ካብ ዕራብ ጸሓይ ክሳብ ወጋሕታ፦ ዕርክነት ንዓለም ክቕይራ ይኽእል እዩ
ብኣንድርያ ሞንዳ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ዕለት 3 ነሓሰ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግውዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍን፣ ቀንዲሞም ኣብ ዋዜማ ናይቲ ዕለት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ናይ ጸሎት ዘሠርክ መደባት ንክያድ ነቲ ሰፊሕ ሰጣሕ ጐልጐል ቶር ቨርጋታ መልእዎ። ነታ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ኪዛረብ ከሎ ዝሓተታ በላሕን ቀጥታውን ሕቶ ድማ ኢዩ ዜዘኻኽረና። “እንታይ ክርትእዪ ናብ ምድረ በዳ ወጻእኩም? ብንፋስ ሰሰው ዝብል ሻምብቆ? እንታይ ደአ ኽትርእዩ ወጻእኩጅም?” (ማቴ 11፡7)
እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ንጐደናታትን መንገድታትን ኣደባባያትን ከምኡ ውን ህዝባዊ መጕዓዝያታት ናይታ መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሮማ ብሓጐስ ብምዕልቓል ብጉብዝናዊ ሓይሊ ሓሊፎም ናብዚ ቦታ እዚ ክበጽሑ ተረኽቡ። ኣብኡ ምርካቦም ድማ ንሕዝቢ ከተማ ሮማ ንነዊሕ እዋን "ብውዕዉዕ ስምዒት" ሓጐስን ክዝክርዎ ዝጸንሑ ኣብዚ ቦታ እዚ እተፈጸመ ኣጋጣሚታት ኣዘኻኸሮም።
ኰይኑ ግና ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝሓተቶ ሕቶ፣ እዞም መንእሰያት በቲ ዝሓትዎ ዝነበሩ ሕቶታት፣ ነዚ ሕቶ እዚ ናብቶም ወኪል ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገጾም ኣበልዎ። ትርጕምን ዕላማን ዘለዎ ሕቶታት ድማ ይሓትቱ ነበሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ኣባታዊ መልሶም ብምልጋስ ሕቝፎም ብልጋስ ኣሰነይዎም ከምኡ ውን ንበይኖም ኣይገደፍዎምን፣ እኳ ደኣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ክደጋግምዎ ደስ ዝብሎም ዝንበረ ቃል "እቶም ዚኣምኑ በይኖም ኣይኰኑን" ኪብሉ ውን ኣዘኻኸርዎም።
ሃይማኖት ከም ሕመረቱ ኣብ ርክባት እዩ ዜተኲር። እዚ ሓሳባት እዚ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ናይቲ ቀዳም ምሸት ዘካየድዎ ዝርርብ ኢዩ ዝነበረ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ኣብቲ ዕራርቦ ዝነብረ ዝርርብ ኢዩ ዝመስል ዝነብረ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ኽርአ ኸሎ ኸኣ ምናልባት ብዛዕባ እዚ ኣብ ወሰናስን ሮማ፣ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ካብ እተራእየ ሓያል ህሞት እቲ ዝበለጸ "ትርጐሜ" ኣብቲ ዴቪድ ማሪያ ቱሮልዶ ዝጸሓፎ ግጥሚ ኤማሁስ ዝብል ክርከብ ዝከኣል ኢዩ -
ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፣
ንስካ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እትገልጸልና ተጓዓዛይ ነበርካ፣
ከምኡ ውን ነቲ ቕጫ ብስቕታ ብምቑራስ ምጽንናዕ ሃብካና፣
ገጽካ ምእንቲ ክርእዩ፣
ሕጂውን ንልባትናን ኣእምሮናን ተብርህ ኣሎኻ፣
ከምኡ ውን ፍቕርኻ ብኸመይ ከም ዚበጽሓናን፣
ናብ መዓሙቝ ማያት ክንወጽእ ምእንቲ ክንበጽሕ ትድርኸና ኣሎኻ።
ቶር ቨርጋታ ከም ኤማዩስ፣ ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ክሳዕ ወጋሕታ ማለት ካብቲ ዝወርድ ዝነብረ ጸልማት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ብተስፋ ዝመልአ ሓድሽ ብርሃን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ዝካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ናይቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ውሳጣዊ ለውጢ ማለት ካብ ፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ናብ ሓጐስ ኪልወጡ ኸም ዘኽእሎም ብምጕላሕ ዘይተጸበይዎን ተስፋ ዘይገበሩሉን ነገር ምስ ከም ዘጋጠሞም ኣስተንተኑ። እዚ ድማ ገጽ ንገጽ ብምርኻብ ኢዩ ዝነብረ።
