MAP

2025.08.25   cardinale Pietro Parolin della 75.ma settimana liturgica nazionale a Napoli 2025.08.25 cardinale Pietro Parolin della 75.ma settimana liturgica nazionale a Napoli 

ካርዲናል ፓሮሊን፦ “ሊጡርጊያ 'ቦታ' ቅርበትን ተስፋን ምልክት ሰላም እዩ!”

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣብ ናፖሊ ዝተኻየደ መበል 75 ሃገራዊ ጉባኤ ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ብዛዕባ ቐንዲ ፍረ ነገር ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣመልኪቶም፣ ሊጡርጊያ ብኸመይ ንእምነትን ግብረ-ሰናይን ከም ዜመልክት ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 25 ነሓሰ ኣብታ ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ናፖሊ ዝርከብ ካቴድራል፣ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብ መኽፈቲ መበል 75 ሃገራዊ ጉባኤ ሥርዓተ ኣምልኾ ነቶም ተሳተፍቲ ሓደ መደረ ኣካፈልዎም።

ኣብቲ "ሥርዓተ ሊጡርጊያ ንተስፋ የዕግቦን የጽንዖን" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ሳምንታዊ ጉባኤ ብምምልካት፣ ነቶም 500 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ምሁራትን ሊቃውንትን  "ተስፋና ንስኻትኩም ኢኹም፣ ሊጡርጊያ፦ ካብ ኣስተንትኖ ናብ ተግባር የሰጋግረና" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ተስፋ፡ ኣስተንትኖ፡ ተግባር፡ ሰላም

ተስፋ፡ ኣስተንትኖ፡ ተግባርን ሰላምን ፦ እዘን ኣርባዕተ ቓላት እዚኣተን ሕመረት ናይቲ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ኢየን ዝነበራ።

ነቶም ተሳተፍቲ ከአ ከምቲ ኣብ “ተ ደዩም” (ንዓኻ ኦ ጐይታ) ዝቃላሕን ከምኡ ውን ጭርሖ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ዝኾነ ኣዋጅ፣ ኣብቲ "ተስፋና" ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎና እምነት፣ "ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንዝክሮን እንነብሮን ኩነት" ምዃኑ እውን ኣዘኻኸርዎም።

ነቶም ብጻዕሪ ዘለዎም ጾርን ተነቃፍነቶምን ከምኡ ውን ሓጢኣት ዝደኸሙ ሰባት፣ ሊቱርጊያ እቲ ናብ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ዝኣትውሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝኾኖም ክብሉ ውን ገሊጾም።

ንእምነትን ፍቕርን ዝኸውን ምግቢ

ሊጡርጊያ ንእምነትን ተስፋን ብሓቂ ንምምጋብ፣ "ንኣምላኽ ኣብቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ክንምከሮ፣" ማለት ብኣስተንትኖ ንልብና ኸነሰልጥን ኸም ዘኽእለና ድማ ኣመልከቱ።

ኣስተንትኖ ክበሃል እንከሎ "ነዒንትና ምምጋብ" ጥራይ ዘይኰነስ፣ ናብ ካልእ ውሽጣዊ ምርኻብ ዝመርሕ እውን ከም ምዃኑ ገለጹ። "ንውህበት ኣምላኽ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ምዝካር ማለት፣ ነቲ ምስጢረ ፋሲካ ክርስቶስ ናይ ምልላይ ዝንባሌን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ምስጢራት ማለት ብፍላይ ድማ ኣብ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቍርባንን፡ ምስማዕ ቃል ኣምላኽን፡ ኣብ ኣገልግሎትን ከምኡ ውን ኣብቲ ንኣምልኾ እተጋብአ ማሕብር ይግለጽ ማለት እዩ።"

እዚ ጻውዒት እዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ወንጌል ሃሴት ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘጕልሕዎ "ጽባቐ ሥርዓተ ኣምልኾ" ንምግላጽ ኢዩ ።

ደለይቲ ኣምላኽ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ ኣስተንትኖ ንኣግራሞት ዘገልግል ኢዩ፣ - "በቲ ኻብቲ እንዝክሮ ምስጢር ዝመጽእ ተስፋ ንኽንምገብ ዘኽእለና’ውን ኢዩ።" እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዚህልወና ስለ ዝገብር ነቲ ውህበት ንኽንቅበሎ ኣእዳውና ኽንከፍት ኣሎና።

እዚ ክኸውን እንተድኣ ዀይኑ ድማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን፣ ዓበይትን ሽማግሌታትን፣ ስንኩላንን ከምኡውን ስደተኛታት ማለት ኣብ ኵሎም እቶም ንኣምላኽን ፍቕሩን ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ኣድናቖት ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

በዚ ኸምዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምልክት ናይቲ ደቅሰባት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ተስፋ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ምልክት ተስፋ ይኾና፣ እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ንብዙሓት "ደለይቲ ኣምላኽ" ተመልክት።

ንህይወትን ንሥርዓተ ሊጡርጊያን ምእላም

ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ሊጡርጊያ ኣዒንትና ናብ ሰማይ ዘልዕል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ወትሩ ኣብ ጭቡጥ ህይወት ኢና እነተኵር። ሥርዓተ ኣምልኾን ህይወትን ምስ ተተሓሓዘ ጥራይ እዩ ምንጪ ተስፋ ክኸውን ዝኽእል።”

