MAP

2025.05.27 CARD. KOOVAKAD in Cambogia per colloquio buddisti

ቅድስቲ መንበር ኣብ ህዝባዊ ጉባኤ ሃገረ ቺለ ብዛዕባ ህንጸት ሰላም ዝርዝር መምርሒታት ኣቕሪባ

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መነበር ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ኮቫካድ፣ ነቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ባህሊ ሰላምን ምርኻብን ንምድንፋዕ ዝገብረቶ ጻዕሪ ብምጕላሕ ብዛዕባ ህንጸት ሰላም ኣብ ሃገረ ቺለ ኣብ እተገብረ ህዛባዊ ጉባኤ መደረ ኣቅሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ጃኮብ ኮቫካድ ኣብቲ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ጉባኤ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ብምምልካትን ሰላም ንምድንፋዕን ቅድስቲ መንበር እትጥቀመሉ ኣገባብ ገለጹ ። ኣብ ዕለት 12ን 13ን ነሓሰ፣ እቲ ኣብ ሃገረ ቺለ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቴሙኮ ዝወደቦ ዘተ ሃይማኖታትን ባህልታትን ብዛብል ኣርእስቲ ተኻይዱ።

ብፁዕ ካርዲናል ኮቫካድ ብዛዕባ እቲ "ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ባህልታትን ሃገራትን ብምዝርራብን ብምትሕብባርን ዓለምለኻዊ ሰላም ምህናጽ - ተጸምዶን ምትሕብባርን ቅድስቲ መንበር " ዘርእስቲ ዝተኻይደ ዋዕላ መደረ እንከቕርቡ፣ ቤተ - ክርስትያን ብሓቅን ፍትሕን ምሕረትን ሕውነትን ዕርቂን ግብረ - ሰናይን ኣቢላ ሰላም ከተስፍን ዘለዋ ተልእኾ ኣመልኪቶም ገለጹ።

ሰላም ንምርካብ እተገብረ ተበግሶ

ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም መራኸቢ ድልድል ማለት ከም "ሃናጺ-ድልድል" ዝብል ግደ ከም ዘለዎ ኣጕልሑ፣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1965 ንው. ሕ. ሃ. ዘቕረብዎ መደረን ክሳብ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘቕረብዎ መደረን ብምግላጽ ከም “ዝተነጻጸለ ክፋላት ሳልሳይ ውግእ ዓለም” ዝበልዎን ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብ2025 ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዛዕባ “ብመንገዲ ዘተን ርክባትን ድልድል ምህናጽ” ብምጥቃስ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ኮቫካድ ከም እኒ ሰላም በምድር / Pacem in Terris፣  ዓመታዊ መዓልቲ ሰላም ዓለም፣ እቲ ብ1986 ኣብ ኣሲዚ እተገብረ ሕብረት ሃይማኖታዊ ጉባኤ ጸሎትን ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ እዋን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐረበ ሰነዳት ከም ስቡህ ኣንተን፣ ኣኃው ኩልነን ከምኡውን ሰነድ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነትን ጠቒሶም ኣመልከቱ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማሲያዊ ርክባት

ቅድስቲ መንበር ምስ 184 ሃገራትን፣ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡውን ምስ ሉዓላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብምህናጽን፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ቀዋሚ ተዓዛቢ ብምልኣክን ርዓዪ ከም ዘላ ኣመልኪቶም። ብፁዕ ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ መደረኦም እዚ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ሰላምን፣ ከምኡውን ኣብ ምኡዕ ሰብኣዊ ዕቤት ከም ዘተኵር ገለጹ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከም ናይ ው. ሕ. ሃ. ውጥናት ምዕብልናን ከምኡ ውን ዕቃቤ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ዘማእከለ ውን ከም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ዘተ ሃይማኖታትን ባህልታትን

እዞም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዘተ ምስ ሃይማኖታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውን ባህላውን ዘተ ኣብ ምድፋዕ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝገብሮ ጻዕርን፣ ከምኡ ውን በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉዕ ሰብኣዊ ምዕብልና ንምድንፋዕ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስተ መንበርን እተገብረ ተበግሶታት ተቒሶም ውን ኣጉልሑ። እዚ ጻዕርታት እዚ ድርብን ብዙሕን ኣኼባታት ምግባር ምስ ዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ-ክርስትያን ብምትሕብባርን ከምኡውን ሓባራዊ ኣኽብሮትን፣ ባህላዊ ዕርቅን ምርድዳርን ንምድፋዕን ከምኡውን ንተፈጥሮ ምክንኻን ዘጠቓልል ተበግሶታት ኢዩ ዝነበረ።

ብፁዕ ካርዲናል ኮቫካድ ኣስዒቦም ሰላም "ብቐጻሊ ክህነጽ ኣለዎ" ከምኡውን ተልእኾ ናይ ኵለን መንግስታት ወይ ሃይማኖታዊ ትካላት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጕላሕ መደረኦም ደምደሙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብፁዕነቶም ብሰብኣዊ ኽብርን ሓባራዊ ረብሓን ተደሪኽና ግብራዊ ምትሕብባር ክንሓንጽ ጻውዒት ኣቕረቡ።

14 Aug 2025, 13:25