'ሓድሽ ውጥን ማእከላይ ምብራቕ' ብዘይ ህዝቢ ፍልስጥኤም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምንጪ ክትዕን ውልትውናን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ እዚ ዘሎ ክትዓትን፡ ነቲ ተርእዮ ዝያዳ ጽንፈይና ገይርዎ ኣሎ።
ጽዑቕ - ሓድሓደ ግዜ ጽንፈይና - ውልትውናን ኣብ መብዛሕትኡ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ይኽሰት ኣሎ። ከምቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ኩነታት ናብ ግጉይ ሓበሬታን ጉድኣትን ከብጽሕ ዝኽእል ምትላል፡ ኣቕሊልካ ምርኣይን ምድንጋርን ኣይሰኣንን።
እቲ ዘሎ ኩነታት ዝጥቀመሉ ቛንቋ: ካብ መጠን ንላዕሊ ስምዒታዊ ኣቀራርባ ዘለዎን: ከምኡውን ነቲ ኻልእ ሰብ ክትሰምዖ ዘይምፍታን ክርአ ይገብር።
ቅድሚ ዳርጋ ክልተ ዓመት ብሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዘይ ገለ ዕቃበታት ዚዅነን ግብረ - ሽበራ መልሲ ንምሃብ እስራኤል እትኽተሎ ዘላ፣ እዚ ኸኣ ካብ ዝዀነ ይኹን ስነ - ምግባር ሰገር ምዃኑ ብብዙሓት ኣህጉራውያን ሰበ - ስልጣን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ከምኡውን ኣብ ዓለም ኣይሁድ ብዝርከቡ ብዙሓት ሰባት እውን ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ኣብ ዝተረፈ ክፋል ፍልስጤም - ኣብ ሓደ እዋን ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ - ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝተፈንጀረ ኲናት እንተተንቲንናዮ፡ ኪኖ እቲ ንህልቂት 7 ጥቅምቲ ዝተዋህበ ምላሽን፡ ካልኦት ዕላማታት እውን ዘለዎ ምዃኑ ካብ ምሕሳብ ክንርሕቕ ኣይከኣልን።
ምስፋሕ ሰፈራታት፡ እቲ ብሰፋሮ ቀጻልን ብዘይ መቕጻዕትን ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ገለ ሚኒስተራት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዝሃብዎ ህዝባዊ መግለጺታት፡ ንመወዳእታ ግዝኣት ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ፍልስጤም ተስፋ ዝገብሩ፡ ምግባት ኩሉ ግዝኣታት ፍልስጥኤም፡ ከምኡ’ውን ምስጓግ ፍልስጤማውያን፡ ኩሎም እቲ ዕላማ ካብ ሓንሳብ ንሓዋሩ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ምጥፋእ ወይ ውሕስነት ድሕነት ሃገረ እስራኤል ምርግጋጽ ካብ ዝብል ኣምር ሰገር ምዃኑ ንኽንሓስብ ይገብረና።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከባቢ ኢሃደ ሓድሽ ሰፈራ ተፈቒዱ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብተግባር ነቲ ግዝኣት ኣብ ክልተ ዝመቅል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንከባቢ - ሐ ናይ ግዝኣታት ፍልስጤም ምግባት ዝብል ጉዳይ እውን ዘተኮረ ምዃኑ ይንገር ኣሎ፡ እዚ ኹሉ ድማ ድሮ ብወግዒ ግዝኣት ፍልስጥኤም ናብ እስራኤል ዘጠቓልል እውን እንተመሰለ፣ ድሮ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር እስራኤል እዩ ዘሎ።
ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዝመልኦ ኵነታት፡ “ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ” ዝምልከት “መደባት” በብሓደ ይቕልቀል ኣሎ - መጀመርታ ብሕቡእ ዝንገረሉ ዝነበረ ሕጂ ብጋህዲ - ኣብቲ ከባቢ ሓደ ዓይነት ሓድሽ ስርዓት ዘቕውም ንህዝቢ ፍልስጤም ቦታ ዘይብሉ ዝገብር።
ካብዚኦም እቲ ዳሕረዋይ እቲ ሕጂ ንመጻኢ ልምዓት ቓዛ ዝብል ዝዝረበሉ ዘሎ ትልሚ እዩ። “ብሉጻት ከተማታትን ምሸቶን ዘለዎ ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ምህናጽ ዝብል።
እዚ ድማ ብግልጺ “ወለንታዊ ምውጻእ” ፍልስጤማውያን ዝድግፍ ተገይሩ እዩ ዝቐርብ፡ ንሳቶም - እንተደልዮም- ሓደ መዓልቲ ክምለሱ ድማ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጽውጽዋይ ዝንገረሉ፣ ነቶም ክወጹ ዘይደልዩ ድማ “ፍሉይ ዞባታት” ዝሕንጽጽ . . . እዚ ጉዳይ እዚ ሓደ ሰብ ልበ ወለዳዊ ዛንታ ወይ ዘይጭበጥ ሕልሚ ክመስሎ ይኽእል፣ የግዳስ ብዘሕዝን መንገዲ ግን ሓቂ እዩ።