ንሊጡርጊያ ምስ ህይወት፣ ንኣስተንትኖ ምስ ተግባር ምጥማር ንዓና ንደቂሰባት "ሰብ-ጥበብ ሓድነት" ከም እንኸውን እዩ ዝገብረና። ንምስጢራትን ደቅሰብን ብሓንሳእ ምትሕሓዝ፣ ነቶም ምኽንያት ናይታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ተስፋ ዝሓትቱና ሰባት ምላሽ ንኽንህቦም ከም ዘኽእለና ከኣ ገለጹ።

ምልክት ተስፋን ዕቝባን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ሊጡርጊያ ብዝያዳ ጥቡቕ ቅርበትን ተስፋን ናጽነትን ተቐባልነትን ከምኡ ውን መዕቈቢ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሑ። ሓድሓደ ግዜ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ከም ማሕበረሰብ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእዩን፣ እቲ እንኮ ተቐበልቲ ዝኾኑሉ ቦታን፣ ኣብ ክንዲ ዝኸፋፍል ድማ ዘሕብር ምዃኑ ክዝንግዑ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ።

ነቲ ብዕለት 17 ሓምለ ሰለስተ ሰባት ብደብዳብ ቦምብታት ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ እትርከብ ቍምስና ደብረ ቅድስቲ ስድራ እተቐትሉሉ ኣጋጣሚ ብምዝካር ድማ ሊጡርጊያዊ ሕይወት "ሓደ ኻብቲ ኣብታ ዝዓነወት ሃገር ዘሎ ሳሕቲ ዝርከብ ወይ እንኮ ምልክት ተስፋ" ኢዩ ዝነበረ።

ዳርጋ 500 ዝዀኑ ክርስትያን ምእመናን ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ይጽልዩን መዕቈቢ ይረኽቡን ኣለዉ። "ቤት ጸሎት ንህዝቢ ኣምላኽን ንዅሎም እቶም ዝስደዱን ዚጭቈኑን መዕቈቢ ይኾኖም፣ እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ርጉጽ ዝኾነ ተስፋ እዩ" በሉ።

ንኣምላኽ ምጥማይን ምጽማእን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ ኣብዚ ሎሚ ካብ እተፈላለየ ባህሊ እተኣኻኸበ ናይ ኢጣልያ ቍምስናታት፣ "ንኹሉ ዘሕብር፣ ብዝሓ ባህልታት ዘለዎ ከምኡ ውን ተቐባሊ ብምዃኑ" መሥዋዕተ ቅዳሴ በዚ መንፈስ እዚ ክፍጸም እውን ጻውዒት ኣቕረቡ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ሥርዓተ ኣምልኾ ከኣ ምሉእ መግለጺ ናይቲ "ሲኖዳውነት" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣምር ኢዩ።

ነቶም ካብ ካልኦት ኣህጉራት ናብ ኢጣልያ ዝመጹ እሞ ብተስፋ ዝጐዓዙ ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ መስቀሎም ተሰኪሞም ሓቀይና ጕዕዞ ንዝፍጽሙ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን ዘከሩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ንስጋዊ ድሌቶም ጥራይ ዘይኰነስ ንመንፈሳውነቶም ዘለዎም ጽምእን ጥሜትን ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ዝምንጩን፣ ተስፋ ንምርካብ ዘለዎም ጽምእን ከም ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።

ውህበት ሰላም

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደረኦም፣ "ዕላማ ሥርዓተ ኣምልኾ ሰላም እዩ፣ እዚ ድማ ህያብ እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ እዩ" በሉ። ምልክት ጥራይ ዘይኰነስ ሓቀይና ሰላምን ናይ ሓቂ ሕብረትን እዩ ዘመልክት።"

እዚ ሰላም እዚ ፍረ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ኢዩ፣ "ኣብ ውሽጡ ሊቱርጊያ ድሮ እንምኮሮ ዘሎና ውን ኢዩ፣ ናብ ምላር ዓለም ተዘርጊሑ ውን ኣሎ፣ ንሕና ድማ እቶም ናይ መጀመርታ መሰኻኽሩ ኢና። "ሉቱርጊያ  ብውሳጣዊ ሓቂ ዝፍጸም እንተ ደአ ዀይኑ፣ ናይ ተስፋን ሰላምን መሰኻኽር ከም እንኸውን ኢዩ ዝገብረና” ክብሉ ውን መደረኦም ዛዘሙ።

ኣብ መደምደምታ ድማ "ኣብ ኣፍ ደገ ዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ኩሉ ሰብ 'ኣቱም ናብዚ እትኣትዉ ብተስፋ ተመገቡ' ዝብል ተጻሒፉሉ እንተ ዘንብብ ክንደይ ሠናይ ምኾነ" በሉ። ከመይሲ እቲ ኣብ ቅዳሴ ህያውን ንጡፍን ዝዀነ ክርስቶስ ባዕሉ ንሱ ኢዩ ተስፋና።"

28 Aug 2025, 14:42