እዞም ብዙሓት መንእሰያት እዚኣቶም ገጽ ንገጽ ንምርኣይ ናብ ቶር ቨርጋታ ኸዱ። ከምኡ ኽንገብር ከሎና ኸኣ ብፍቕሪ ኽንትንከፍ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ሓደ ነገር ንምግባር ዘይኰነስ "ንምዃኑ" ኢዩ ዝነበረ። ከምኡ ንምግባር ዘይኮነስ፣ ስቕ ንምባል እውን እዩ ዝነብረ። ንምዝራብ ዘይኰነስ ምናልባት ውን ንዝማሬ እዩ። ብሓባር ብጽሞና ግዜ ከሕልፉን፣ ብሓባር ከኣ ይዝምሩ ነብሩ። በይኖም ግን ኣይነበሩን። ኵሉ ኩነቶም ርክብ ምንባሩ ብምግንዛብ ከም ቀንዲ ቀለስቲ መጠን ርክብ ንምምስራት ኢዩ ዝነብረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ መንእሰያት ዝሓተትዎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ድማ ነዚ ብንጹር ኣስተንተኑ -
“... ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ውሉድ ኣምላኽ ኰይኖም ክነብሩ ኢዮም። ህይወትና ብማእሰር ፍቕሪ እያ እትጅምር፣ በዚ ርክብ እዚ ኸኣ ኢና እንዓቢ ። [...] ንሓቂ ብውዕዉዕ ስምዒት ምስ እነናድያ፣ ባህሊ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እንገብሮ ምርጫታት እውን ንቕይራ ኢና። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ንቓላት ምስ ነገራትን ኣስማትናን ዜተሓሕዝ ማእሰር እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ከአ ሓሶት ነዚ ባእታታት እዚ ይኸፋፍሎ ናብ ምድንጋርን ግጉይ ርድኢትን ድማ ይመርሖ።" — [ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘጸሎት ዘሰርክ ንመንእሰያት ዝለገስዎ ቃል]
እምበር ከስ ሓቂ ማእሰር ርክባትና እውን እተመልክት እያ። እንተዀነ ግን ኣብዚ ትርጕም ኣልቦነት ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ መዋእል ኣልቦነት (nihilism) (ካብ ኒሂል/ nihil (ኣልቦ) ማለት ነሂሉም/ nehilum ዝብል ቃል ዝመጸ፣ ቃል ንቃሉ "ኣልቦ ምትሕሓዝ" ወይ ማእሰር ዘይብሉ ማለት ኢዩ)፣ በዚ ኸምዚ ከቢድ ጸቕጢ ይወርድና ኣሎ።
ሓቂ ኻብታ ቐንዲ ርክብ ዝዀነት ፍቕሪ ፈጺማ ኽትፍለ ኣይትኽእልን እያ። ገለሰባት "ኣብ ዝምድናታት" ከም ዘለዉ እንክገልጹ፣ ንሓደ ሰብ የፍቅርዎ እዮም ማለት እዩ።
ኣብዚ እውን ፍቕሪ ብዛዕባ ሓደ ነገር "ምግባር" ዘይኰነስ ብዛዕባ "ምዃን" እያ እተመልክት። ምስ ዜፍቅርዎ ሰብን ምስ ኣዕሩኾምን ካብ ምዃን ንላዕሊ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ባህ ዜብል ነገር የልቦን።
ብሓባር ክንርከብ ከለና ግዜ ከይተረድኣና ኢዩ ዝሓልፍ፣ ከመይሲ ሰንሰለት እቲ መቝሕ እዩ ዚስበር። ክሮኖስ (ተራ ግዜ) ተስፋታት ዝመልኦን ትርጕም ዘለዎን ሓጐስ ዝመልኦን ካይሮስ (ምቹእ ግዜ) ይኸውን። እዚ ድማ ግዜ ዕላማ ዘለዎ ባይታን፣ ናብቶም ነብርቲ ዝመላለሰሉ እዋን መዓልታዊ ናብራን ብዕላማ ትሑዛትን ስለ ዝኸውን እዩ።
እቲ ብሓባር ኴንካ እትረኽቦ ናጻን ዘይርከብ ተመክሮን ድሮ መርኣያ ሰማይ እዩ።
ስለዚ ኸኣ ኢዮም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ፍቑር ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምጥቃስ ኣብቲ ኣብ ህይወት መንእሰያት ዘተኰረ ፍረ ነገር ዕርክነት ዘለዎ ኣስተምህሮት ዝለገሱ። እዚ ዓብዪ ኣፍሪቃዊ ቅዱስ ክብሉ ብምጥቃስ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ውን ኣዘኻከርዎም። “ ... ንሱ ዓቕሉ ዘጽበበ መንእሰይ እኳ እንተ ነበረ፣ በቲ ትሑት ዝኾነ ነገራት ኣይተጸናንዐን፣ ንጭድርታ ልቡ ውን ስቕ ኣየበሎን። ኣጐስቲኖስ ብዛዕባ ሓቂ ኣስተንተነ ማለት ብዛዕባ እቲ ተስፋ ዘየቝርጽ ሓቂ፣ ከምኡውን ነቲ ዘይሃስስ ጽባቐ ውን ደለየ። ነዚ ድማ ኸመይከ እዩ ረኺብዎ? ከመይ ቢሉ ኢዩ’ኸ ነዚ ሓቀይና ዕርክነትን ተስፋ ኽትህብ እትኽእል ፍቕርን ዝረኸቦ? ንሱ ነቲ ድሮ ዝደልዮ ዝነበረ ብምርካብ ማለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምርካብ እዩ ኣባኡ በጺሑ። ንመጻኢኡ ክሃንጽ ዝኸኣለ ኸ ብኸመይ እዩ? ነቲ ናይ ኵሉ ግዜ ዓርኩ ዝነበረ ብምስዓብ ኢዩ።” (ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ንመንእሰያት ኣብ ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል)
ብተስፋ ዝመልአ ቓላት ድማ ከምዚ ብምባል መልእኽቶም ደምደሙ - "ዕርክነት ንዓለም ብሓቂ ክቕይራ ይኽእል ኢዩ። ዕርክነት ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ እዩ" በሉ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ እያ ናብ መዓሙቝ ማያት ክንበጽሕ እትድርኸና።