ቅድስቲ መንበርን ብሩንዲን ናይ ስሳ ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና የኽብራ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዕድመ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰበስልጣን ብሩንዲን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 12 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 18 ነሓሰ ዑደት ንኸካይዱ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከም ዝገሹን፣ እዚ ጉዕዞ መዕጸዊ ኢዮቤል 60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ብሩንዲን ቅድስቲ መንበርን ክመርሑን ከምኡ’ውን ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ንዝተቐትሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ኣይዳን ኩርትነይ ዝውፈ ሕንጸት ማእከል ጥዕና እምነ መሰረት ባሪኾም ንኸንብሩን ኣብ ብሩንዲ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲክን የመላኽት።
ዝኽሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ
ኣብ 2000 ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ዝዓነወት ሃገር ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ዝተመዘዙ ሊቀ ጳጳሳት ኩርነይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2003 ኣብ መንጎ መንግስቲ ብሩንዲያን ዓመጽቲ ሁቱን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሪሕ ተራ ዝተጻወቱን ኣብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኮኑ ምስ ተመዙ፣ ኣብ ብሩንዲ ውዱእ ሰላም ክህሉ ዝኽእል ተኽእሎ ቀረባ ምዃኑ ብምእማን፡ ንተወሳኺ እዋን ኣብ ቡጁምቡራ ክጸንሑ ከም ዝሓተቱን፣ ካብ ርእሰ ከተማ ብሩንዲ ብዙሕ ከይረሓቑ ብማኪናኦም እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶኽሲ ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ናብ ቤት ሕክምና ምስ ተወስዱ ዕለት 29 ታሕሳስ 2003 ዓ.ም. ኣብ መበል 58 ዓመት ዕድመኦም ከም ዝዓረፉ ዘዘኻከረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንመበል 20 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳስት ኩርትነይ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ብሩንዲ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ሕጂ ድማ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ ዝተቐትሉሉ ቦታ ዝህነጽ ማእከል ጥዕና እምነ መሰረት ብምንባር ክዝከሩ እዮም። እቲ ውጥን ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ብሩንዲ ርእሰ ብሔር ኤቫሪስተ ንዳይሺሚየ ብወግዒ ተገሊጹ ከም ዝነበረን፡ እቲ እምነ መሰረት ናይ ብራኽን ምንባርን ስነ ስርዓት ዕለት 14 ነሓሰ 2025 ክፍጸም እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ንነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይ ዝውፈ ሓወልቲ ናይ ምምራቕን ምጅማር ህንጸት ማእከል ጥዕና ሊቀ ጳጳሳት ኩርትነይን ስነ ስርዓት ክመርሑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ጉዕዞ መደብ
ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ መግለጺ፣ ዕለት 13 ነሓሰ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብሩንዲ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪኡ ምስ ጳጳሳት ብሩንዲ ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱ ከም ዝኾኑን ኣስዒቦም ምስ ናይ ብሩንዲ ርእሰ ብሔር ንዳይሺሚየ ክራኸቡን ኣብ መንጎ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤን መንግስትን ፍሉይ ስምምዓት ናይ ምኽታም ስነ ስርዓት ክፍጸምን ንጽብሒቱ ዕለት 15 ነሓሰ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘሙገራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ቀጺሎም ርእሰ ከተማ ጊተጋ ዑደት ክገብሩ እዮም።
ዕለት 16 ነሓሰ ካርዲናል ፓሮሊን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪኡ ምስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ምስ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህየውት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ክራኸቡን፣ ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ማይክል ኣይዳን ኩርትነይ ክሓብሩን መደረ ከስምዑን ኣብ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 17 ነሓሰ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 7 መስከረም 1990 ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ ቦታ ዝተሃንጸ መካነ ንግደት ኖትረ ዳም ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ብሩንዲን ዝካየድ ኢዮቤል ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።