ቦርጎ ስቡህ ኣንተ - ር. ሊ. ጳ. ሓድሽ ሥነ ኣከባቢያውን መንፈሳውን ምዕራፍ ንምጅማር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ካብ ከተማ ሮሜ ብደቡባዊ ምብራቕ 25 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝተሰምየ ኩርባ ዚርከብ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ዕረፍቲ ቦታ፣ ልሙዕ ስፍራ ኣታኽልትን ምስ ቀላይ ኣልባኖ ዝዳወብን፣ ሰፊሕ ህንጻታትን ግራውትን ዝሓዘ እዩ። ኣብ ፈለማ እቲ ቦታ ናይ ሃጸይ ዶሚሽያን ቪላ እኳ እንተ ነበረ፣ ብቅዱስቲ መንበር ዝውነን ስፍራ ኢዩ፣ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ድማ ስፍራ ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኣሎ ።
ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14ን ውጥን ስቡህ ኣንተን
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመብዛሕትኡ ንብረት ካስተል ጋንዶልፎ ከም ውጠን ሥነ ኣከባቢ ቦርጎ ስቡህ ኣንተን ገይሮም ብወግዒ ክምረቕዎ ኢዮም። እዚ ኣብ 135 ካሬ ዝስፍሓቱ ስፍራ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ እዚ፣ ሕጂ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ስፍራ ኣታኽልትን መሬትን ትምህርታዊ ማእከል ስቡህ ኣንተን ኣብያተ-ምግብን ዕዳጋን ኣህጉራውያን በጻሕትን ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ዑደት ከካይዱ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ማእከል ሥልጠና ብፍላይ ንመዓልታዊ ወይ ንነዊሕ እዋን ንዝጸንሑ በጻሕቲ ካብ ሰበኻታትን፣ ቍምስናዊ ጉጅለታትን፣ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት፣ ካህናትን ጳጳሳትን፣ ተመሃርቲ ቈልዑን ህጻናትን፣ መናብርተ ጥበባብት፣ ተነቀፍቲ ኣካላት ምሕበረሰብን ከምኡ ውን ተወከልቲ ጉባኤታት ጳጳሳትን ንዝኾኑ በጻሕቲ ኩሎም ብፍላይ ድማ ነቶም ነዚ መርኣያ እዚ ከም ኣብነት ክወስድዎ ንዝደልዩ ኩሎም ክፉት ክኸውን ኢዩ። ንኣመሓደርትን ንመራሕቲ ኢንዱስትርያዊ ተቕዋማትን ንኣዋፈርትን ዝዓለመ ንንግዳዊ ዓለም ተባሂሉ እተዳለወ ኣገዳሲ ሥልጠናታት ድማ ዘካይድ ክኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር ሓለቓ ምምሕዳር ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ክቡር ኣባ ማኑወል ዶራንተስ ከም ዝገለጽዎ ኵሉ ሰብ ናብዚ ማእከል እዚ ክበጽሕ ክፉት ክኸውን ኢዩ ።
እዚ ውጠን እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመጀመርታ ግዜ ነዚ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛ ንህዝቢ ብ2023 ንሕዝቢ ክፉት ክኸውን ብዝወሰድዎ ተበግሶን ራእይን ከም ዝጀመረ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ጕዳያት ስልጠና ንምሃብን ንተገዳስነት ሰባት ንምልዕዓልን እተወፈየ ቦታ ገይቶም ብምፍጣር ሥነ ኣከባቢያዊ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ዕላማ ዝገብረ ማእከል ገበርዎ።
ከም ጳጳሳዊ ህንጻ ጥራይ እተሓዝአ እኳ እንተዀነ፣ ክቡር ኣባ ዶራንተስ ከም ዝገለጽዎ ግን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓጋይ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ስፍራ ኣታኽልቲ ንበጻሕቲ ክፉት ክኸውን ብሓጐስ ክኸፍትዎ ከም ዝደልዩ ሓበሩ። ድሕሪ ቐትሪ በጻሕቲ ኻብ ስፍራ ኣታኽልቲ ምስ ወጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መዓልታዊ ብእግሩ ኺዛወሩን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጽልን ከም ምዃኖም ውን ወሰኑ።