MAP

24 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 24 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025  (© Jacopo Mancini)

24 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዝጅምር እትሒዙ ብዝሒ ናይቶም ምመናን ነጋድያን ተስፋ ዝምልከት ጸብጻብ ዕለት 4 መስከረም ወግዓዊ ከምዝገበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ. ባሪኾም ብወግዒ ካብ ዝጀመርሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንበዓለ ኢዮቤል ተስፋ ንምብዓል ናብ ሮማ ዝነገዱ መእመናን ነጋድያን ተስፋ 24 ሚልዮን ከም ዝበጽሐ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ኣስፍሆተ ወንጌል ዕለት 4 መስከረ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዕለት 6 መስከረም ቀዳም ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ዝልግስዎ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከቕርቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

04 Sep 2025, 17:01