200 ደብተራ ንስሓ ኣብ ሮማ ንኢዮቤል ቅነ መንእሰያት
ዕለት 1 ነሓሰ ካብ ሰዓት 10፡30 ክሳብ ሰዓት 18፡00፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ሜዳ ሮማውያን ቺርኮ ማሲሞ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ምርኢት ጎልጎል፣ ከም ኣካል ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝተወደበ ካብ ዕለት 28 ሓምለ - 3 ነሓሰ ንመንእሰያት እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል፣ ስነ ስርዓት ምስጢረ ንስሓ ከም እትፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቶም ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንመንሰያት እተወፍየ ቅነ ኢዮቤል ንኽሳተፉ ሮማ ዝኣተዉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ነጋድያን ተስፋ፡ ዕለት 1 ነሓሰ፡ ቅድሚ ቀዳምን ሰንበትን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቶር ቨርጋታ ኣብ ዝርከብ ስጣሕ ጎልግሎ ቅድሚ ምርኻቦም፡ ምሉእ ብምሉእ ንሚሥጢረ ዕርቂ ዝተወፈየት መዓልቲ ከም ዘካየዱን፣ ኣብቲ ምስጢረ ንስሓ ኣብ እተሰርዓሉ ቺርኮ ማሲሞ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጎልጎል 200 ደብተራ ንስሓ ቆይሙን መንእሰያት ነጋዲያን ተስፋ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
02 Aug 2025, 17:02