MAP

ይቕረታ “ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል መጋበርያ” ይቕረታ “ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል መጋበርያ”  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ይቕረታ “ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል መጋበርያ”

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ትርጉም ክርስትያናዊ ምሕረት የስተንትኑ - ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዝወሃብ ነጻ ሕቑፊ፡ ንሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ከም ዘረጋገጹ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የስተብህል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሓቀይና ይቕረታ ጣዕሳ ኣይጽበን እዩ፣ እንታይ ደኣ ቅድሚ ተቐባልነት ምርካቡ እውን እንተኾነ፣ ንርእሱ ቅድም፣ ከም ናጻ ህያብ እዩ ዘቕርብ።” ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ምንባብ፡ ኢየሱስ ነቲ ዝጠለሞ ይሁዳ ከይተረፈ እንጌራ ከም ዘቕረበሉ ዝገልጽ ክፍሊ የስተንትኑ። እቲ መለኮታዊ ስነ - መጎት፣ ካብቲ "do ut des - ሃብ ንኽትወሃብ” ዝብል ሰብኣዊ ስነ - መጎት ክሳብ ክንድዚ ዝረሓቐ እዩ። ኢየሱስ፣ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዘይፈልጥ ዘይኮነስ፣ ብልክዕ ብንጹር ስለ ዝረኣየ፣ “ናጽነት ናይቲ ካልእ ዋላ ኣብ ክፍኣት ምስ ጠሓለ፣ ሕጂ’ውን ብልኡም ምልክት ብርሃን ክብጻሕ ከም ዝኽእል” ይፈልጥ እዩ።

እዚ ዕንቅፋት እዚ "ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል" ይቕሬታ እዩ - ይቕረታ ቅድሚ ኩሉ ዝመጽእ፣ ሕቝፊ ምሕረት ምቕራብ፣ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከየድለየ። እዚ ልክዕ ከምቲ ምስ ቀረጽ ዝእክብ ዝነበረ ዘኬዎስ ዘጋጠመ እዩ፣ ዘኬዎስ ናብ ቤቱ ዝዓደሞ ኢየሱስ ተጸዊዑን ተቐቢሉዎን ስለ ዝተነስሐ፣ ንኹሎም እቶም ብወገን ናዝራዊ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ትውፊትን ማሕበራዊ ውዕላትን ምብታኽ ዝረኣዩ ዓቢ ምግራምን ዕንቅፋትን ኮኖም።

ህይወትናን ዝምድናታትናን እዚ ዓይነት ይቕረታ ክሳብ ክንደይ የድልዮ። ዓለምና እዚ ይቕረታ እዚ ክሳብ ክንደይ የድልያ - እዚ ድማ “ምርሳዕ” ወይ “ድኻም” ማለት ኣይኮነን። እዚ ድማ ትንቢታዊ ዝኾነ እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ እቲ ወርሒ መስከረም ዕለት 11 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ዘመሓላለፍዎየዘኻኽረና፣ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ብዛዕባ "መከላኸሊ" ውግእ ክፍጸም ዝክእል መጥቓዕቲ ኣሎ ቢልካ ኣቐዲምካ እትፍነዎ ውግእ እኳ እንተ ተዛረበ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን "ብዘይ ፍትሒ ሰላም ከም ዘየለ፣ ብዘይ ይቕረታ ፍትሒ ከም ዘየለ" ኣብቲ መልኽቶም ከረጋገጹ ደለዩ።

ውልቀ - ሰባት ጥራይ ዘይኰናስ "ኣባይቲ ስድራ ጕጅለታት ማሕበረሰባት መንግስታት ከምኡውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ" ነቲ እተበላሸወ ማእሰር - ዝምድና ንምሕዳስ ነቲ ኣብ ሓባራዊ ኵነኔ ዘሎ ዘየቋርጽ ኵነታት ንምስናፍ ከምኡውን ብዘይ ይግባይ ንኻልኦት ኣድልዎ ንምግባር ዘጋጥሞም ፈተና ንምስናፍ ይቕረታ የድልዮም ኢዩ። ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ኣብ መሰረት ናይቲ ብፍትሕን ምትሕግጋዝን ዝልለ መጻኢ ሕብረተሰብ ዝብል ሓሳብ እዩ ዝርከብ።”

ብኻልእ ሸነኽ ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ዝገለጽዎ ይቕሬታ ዘይምህላው ብፍላይ ንቐጻሊ ግጭት ነዳዲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ "ብመንጽር ሰብኣዊ ምዕባለ ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ። ጸጋታት ንልምዓትን ሰላምን ፍትሕን ዘይኮነስ ንኣጽዋር እዩ ዝውዕል። ብሰንኪ ዘይምትዕራቕ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት እንታይ ዓይነት መከራ ይወርድ! ይቕረ ዘይምባል ንምዕባለ የዳናጉይ! ሰላም ንምዕባለ ኣገዳሲ እዩ። ሓቀይና ሰላም ግና ብይቕሬታ ጥራይ እዩ ዝከኣል።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዘይ ይቕሬታ ሰላም ፈጺሙ ከምዘይህሉ ብምግላጽ እቲ ዕለት 2 ነሓሰ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፣ ዓርቢ ዕለት 22 ነሓሰ ምእንቲ ሰላም ናይ ጾምን ጸሎትን መዓልቲ ክኸውን ተላብዮም፣ ኵሉ ኣብታ ዕለት ንትዝከር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ኣማላድነት ክልምንን ኣብታ ብወግእ እትሳቐ ዘላ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ክወርድ ንእግዚኣብሔር ክልምን ዓዲሞም፣ ኣብታ ተስፋ ዝቖረጸት ዓለም ሓቀይና “መከላኸሊ” ዝኾነ ይቕረታ የድልያ ብዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

21 Aug 2025, 17:19