ነዚ ምዝንባል ደው ከብሉዎ ዘይከኣለ ድኽመት ማሕበረሰብ ዓለምን ብዝሓ ጎናውያን ኣካላትን ምፍላጥ ዘሕዝን እዩ፣ እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ኣህጉራዊ ውዕላት ሸለል ምባል ዝወልዶ ኮይኑ፣ ንገዛእ ርእሱ ሕግታት ምኽባርን ግብረ ገባዊ ኣካይዳን ዘሰናኽል እዩ። ኣብ መወዳእታ እዚ ኩሉ ሓይሊ ጥራይ ንዝብል ቋንቋ ባይታ ይፈጥር - ፈለማ ብቓላት ድሕሪኡ ድማ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ንዝስነይ ተግባር።
ቤተ ክርስቲያን ኣጽዋርን ዝኾነ ነገር በስገዳድ ናይ ምቕራብ ሓይልን የብላን። እንኮ ዕጥቃ ጸሎትን ሓይሊ ወንጌልን እዩ፣ እዚ ድማ ብዝኾነ ብዛዕባ ሰብኣውነትን ብዛዕባ ህይወት ዓለምን ንጹር ቃል ሓቂ ክንዛረብ የገድደና።
ዝኾነ መጻኢ ብሓይሊ፡ ኣብ ንዕቀት ህይወት ወዲ ሰብ፡ ወይ ድማ ኣብ ክቡርን ውሑስን ህላወ ሰባት ዘለዎም ባህጊ ብምእባድ ክህነጽ ኣይክእልን እዩ።
እዚ ንደልዮ - ብእምነት ድማ ንደግሞ - ንእስራኤላውያን፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ደሓር እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጻውዒት ወትሩ የቕርቡ።
ንፍልስጤማውያን እውን ከም ኩሉ ብማዕረ ሰብኣዊ ክብሮም ክሕሎ ንደሊ። እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ከም ሰብ ክኽበሩን ብሰብኣዊ ኣገባብን ክረኣዩን፡ ብተመሳሳሊ ንኵሎም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን እውን ከምኡን።
ኣብ መላእ ውሽመጥ ቓዛ - ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘሎ ውሑስ ዞባታት - ሕሙማት፡ ተቓላዕትን ዘይተዓጥቁን ሰላማውያን መጽለሊ ዝረኽብሉ፡ ውግእ ዘይብሉ ዞባታት ክቐውም ተስፋ ንገብር።
“ወለንታዊ ምውጻእ” ማለት ግዱድ ምምዝባል፤ ፍጹም ዕንወት፤ መወዳእታ ዘይብሉ ሞት፤ ኣባይቲ ሕክምና ምደብዳብ፤ መዓልታዊ ቅትለት ናይቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ኣብ መስርዕ ደው ዝበሉ፤ ንህዝቢ ፍልስጤም ክብርን ኣብ መሬቱ መንበሪ ዝህብ ዝኾነ ንጹር ፖለቲካዊ ኣድማስ ምዕጻውን - እዚ ዓይነት ስርሒት እዚ ንመጻኢ ሚዛን ማእከላይ ምብራቕ ፈጺሞም ኣይሃንጽን እዩ።
እቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ብቐጻሊ ብጽልእ ዝተመልአ ወለዶ ዝፈጥርን መጻኢ ብማዕበል ዓመጽ ዝተመልአ ኣዚዩ ሓደገይና ዝግበር እውን እዩ።
ገለ ኻብቲ ንፍልስጢኤማውያን መጻኢኦም ምናልባት እውን ኣብ ልዕሊኦም ወይ ካብኡ ዝገደደ ውሳነ ዝግበረሎም ናይ ምዕባለ ውጥናት ትዕቢትን ዑረትን ዘረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ ። መጻኢ ፍልስጥኤማውያን ምስኣታቶም ጥራይ ደኣ እምበር ብዘይ ሱታፌኦም ክውሰን ኣይክእልን ኢዩ ክውሰን እውን የብሉን።
ቤተ-ክርስትያን ቍስሊ ዅሉ ሰብ ንምፍዋስ ድሮ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣደልዲላ ኽትቅጽለሉ እያ።
ንዅሎም እቶም ኣብ ህይወትን ክብርን እተመርኰሰ ኣማራጺ ዅነታት ንምፍጣር ብሓባር ክዓዩ ፍቓደይናታት ዝዀኑ ሰባት ኢዳ ምዝርጋሕ ክትቕጽል ኢያ። ነቶም ነቲ ናይ ጽልእን ውግእን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኢዶም ዘይህቡን ሰላም ከርክብ ዝኽእል መገድታት ዘናድዩን ሰባት ማዕጾኣ ወትሩ ክፉት ኢዩ።
ብዙሕ ዓመታት ይገብር ቅድስቲ መንበር ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂባ እያ፣ ዝዀነ ይኹን ነገር ከጋጥም እንከሎ ኸኣ ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንባርባራዊ ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ሕጊ ኽሕሎ ንሰላማዊ ህዝቢ ናይ ምዕቋብ ግዴታ ክኽበርን ሓባራዊ መቕጻዕቲ ክውገድን ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃም ከምኡውን ህዝቢ ብግዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ ክኽልክል ጻውዒት የቕርቡ።
(Andrea Tornielli)