምስክርነትን ከቕርቡ እዮን፣ ኣብዚ መደብ እዚ መዘምራን ሃገረ ስብከት ሮማ፣ ዓለምለኻዊ መዘምራንን ዘሳትፍ እውን ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ካብ ሲስቲና ቤተ ጸሎት ብዝመጹ ምስልታትን ዝተሰነየ ብሰብ ኣልቦ ነፈርት ምርኢት መብራህቲ ክቐርብ እዩ፡ እዚ ኸኣ "ስነ - ጥበባዊ ፍጻመ ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣባ ኦኬታ ገሊጾም፡ "እዚ ምርኢት እዚ እቲ ዘተ ዝተገብረሉ ነጥብታት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ጋምቤቲ ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ

ኣብ ጎድኒ እቲ ዋዕላ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ካርዲናል ጋምቤቲ ንማዕከታ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ "ሕውነት እውን ከመይ ጌሩ መልሲ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዝኣተዉ ማእለያ ዘይብሎም ተለዋዋጢ ነገራት ኣብ ሕቶ ዘእትዉናን ዝፈታተኑናን ኣብ ቀረባ እዋን ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምትዕራቕ ባህታ ክኸውን ከምዝኽእል ከነጉልሕ ንደሊ፡ ስለዚ ብፍላይ "ትርጉም" ናይዚ ተበግሶ "ብልክዕ መጻኢ፡ መጻኢ ንህይወትና፡ ከምኡ'ውን ንህይወት መንእሰያት ወለዶታት ከይተረፈ ምድላይ'ዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ "እቲ እተፈላለየ መደብ ዘተ ነቲ ኣብ ሕውነታዊ ምትእስሳርን ንጥፈታትን ንምትርጓም ዜኽእል ሓሳባትን ተበግሶታትን ከቕርብ ንጽበ” ኢሎም።

01 Sep 2025, 16:08