MAP

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብሩንዲ፡ ኩሉ ሰብ ብኽብሪ ክነብር መታን ሓባራዊ ረብሓ ምቕዳም! ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብሩንዲ፡ ኩሉ ሰብ ብኽብሪ ክነብር መታን ሓባራዊ ረብሓ ምቕዳም! 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብሩንዲ፡ ኩሉ ሰብ ብኽብሪ ክነብር መታን ሓባራዊ ረብሓ ምቕዳም!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ብሩንዲን ዝቖመ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዝምንድና ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዝካየድ መንፈሳውን ባህላውን ጽምብል ንምዝዛምን ከምኡ እውን ንኽብሪ እቶም ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ኣብ 2003 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ተወላዲ ኣየርላንድ ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ ዝውፈ ሕንጸት ማእከል ጥዕና እምነ መሰረት ባሪኾን ንኸንብሩ ዕለት 12 ነሓሰ ዝጀመርዎ ዑደት ሎሚ ዕለት 18 ነሓሰ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዕለት 18 ነሓሰ ዘብቅዕ ኣብ ብሩንዲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዕደት መደብ መሰረት ዕለት 17 ነሓሰ ኣብታ ዕለት እቲኣ ናብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማሪያም ሙገራ ክብ ዝበለ ክፍሊ ርእሰ ሰበኻ ጊተጋ ቁምስና ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘፓዶዋ ብምኽንያት በዓለ ፍልሰታ ለማርያም፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ናይታ ሃገር ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሓበርዎ ምእመናን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኤቫሪስተ ንዳዪሽምያ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውፉይነት ንማርያም

ቡሩንዲ ዕለት 15 ነሓሰ 1961 ዓ.ም. ንድንግል ማርያም ንግስቲ ሰላም እተወፈየትሉ ዕለት ንምዝካር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሩንዲ ኣብ ሙገራ ናብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘሉርደስ ኣማላድነታ ንኽማህለሉ ከም ዝነግዱን፣ ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋዲያን ብፍላይ ዕለት 15 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ምብጻሕ የካይዱን ይጽልዩን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ይሳተፉን፣ ተስፋ ንምድላይን ሰማያዊት ኣደ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ሰላም ከተዕስል፣ ኣብ ዓለም ዓመጽ ክውገድ መንገዲ ሰላም ክሰዓብን ብፍላይ ድማ መራሕቲ መገዲ ሰላም ከቐድሙ እግዚኣብሔር ብርሃኑ ክጽግዎም ይምህለሉ።

እቲ ቀጻሊ ዓመታዊ ንግደት ዝፍጸመሉ ስፍራ፣ ቅድሚ 56 ዓመት ዝተበገሰ መንፈሳውነት መግለጺ ናይቲ ኣብ ብሩንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ እምነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመላእ ህዝቢ ብሩንዲ ዝተወፈየ

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 14 ነሓሰ ናብ ሚናጎ ብምኻድ ነቶም ዕለት 29 ታሕሳስ 2003 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ኣብ ብሩንዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ኣየርላንዳዊ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ክርትነይ ዝኽሪ ዝቖመ ሓወልትን ብስሞም ዝቐውም ማእከል ጥዕናን ከም ዝባረኹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ ብሩንዲ ኣብ ዝነበረትሉ ፈታኒ ዓመታት ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ብሩንዲ ኮይኖም፡ ንዕርቅን ሰላምን ከይተሓለሉ ከም ዝሰርሑን፣ ንህዝቢ ኣብ ስቓዩ ዘሰነዩን ሰላም ሓድሕዳዊ ምቅርራብን ተኻኣሊ እዩ ዝብል ዝነበሮም ራእይ ንምትሕልላፍ ህይወቶም ዘወፈዩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ዝገለጽዎምን "ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ኣይዳን ኩርትነይ፡ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ብሩንዲ ናይ 'ወንጌል ሰላም' ምስክር እዮም" ከም ዝበሉን ዕለት 1 ጥሪ 2004 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ ናይ ዘተን ዕርቅን ተልእኾኦም እናፈጸሙ እንከለዉ ብዘሕዝን መንገዲ ዝተቐትሉ ኣብነቶምን መስዋእቶምን ኣብ ብሩንዲን ኣብ መላእ ዓለምን ፍረ ሰላም ክኸውን ተስፋናን እዩ" ከም ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብሩንዲ፡ ኩሉ ሰብ ብኽብሪ ክነብር መታን ሓባራዊ ረብሓ ምቕዳም!
18 Aug 2025, 15:33