MAP

ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ መኽፈቲ መበል 75 ሃገራዊ ቅነ ሊጡርጊያ ኣብ ናፖሊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ደብዳብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ “ትርጉም ኣልቦ እዩ” እንክብሉ ዓሚቝ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹን ብዛዕባ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ኣብ ምኹናን ሓደ ድምጺ ከምዘሎ” ገሊጾም፣ “እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኵሉ ብመላእ ዓለም እውን ዝተኾነነ ይኹን ኣዝዩ ዘሰንብድ ምዃኑ ካርዲናል ፕሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ከተማ ናፖሊ ዝካየድ ዘለ ሃገራዊ ቅነ ሊጡርጊያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ እስራኤል ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ናስር ዘካየደቶ ደብዳብ ጠቒሶም፣ ሓሙሽተ ጋዜጠይናታት ዝርከብዎም 20 ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ ኹሉ "ትርጉም ኣልቦ እዩ፣ ንፍታሕ ዝኸውን መገዲ ዘይርኣይ ኣይመስል" ከምኡውን እቲ ኵነታት "ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓላለኸን ብናይ ሰብኣዊ ጉዳያት ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገይና እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎን እዚ ኸኣ መዓልታዊ እንርእዮ ዘሎና ሳዕቤን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. "ተስፋ ዘሀልው ህሞት" ክኾነልና ተመንዮም፣ "ንምልእታ ዓለም ተስፋ የየድልያ ኣሎ . . . ብፍላይ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ተስፋ እንህበሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣብ ዘይረኣየሉ እዋን ኣንጻር ኵሉ ናይ ሓሶት ተስፋታት ዝኾነ ሓቀይና ተስፋ" ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልታት "እቲ እናገደደ ዝኸይ ዘሎ ዓመጽ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ምጅማር ኣጸጋሚ ምዃኑ" ከም ብሓድሽ ዘርኢ እዩ፣ እንተዀነ ግን "ካብ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ምድላይ ክንቦክር የብልናን፣ ንሰላምን ዕርቅን ምዕያይ ክንቅጽል ኣሎና" ኣንክብሉ ብትረት ገሊጾም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም፣ "ዓሚቝ ፖለቲካ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ ናብ ሰላም ክመርሕ ዝኽእል ብዙሕ መፍትሒታትን ብዙሕ መገድታትን ኣሎ። እንተዀነ ግን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ናይ ኣእምሮ ዝንባለ እውን ዝሓትት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣

27 Aug 2025, 17:20