ቅድስቲ መንበር 'ኣብ ሃይቲ ሰላም ንምምላስ ንዝግበር ጻዕርታት ትድግፍ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት፣ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ዑደት ዓመጽ ጕጅለታት ዝተዋሕጠት ሃይቲ ናብ ሰላምን ምርግጋእ ገጻ ከተብል ዘኽእል መርሓ መገዲ ንምቕራብ፡ ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣኼባ ከም ዘካየደ ክሕበር እንከሎ፣ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ኣብ ፖርት ኦ - ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ ምቅታሎን ስዒቡ ሓያላት ጕጅለታት ኣብታ ሃገር ዕንወት ከስዕቡ ይረኣዩ ከም ዘለዉን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ናይ ጎደና ጉጅለታት ልዕሊ 85 ሚእታዊት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ምዃኖም እዩ ዝንገር።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም፡ ኣብ 2024 ጥራይ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ ኣልበርት ራምዲን ዕለት 21 ነሓሰ ነቲ እቲ ውድብ ዝሓንጸጾ ሃይቲ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ክመርሕ ዝኽእል መርሓ - መገዲ ብወግዒ ከም ከም ዘቕረበን፣ እቲ መርሓ መገዲ ሃገራት ኣመሪካ ምስ መሪሕነት ሃይቲ ብምውህሃድ፡ ቅልጡፍ ምርግጋእ ምስ ናይ ነዊሕ መዋቕራዊ ጽገናታት መደባት ብምትእስሳር ንሃይቲ ዝድግፍ ፍኖት ዘቕርበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ውድብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
የኔታ ኹዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅድስቲ መንበር “ኣብታ ካሪብያን ሃገር ዘሎ ከቢድ ጸጥታውን ትካላዊ ቅልውላው” ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ኣረጋጊጾም፣ እቲ ፍኖተ - ካርታ ነቲ “ሃይቲ ተሕልፎ ዘላ ዓሚቝን መዓታውን ኩነታት፡ ብፍላይ ብዘይውሕስነት፡ ስፍሕ ዝበለ ድኽነትን ዓመጽ ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝልለ፡ ማሕበረ - ፖለቲካውን ሰብኣውን ሸነኻት” ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዝሓበሩን፣ ዕለት 10 ነሓሰ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ብቐጻሊ ኣደዳ ቅትለት፣ ዓመጽ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፣ ግዱድ ስደትን ጭውያታትን ንዝኾነ ህዝቢ ሃይቲ ኣቃልቦ ገይሮም፣ “ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ብህጹጽ ክፈትሑ ንኹሎም ተሓተትትን ህጹጽ ጻውዒት አቕርብ፣ ንሃይቲውያን ብሰላም ክነብሩ ዘኽእሎም ማሕበራውን ትካላውን ኩነታት ንምፍጣር ድማ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጭቡጥ ደገፍ ክቐርብ እሓትት” ዝበለዎ ጠቒሶም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ጉባኤ ጳጳሳት ሃይቲ ዕለት 23 ሓምለ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ብዛዕባ ምፍራስ ኣካሊት ሕብረተሰብ ሃይቲ መጠንቀቕታ ከም ዘስምዑን ንዅሉ እቲ ንሰብኣዊ ኽብረት ዘሕስር ተግባራት ከም ዝዅንኑን፣ ኣቡናት ሃይቲ መንግስቲ "ድሕንነት ፍትሒ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንህዝቡ መሰረታዊ ነገራት ውሕስነት ከም ዘይህብ" ብምግላጽ "ማሕበረሰብ ኪዓኑን ኪበላሾን ንርኢ ኣሎና" ከም ዝበሉ የኔታ ክሩዝ ኣብቲ ዕለት 21 ነሓሰ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምዝኽካር፣ ቅድስቲ መንበር ንህዝቢ ሃይቲ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ክረክብ ኣብ ዝገብር ጻዕርታት ኩሉ ብእተኻእላ መጠን ክትተሓባበር ፍቓደይና እውን ምዃና ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መደምደምታ መደረኦም “ቅድስቲ መንበር ምስ ህዝቢ ሃይቲ ቀረባ ምዃናን፣ ሰላምን ርግኣትን ንምድንፋዕ ንዚግበር ጻዕርታት ከኣ ብቐጻሊ ከም እትድግፎ የረጋግጽ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።