MAP

2025.08.23 Monaci di Tibhirine, Algeria 2025.08.23 Monaci di Tibhirine, Algeria  ርእሰ ዓንቀጽ

ር. ሊ. ጳ. ልዮንን ምስክርነት ሰማእታት ኣልጀርያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ኣብ ሪሚኒ እተኻየደ ምሕዝነታዊ ኣኼባ፣ ተልእኾ ዕቤትን ሥልጣኔን ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፣ ትሑት ምስክርነት ምሃብ፣ ኣብ ሕውነትን ጉርብትናን ምንባርን ከምኡ ውን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንገዛእ ህይወት ከም ውህበት ምውፋይ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።

ብኣንድርያ ቶርኒየሊ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሪሚኒ ኢጣልያ፣ ምሕዝነት ኣብ መንጐ ሕዝብታት ብዝብል ኣርእስቲ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣኼባ፣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ ሰማእታት ኣልጀርያ ኣብ ዝገልጽ ምርኢት ኣተኲሮም መገለጺ ኣወፈዩሎም።  ኣብ መገለጺኦም ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ምስጢረ ሥጋዌን መሥዋዕትን ወዲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምምሳሎም፣ ጸዋዕተ ቤተክርስቲያን ኣጸቢቝ ይደምቕን የንጸባርቕን፣ በዚ ድማ ኣብ ዓሚቍ ሕብረት ምስ መላእ ሰብኣውነት ኣብ ምድረበዳ ክትነብር ትርከብ፣ ነቲ ንሃይማኖታት ባህልታትን ዝፈላሊ ናይ ዘይምትእምማን ምደቕ ድማ ትስዕር" ክብሉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "እዚ ከምዚ ዝበለ መገዲ ህላወን ትሕትናን" እዚ፣ "ሓቀይና መገዲ ተልእኾ" ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ነቶም ኣብ ሪሚኒ ተኣኪቦም ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን እውን ክቡርን ትርጕም ዘለዎ መዘኻኸሪ ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ተልእኾ ማለት "እቶም ለይትን መዓልትን ብሓጐስን ብጸበባን ኣባና ኢየሱስ በይኑ ጐይታ ከም ዝዀነ ገይሮም ዝርእይዎ፣ ኽሳዕ ሰማእትነት ንዝበጽሑ ውህበት ደኣ እምበር ንመንነት ዝጻረር ዓይነት ርእስኻ ምግታእ" ከም ዘይኰነ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

እቲ ብዛዕባ ሰማእታት ኣልጀርያ ዝቐረበ ምርኢት፣ ነቶም ዘገልግልዎም ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም እተወፈዩ ዜርኢ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዅሉ መዳይ ምሳታቶም ብምክፋል ብሓድነትን ዕርክነትን ምቅርራብን ግብራዊ ሓገዝን ብምስክርነት እዩ ዝነብረ። ኣብቲ ብጥንቃቐ እተመደበ ውጥናት ኸይተወፈኻን ብዛዕባ ኣትኵሮኻ ከይተገደስካን ብዛዕባ ቝጽርታት ምጭናቕ ማለት ውን ኣይኮነን።

እዚ ኣብቲ ብ1996 ሰማእት ብምዃን እተቐትለ ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ክላቨሪ ዝገበሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ንጹር ኢዩ ። እቶም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ጥሩፋት ቀቅድሚ ኣብ ልዕሊኡ ቅትለት ምፍጻሞም ውን ከይተረፈ፣ መዓልታዊ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ይርከብ እንተ ነበረ፣ ስለምንታይ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸም ዝጸንሐ ተሓተተ። ንሱ ድማ "ቤትና ኣበይ ኢዩ ዘሎ? ብምኽንያት እቲ እተሰቕለ መሲሕ ኢና እኳ ኣባኡ ዘሎና። ካልእ ሰብ ስለ ዘየልናን፣ ብኻልእ ምኽንያት የብልናን! ክንጣበቐሉ ዘሎና መክሰብ የብልናን፣ ንኽንዕቅቦ ዘድልየና ካልእ ዕላማ ውን የብልናን ።... ሓይሊ የብልናን፣ ግናኸ ኣብ ጥቓ ዓራት ፈታዊና ከም ሓደ ዝሓመመ ሓው ስቕ ኢልና ኢዱ ሒዝና ግምባሩ ኸም ዝሓጽቡ ኢና እንኸውን። እዚ ኹሉ ድማ ሳላ ኢየሱስ እዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ኢዩ እቲ መከራ ዚጸግብ ዘሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ በቲ ንዋላ ሓደ እዃ ዘይነሓፎ ዓመጻ ኸም ብሓድሽ ብስጋ ኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ዳግም ተሰቕለ።"

ኣስዕብ ኣቢሉ ውን ከምዚ በለ - "ቤተ ክርስቲያን ካብ መስቀል ኢየሱስ ርሒቓ፡ ዓለማዊት ኮይና ንርእሳ ናብ ዘይመንግስታዊ ትካል ክትቅይር ከላ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ከተዕቢ ከላ፡ ኣብ ቁጽሪ ክትምርኮስን፡ ስብከተ ወንጌል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽዋዕ ጥራይ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ትምህር፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሕይወት ሱር በተኻዊ ምርጫታት ብምግባር፡ ኣብ ኣገልግሎት እቶም መሳኪንን እተገለሉን ክትስዕቦ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን እያ ትመውት። ቤተ ክርስቲያን ንኣዋጅ እምነት ናብ ምርኢት ክትቅይሮ ከላ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ክትደምቕ ትኽእል እያ ኢላ ምስ ሓሰበት፡ ብርሃን ካልእ ጥራይ ከተንጸባርቕ ከም እትኽእል ረሲዓ ትመውት" በሉ።

ነቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ ሰባት፣ ሰማእታት ኣልጀርያ ዚህብዎ ምስክርነት ንኣገዳስነት ወንጌል፣ ማለት ንሓድሕዱ ዚጋጮ ምልክት እዩ ዜዘኻኽሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣኼባ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መደምደምታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጣስ ከምኡውን ትምህርትታቶም ዘከሩ - ንድኻታት ዝኸውን ኣማራጺ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ነገር ባህላዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ዘይኰነስ ስነ - መለኮታዊ መደብ ኢዩ።

ከመይሲ ኣምላኽ "ነቶም ትሑታትን ሕጻናትን ድኹማትን ከመልክት፣ ካብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ጀሚሩ ንታሪኾም ኣብ ታሪኽና ኺጽሕፉ ሓረዮም። እምበኣር ናይ ሓቂ ኽውንነት ነቶም ብኻልእ ኣረኣእያ ዚርእዩ፣ ንእተፈላለየ መዳያት እቲ ኽውንነት ድማ ካብቲ ኣዝዩ ኸቢድ ውሳነ ዝግበረሉ ማእከል ሓይሊ ዝርድኡ ሰባት ዜጠቓልል ውን እዩ።"

በዚ ኸምዚ ኸኣ እዮም ሰማእታት ኣልጀርያ ንክርስትያናዊ ምስክርነት ደሞም ምስ ናይ ብዙሓት ግዳያት ጥሩፋት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ብምሕዋስ ክሳዕ መወዳእታ ዝመስከሩ ።

25 Aug 2025, 17:52