ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ኣማዞን (CEAMA) ፈላማይ ጉባኤ ጳጳሳት ኣማዞን ኣካይዱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ኣማዞን (CEAMA) ካብ ዝቐውም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ፋልማይ ጉባኤ ጳጳሳት ከም ዘካየደን፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቸርኒይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅዋመ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ኣማዞን፣ “ሓቀይና ተኣምር” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ኣማዞን፣ ንዝቐረበሉ ጻውዒት መላእ ዞባ - ኣማዞናዊ ዓቕለሲያዊ መርበብ ንምምላስ ዝተመስረተ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፣ Querida Amazonia - ፍቕርቲ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ፣ ከምዚ ዓይነት መሓውር ኣብቲ ዞባ ጉስነት ዝውደበሉ መንገዲ ኣብ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ዝኣተዎ መብጽዓ ዓቢይ ግምት ዝሃበ ምዃኑ ከም ዘብርሁ የመላኽት።
ካርዲናል ቸርኒ፡ እቲ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዞባ ኣማዞን ናይ ምምስጋንን ንተልእኾ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ኣማዞን ምድልዳልን ህሞት ምዃኑን፡ ነቲ ዝበጽሖ መድረኽ ምስ ሓደ ህጻን ትምህርቲ ዝጅምር ብምንጽጻር፡ ጌና ንእሽቶ፡ ግን ከኣ ብጥበብ ክዓቢ ድሉው ዝኾነ ህሞት ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ቤተ ክርስቲያናዊ” ኣካል
ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ኣማዞን ዘይከም ተራ መንበረ ጵጵስናታት ጉባኤታት ጥራይ ዘይኮኑስ ካህናት፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዓለማውያን ምእመናን፣ መምሃራት ትምህርተ ክርስቶስን፣ ኣናጎስጢስን፣ ወከልቲ ደቀባትን ከም ካሪታስን ዓቕለሲያዊ መርበብ መላእ ዞባ ኣማዞን (REPAM) ዝኣመሰሉ ትካላት ቤተ ክርስቲያንን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መመያን ውሳነን ዓለማውያን ምእመናን ክሳተፉ ዝጽውዕ ራእይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ኣብ 2007 ዓ.ም. ዘካየዶ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዘንጸባርቕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ኣቃውማ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ዞባ ኣማዞን ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ባህሪ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣባላት ሕዝቢ ኣምላኽ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝተጸውዑሉ ስፍራ ምዃኑ እውን ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጉስነታውን ግዝኣታውን ተልእኾ
ካርዲናል ቸርንይ ውሲኾም ስራሕ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ዞባ ኣማዞን ዘይጭቡጥ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይክእል ኣስሚሮም፣ “ኣማዞን” ዝብል ቃል ሰፊሕ ዞባ ዘመልክት ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ከባብያዊ ሃገረ ስብከታታትን ቁስምናታትን ማሕበረሰባትን እያ ዘላ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ዞባ ኣማዞን ኣብ ጭቡጥ ግዝኣታት ሱር ዝሰደደ ኮይኑ ክቕጽልን ንመዓልታዊ ክውንነትን ብድሆታትን ናይቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ምላሽ ዝህብን ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም - ኣማዞን መልክዓ ምድራዊ ቦታ ጥራይ ዘይኮነስ “ቲዮሎግያዊ ቦታ” እውን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እምነት ብተመኩሮታት ማሕበረሰባትን ኣብ ታሪኽ ምስ እግዚኣብሔር ብዝገበርዎ ርክብን ዝቕረጸሉ ስፍራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ምድጋፍ
ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ቸርንይ ዓቕለሲያዊ ቤት ምክሪ ዞባ ኣማዞን (CEAMA) ብቐንዱ ብዛዕባ “ተግባር” ዘይኮነስ ብዛዕባ ምውህሃድን ምድጋፍን ምዃኑ ኣስሚሮም። ግደኡ ድማ ኣብያተ ክርስቲያናት ከባቢ ንቐንዲ ጉስነታዊ ብድሆታተን ንኽገጥማ ምሕጋዝን ተልእኾአን ምሕያልን እዩ፥ ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ዞባ ኣማዞን (CEAMA) ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ላቲን ኣመሪካ “ሓድሽ ዓውዲ ሲኖዳውነት ” ከም ዝውክል ገሊጾም፣ እዚ ድማ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዘለዋ ርድኢት እናዓሞቐት ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገብር እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።