ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ስሎቨንያ ኣብ “ስነ ሜላዊ ምድርኽ ብሌድ”
ዋና ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ከተማ ብሌድ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 2 መስከረም ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 20 ሕታም ስነ መላዊ መድርኽ ብሌድ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ሰሉስ ዕለት 2 መስከረም ኣብ ስሎቨኒያ ኣብ ከተማ ብሌድ ኣብ ዝካየድ ብተመሳሳሊ ስም እታ ከተማ ኣብ ዝጽዋዕ መበል 20 ሕታም ስነ ሜላዊ መድርኽ ብሌድ ዋና ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ 2006 ዝተጀመረ ስነ ሜላዊ መድርኽ ብሌድ፡ ንኤውሮጳን ዓለምን ዝጸሉ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ልምዓታውን ጉዳያትን ብድሆታትን ኣማእኩሉ ዝዝትይ መድረኽ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ኩነትን ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብ ሓደ ዘራኽብ ከም ዝኾነን ናይ ሎሚ ዓመት ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል "ኣብ ህድማ ዘላ ዓለም" ዝብል ኮይኑ፣ ኤውሮጳን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ናይ ሎሚ ዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ዝተፈላለየ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ፡ ቁጠባውን ከባቢያው ኣየርን ቅልውላዋትን ወጥርን ኣብ ምፍታሕ ከመይ ጌሮም ክዋፈሩን ግዴኦም እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንምልላይ ዝድግፍ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
01 Sep 2025, 16:13