MAP

ቅድስቲ መንበር ብመሬት እተኸባ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊማ ተረጋግጽ ቅድስቲ መንበር ብመሬት እተኸባ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊማ ተረጋግጽ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ብመሬት እተኸባ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊማ ተረጋግጽ

ኣብ ቱርክመኒስታን ከተማ ኣዋዛ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ብመሬት እተኻባ ሃገራት ዝተሳተፉ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ድኽነት ንምጥፋእን ዘይነጻጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ንምዕባይን ምትሕግጋዝን ፍትሕን ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ሃገር ቱርክመኒስታን ኣዋዛ ኣብ እተኻየደ ሳልሳይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፣ ነታ ኣአንጋዲት ሃገርን ነቲ ምትእኽኻብ ክኡል ንዝገበሩን ኣመስጊኖም፣ እቲ ዋዕላ “ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት - LLDCs ደገፍ ዳግማይ ንምርግጋጽ ዕድል” ከምኡ’ውን ብሓቂ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘደልድል “ዘላቕን ዝጭበጥን ሓገዝ” ንምቕራብ ዝድርኽ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኽነት: እቲ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾነ ብድሆ

ሊቀ ጳጳስ ካቻ፣ " እተን ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት ዋላ'ኳ ብመልክዓ ምድራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ኵነታተን ዝተፈላለያ እኳ እንተኾና፡ ተመሳሳሊ ስርዓታዊ ብድሆታት ከምዘጋጥመን፡ እዚ ድማ "ዘላቒ ዘይኮነ ጾር ዕዳ፡ ልዑል ወጻኢታት መጓዓዝያን ተቓላዕነት ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ግዳማዊ ማሕታታትን" ይርከብዎም። ይኹን እምበር፣ "ድኽነት እቲ ዝዓበየን ህጹጽን ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ድኽነት ቁጠባዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ "ነፍሲ ወከፍ ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት መሰረታዊ ድሌታቱ ብምኽሓድ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሪ'ውን የዳኽሞ - ቢሎም - ብፍላይ ኣብ ገጠራት፡ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ብውሑድ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። "ድኽነት ዘይተርፍ ኣይኮነን፣ ሳዕቤን ዘይፍትሓዊ መሓውራትን ምርጫታት ስርዓታትን ስለዝኾነ ክስገር ዝከኣል እዩ፣ ንባህላዊ ሸነኽ ድኽነት ኣቓልቦ ብምስሓብ ድማ፡ ምኽሓድ ባህላዊ መሰላትን ዕድላት ትምህርቲ ዘይምህላውን ንዘይማዕርነት የዕምቖ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንግድን ፍትሕን

ሊቀ ጳጳስ ካቺያ ኣብተን ሃገራት ትሑት ምዕባለ - LLDCs ዘሎ ድኽነት ንምስጋር ቀንዲ ዕንቅፋት ዘይፍትሓዊ ኣህጉራዊ ንግዲ ምዃኑ ኣመልኪቶም። - ዘርእታ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ብምጥቃስ፣ ንግዲ ብግቡእ እንተተመስሪቑ ሓያል መንቀሳቐሲ ልምዓት ክኸውን ከምዝኽእል ኣዘኻኺሮም። እዚ ንኽኸውን ግን “ብጠለባት ፍትሕን ምትሕግጋዝን ተቐሪጹ” ኣብ መትከል ኩላዊ ጽሕፍቶ ሃብቲ መሬት ዝተሰረተ ክኸውን ኣለዎ፣ ኩሉ ሰብ ንሙሉእ ምዕባለኡ ዘድሊ ኩነታት ክህልዎ ምርግጋጽ . . . ብዘይፍትሓዊ ሕግታት ንግዲ፣ ዝተጸገማ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ሕጽረት ርእሰ - ማልን ስንኩል ዕዳ ወጻእን የጋጥመን፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ንዘላቒ ዘይኮነ ምዝመዛ ከባቢ ነዳዲ ይፈጥርን ድኽነት የዕምቖን። ልምዓት ኣብ ምልውዋጥ ፍርያት ጥራይ ዘይኮነስ ብስግግር (ምምሕልላፍ) ስነ ፍልጠታውን እደ ጥበባውን ፍልጠት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት - LLDCs ርእሰን ዝኽእላን ተጻወርትን ክኾና ዝድግፈን ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣውነት ማእከል ምግባር

ሕመረት መልእኽቲ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ "ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ ስነ ሜላታት ማእከል ክኸውን ኣለዎ" ዝብል ኮይኑ፣ "ንግድን ቁጠባዊ ዕብየትን ንባዕሎም ሸቶታት ኣይኮኑን፣ እንታይ ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይነጻጸል ሰብኣዊ ምዕባለን ናይ ሓባር ረብሓን ንምስጓም ዝሕግዙ መጋበርያታት እዮም" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ክም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Aug 2025, 17:04