MAP

2024.05.25 Incontro con i Bambini - Stadio Olimpico 2024.05.25 Incontro con i Bambini - Stadio Olimpico  (Vatican Media)

ኮሚቴ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህጻናት፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናንን ስድራቤትን ህይወትን ተሰጋገረ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ኮሚቴ ዓለም መዓልቲ ህጻናት፣ ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራቤታትን ከምኡውን ህይወት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዘሰጋገርዎ ዝገልጽ ሰነድ ኣመሓላሊፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "ብኮሚቴ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህጻናት"  ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ንምውዳብን ንምትሕብባርን መዓልቲ ህጻናት ዘቘምዎ ጳጳሳዊ ኮሚቴ ካብ ሓንቲ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመሓደር መዋቕር፣ ኣብዚ እዋን እዚ ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራቤትን ከምኡውን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበት ኮይኑ ክመሓደር ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ውሳነ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቶም ትኩእ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤድጋር ፐንያ ፓራ ብዕለት 6 ነሓሰ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ እተራኸቡሉ ኣመሓላለፉሎም።

ኣብዚ ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ግን ከኣ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9 ነሓሰ ዝተኸተመ ሰነድ "እዚ ብሉጽ ምድላው እዚ ነተን ነዚ መስርሕ ምስግጋር እዚ ምእንቲ ከፈጽምዎ፣ ነተን ክልተ ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር  ክመሓላለፈለን ኣለዎ" ዝብል መግለጺ ኢዩ ዝንበረ።

እቲ ሓድሽ ተቕዋም ቅድስቲ መንበት ኣብቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተላእከ ናይ ኢድ ጽሑፍ ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዓመታዊ ዝጽምበል ዕለተ ህጻናት ዝግበሮ ተሳትፎን ከምኡ ውን ጕስነታዊ ውዳቤ እቲ ዕለት ንምክትታል ሓላፍነት ከም ዝሃብዎ ውን የመላኽት ።

ብ2024 ተመስረተ

ብዕለት 20 ሕዳር 2024 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም "ነቲ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት ዝካየድ ኣውላሲያዊ ምንቕቓሓትን ጉስነታቲ ኣገልግሎታትን" ናይ ምክትታል ሓለፍነት ብምሃብ ነዚ ጳጳሳዊ ኮሚቴ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻንት መስረትዎ።

እዚ መደብ እዚ በቲ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት (WYD) እተደረኸ ፍጻመ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ቈልዑን ህጻናትን ዘማእከላ ናይ እምነትን መዛሙራትን ምስክርነትን ጉባኤ ንምክያድ ተባሂሉ እተወደበ ኢዩ።

እታ ቐዳመይቲ መደብ ናይዚ ኣጋጣሚ ድማ ብዕለት 25 ግንቦት 2024 ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኦሎምፒክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ እተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተኻየዳ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣስታት 50,000 ዝኾኑ ቈልዑን ህጻናትን እንተላይ ካብ ዞባታት ግጭት ዝመጹ ብዙሓት እተሳትፍዎ ዓለም ለኻዊ ፍጻሜ ኢዩ ዝነበረ።

ሓዋርያዊ ጉስነት ንቘልዑን ህጻናትን

እዚ ሰነድ ምስራታ እዚ ኮሚቴ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህጻናት ከም ዘመልክቶ፣ ግሉል ፍጻመ ምእንቲ ኸይከውን እዚ ጳጳሳዊ ኮሚቴ፣ ካብ ሃገራዊ ዀነ ዞባዊ ናይ ውዳቤ ኮሚተታትን ተበግሶታትን ናይ ምትሕብባርን ናይ ምትብባዕን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ውን የጕልሕ።

ዕላማኡ ንቘልዑ ምክንኻን ሓዋርያዊ ጉድነት ህጻናት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቀዳምነት ንምሃብ ድማ ኢዩ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2025፣ እዚ ኮሚቴ እዚ ኣብ ሓዋርያኢው ህንጻ ቅድስቲ መንበር "ኣፍቅሮምን ኣዕቍቦምን" ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ጉባኤ ኣሰናደወ፣ እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ መሰላት እቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመዝመዙን እናተሃስዩን ዝኸዱ ዘለዉ ቈልዑን ህጻናን ንዝግበር ምይይጥ ኣብ ምዕማቝ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ምስ ንጉሳውያን ቤተሰብን ፖለቲከኛታትን ሓያሎ ኽኢላታት እዚ ጕዳያትን ድማ ኣብቲ ኣኼባ ተኻፊሎም እዮም። እቲ ንዕለት 3 ለካቲት 2025 እተመደበ እሞ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ኣጋጣሚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ክኽፈትን ክዕጾን ነበሮ። ገለ ኻብቶም ኣቕረብቲ መደረታት ድማ ኣንቶንዮ ታጃኒ፣ ማሪዮ ድራጊ፣ ሊልያና ሴግሬን ከምኡውን ካልኦት ዕዱማትን ዝርከብዎም ኢዮም ዝነበሩ።

ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንምእመናንን ንድስራቤትን ህይወትን

ሕጂ ግን ምሉእ ውዳቤ ናይዚ ኮሚቴ ናብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመኖን ስድራቤትን ህይወትን ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተተሓሓዘ ኮይኑ ክዓዪ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ብብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ጆሴፍ ፋረል ዚምራሕ ዘሎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እውን እዩ ኣብ ፈለማ በቲ ሕጂ ኣብ ሓደ ተጸምቢሩ ዘሎ ዘሎ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን እተወሃሃደ፣ በዚ ኸምዚ ድማ በቲ  "ክፍሊ መንእሰያት" ተባሊሉ ዝፍልጥ ኣካል ንቅነ መንእሰያት (WYD) ዚውድብ ተሳንዩ ክሰርሕ ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ሓደ ኽፋል ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ተሓድሶ ኩርያ ሮማና ዝገበርዎ ብ2016 ዓ.ም. ናብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነብር እተጠቓለለ ኢዩ።

14 Aug 2025, 13:27