MAP

ቅድስቲ መንበር፡ ደቀንስትዮ ደቀባት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝሓሸ መጻኢ ክኾና ይግባእ ቅድስቲ መንበር፡ ደቀንስትዮ ደቀባት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝሓሸ መጻኢ ክኾና ይግባእ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፡ ደቀንስትዮ ደቀባት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝሓሸ መጻኢ ክኾና ይግባእ

ኣብ ውዳበ ሃገራት ኣሜሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ ኩሎም ደቀባት ብፍላይ ድማ ምስ ደቀባት ደቀንስትዮ ቅርበት ከምዘለዋ፣ ኣብ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀባትን ሻሙናይ ምዕራፍ ደቀባት መላእ ሃገራት ኣመሪካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

የኔታ ኹዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ ኩሎም ደቀባትን ብፍላይ ድማ ምስ ደቀባት ደቀንስትዮ “መሰረታዊ መሰላቶም ንምድንፋዕን ንምሕላውን” ዘለዋ ቅርበት ደጊሞም ከም ዘርጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ፍሉይ ዓውደ ኣኼባ “ብልሳን ደቀባት ደቀንስትዮ፡ ርኡይነት፡ ኣመራርሓ፡ መሰላትን ቁጠባዊ ርእሰ - ምሕደራን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ንኣበርክቶን ኣገዳሲ ተራን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ንዝምልከት ክትዕ መምርሒ ዝህብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ቅድስቲ መንበር፡ ደቀባት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደገ ብጸቕጢ ብዝመጹ መምርሕታት ተደሪኸን፣ “ዘይንጡፋት ተጠቀምቲ” ዘይኮናስ፣ “ንጡፋትን ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ምህናጽ” ናይ ሓባር መጻኢ ዘለወን ምዃነን ትጣበቕ - ቢሎም - እቲ ንጡፍ ተጣባቕነት ቅድስቲ መንበር ንባህልታት ደቀባት ኣብ ምድንፋዕ፡ "ግቡእ መንፈሳዊ መንገድታትን ንልምድታትን ቋንቋታትን ህዝብታት ትኹረት ምሃብን ዝብል ትሕዞቶ ዘለዎ እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም፣ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላታን ኣብ እተሳልጦ ዕማምን፡ “ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ንፍቀ - ክቢ ንዝርከቡ ደቀባት ምሕብሓብ ቀጺላ፡ ኣብ ትምህርቶምን ጥዕንኦምን ወፍሪ ብምግባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ጉዳይ ደቀባት ንቕሓት እናዕበየት ትቕጽል ኣላ፡ ምእንቲ ኣባላት እዞም ማሕበረሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ታሪኽ ቀንዲ ተዋሳእትን መራሕትን ክኾኑ፥ እንክብሉ ብፍላይ “ጽዑቕ” ስራሕ ጉባኤ ጳጳሳት፡ ሃገረ ስብከታት፡ ቁስምናታት ተልእኾታትን ከምኡ’ውን ናይ መላእ ዞባ ኣማዞን ዓቕለሲያዊ መርበብ (REPAM)ን ካልኦትን ኣስተብሂሎም ከም ዘረጋገጹን፣ ኣብ መወዳእታ የኔታ ክሩዝ ሴራኖ ኣብቲ ዞባ ንዝነብሩ ደቀባትን ተቓላዕቲ ህዝብታትን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ንምብጻሕ ውድብ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ዝግበር ጻዕርታት፣ ከምኡ’ውን “ድምጾም ክስማዕን መሰላቶም ክሕልዉን ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ምሉእ ተሳትፎኦም ከረጋግጹን ዝደልዩ ተበግሶታት” ዝገብሮ ሓድሽ ደገፍ ቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ብምሃብ ተድንቖ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Aug 2025, 15:10