ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዘተን ዳግማይ ሕንጸት ምርድዳእን ከምዘድሊ የጉልሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ኣብ ስሎቨኒያ ኣብ እትርከብ ከተማ ብሌድ ዝተኻየደ መበል 20 ሕታም ስነ መላዊ መድረኽ ብሌድ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ኣብ ኣሰር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎ ዘተ ምትሕብባርን ሕውነትን ዝገብርዎ ዘለዎ ጻዕሪ ኣስሚሮም፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተጀመረ ስነ ሜልዊ መድረኽ ብሌድ፡ ካብ ዝተፈላለየ ስነ ትምህርትን ፖለቲካውን ሃገራውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ ክኢላታትን መዳርግቲ ኣካላትን ዘራኽብ፡ ንኤውሮጳን ዓለምን ዝምልከት ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ልምዓታውን ጉዳያት ንምዝታይ ዝሕግዝ ናይ ምይይጥ መድርኽ ከም ዝኾነን፣ ናይዚ ዓመት መበል 20 ዋዕላ መርሕ ቃል “ኣብ ህድማ ዘላ ዓለም” ዝብል ኮይኑ፡ ብፍላይ ኤውሮጳን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ሎሚ ዓለም ኣጋጢምዋ ዘሎ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ፡ ቁጠባውን ከባቢያውን ቅልውላዋትን ወጥሪን ኣብ ምፍታሕ ተራኦም ብኸመይ ክዋፈሩን ዳግማይ ከነጽሩን ይኽእሉ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ እዩ።
ኣብቲ ሰሉስ ዕለት 2 መስከረም ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መድርኽ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ "ኣብ ዘመነ ግጭትን ምብትታንን መሪሕነትን ብዙሓ - ጎናውነት ዳግማይ ምሕያል" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኩይሩ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክቢ ጠረጰዛ ዘተ ከም እተሳተፉን፣ እቲ ክትዕ፡ ፖለቲካውን ሕብረተሰባውን ጻዕርታት ንመሪሕነት ብኸመይ ንሰላም ዝድግፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ብድፍረት፡ ንኹሉ ዝሓቁፍን ብዙሓ ጎናውን ኣገባብ ዳግማይ ንምብራህ ዝዓለመ ከም ዝነበረን፡ ነቲ እንነበሮ ዘሎና ናይ ምግምማዕ እዋን ኣብ ግምት ብምታው ዝተኻየደ እውን ኮይኑ፣ ብጹዕነቶም ዘተ መሪሕነት ንሰላም ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ዝተሓላለኸ ብድሆታት ንምፍታሕ ሓባራዊ፡ ተባዕን ኣድላዪን ዕማም ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ ሕቶታት ኣርእስታት ገይሩ ዝተኻየደ ዘተ፣ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ምርድዳእን ዳግማይ ንምህናጽ ዘድሊ ፖለቲካዊ ጻዕርን ዘስዕቦ ብድሆታት ዝገልጽ ተሳተፍቲ ዘመልከትዎ ሓሳብ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምርድዳእ ምህናጽ ቀንዲ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ ብፍላይ ድማ “ካብቲ ዕጹው ዝኾነ ናይ ካልእ ዘይቅበል ዓይነት ኣተሓሳስባ” ምወጻእ ዝጠልብ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ሓደስቲ ሓሳባትን ኣገባባትን መፍትሒታትን ምምጻእ ከምዘድልን ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ምርድዳእ ምህናጽ ህጹጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ብደረጃ ሃገር፡ ካብ ከባብያዊ ኵነታት ጀሚሩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ወሲኾም፣ መብዛሕትኦም ፖለቲካውያን መራሕትና ነገራት ናብ እወታዊ ኣንፈት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ከምዘለዎም ብውልቆም ዘለዎም እምንቶ ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን ዘተ፣ ምህናጽ ምርድዳእን ጽምዶን የድሊ - ቢሎም - ነዚ ኩሉ ዝፈታተን ድማ ኣብ ውሽጢ ትካላት ምብትታንን ምፍልላይን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ድማ ሃገራዊ መንግስታት ሓዊሱ ኣብኦም ተኣማንነት ወይ እምነት ንኸይህሉ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ መስርሕ ምርጫ ህዝባውነት ይዕቢ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ክንደይ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ኣብ ቅልውላው ከምዘለዋ፡ ሰባት ኣብ ህይወት ዘድልዮም ክልተ መሰረታዊ ነገራት፡ ምዕባለን ድሕነትን ከብጽሓ ስለዘይክእላ፡ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ይርከባ ኣለዋ” . . . ሎሚ ኣብ ሕግታት ዝተመርኮሰ ስርዓታት ኣብ ሓደጋ ምህላዉን ሎሚ እቲ ዝርአ ዘሎ ምኽባር ሕግታት ዝመስል ኣካይዳ፡ ገለ ረብሓ እንተሃልዩ ጥራይ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ ስርዓት ንኹሉ ዝከላኸለሉ መንገዲ የቕርብ ነይሩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።