ካርዲናል ፓሮሊን፦ ብዙሕ ግላዊ ጥቕምታት ነቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ፍታሕ ንኸይረክብ ይዓግቶ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ እቲ ኣብ ካምፖ ማርዝዮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ምሕጽንታን ከምኡውን ነቲ ፓትርያርክ ቅድስቲ መሬት ዝበልዎን ብምዝካር፣ ቅዱስ መንበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ቕልውላው ዘለዋ ኣቕዋም እንደገና ኣመልከቱ።
ምፍንቓል ሕዝብታት ቃዛ ንምቝራጽ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ ብምባል ገለጹ - "ነቲ ሎሚ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ክዝክሮ እደሊ ኢየ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት ዘለዋ ኣቕዋም ዘንጸባርቕ ኢዩ።” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፓትርያክንን፣ ምስ ናይ ላቲናዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ቤተክርስትያን ፓትርያርክን ኰይኖም "ነቲ ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ" ኸም ዝጸውዑን "ብዛዕባ ምፍንቓል ህዝቢ ጋዛ" ኸም እተዛረቡን ዘከሩ።
ብዙሕ ጥቕምታት ዝጠበቖ ኩነታት
ብፁዕ ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ፣ "ነዚ ዅነታት እዚ ብሓቂ ደው ከብሎ ዝኽእል ብዙሕ መፍትሒታት ኣሎ" ብምባል ኣጕልሑ፣ እንተዀነ ግን ክብደት ናይቲ "ፖለቲካዊ " "ቝጠባዊ" "ምስ ሓይሊ እተተሓሓዘ" ከምኡውን "ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ሰብኣዊ ፍታሕ" ዝዓግት ዘሎ እተፈላለየ ግላዊ ጥቕምታት ብምዃኑ ኰነንዎ።
ኣብ ትብዓት ምጽናዕ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ዕቝባ ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲን ኣብ ቃዛ ዝነበሩ ዘለዉ እሙናትን ኣመልኪቶም "ብመሰረት እቲ መንግስቲ እስራኤል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምግዓዝ ዘውጽኦ ትእዛዝ፣ ናጽነት ተዋሂቡ ኢዩ " በሉ ። እቶም ናይ የሩሳሌም ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ዳግማዊ፣ ምእመናን ካህናት ኦርቶዶክሳውያን "ካብ ቃዛ ኽወጹ" ከም እተሓተቱ ገለጹ። ብፁዕ ካርዲናል ወሲኾም፣ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ከም ዝገብር ክውስን ኢዩ፣ ኣብኡ ምጽናሕ ትብዓት ኢዩ ዝሓትት" ብምባል እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እዚ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምፍንቓል ትእዛዝ እንተድኣ ኣልዩ፣ እዚ ብኸመይ ክፍጸም ከም ዝኽእል" ከምኡውን "ኣብ ምድሪ ምሉእ ቍጽጽር ናይቲ ዞባ" ከም ዘየመልክት ገለጹ።
ምልክታት ስነ ሜላዊ ክልኤአዊ ርክባት
ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ግንባር ኣመልኪቶም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር "ብኤምባሲ ኣቢልካ ምስ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበር ርክብ" ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋገጹ፣ እቲ ካብ ሚኒስተር ወጻኢ ሃገር እስራኤል ጊዴዎን ሳኣር ናብ ዋሽንግተን ዝገበሮ ምብጻሕ ዝመንጨወ፣ ኣህጉራዊ ዝርርባት ጭቡጥ ፍረ ኸፍሪ ተስፋ ይገብሩ - "እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓተትዎ ሕቶ - ማለት ውግእ ደው ምባል፣ ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ብደሓን ምርካብ፣ ነቲ ኣድላዪ ዝዀነ ኣህጉራዊ ናይ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር፣ ሓባዋዊ ደብዳብ እውን ክገድ፣ ዘቕረብዎ ጻውዒት ፍረ ከፍሪ ትጽቢት ንገብረሉ ኣሎና” ውን በሉ።
ኣቕዋም መንግስቲ እስራኤል
ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ ቃዛ ብግዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈናቐሉ ዘለዎም ኣጋጣሚ ኣመልኪቶም፣ መንግስቲ እስራኤል ክሳዕ ሕጂ ኻብዚ መትከል እዚ ደገፍ ናይ ምሃብ ዕላማ ኸም ዘይብሉ ከምኡውን "ምናልባት ብዙሕ ተስፋ ውን የብሉን" ብምባል ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እንተዀነ ግን እቲ ቅድስቲ መንበር ለውጢ ንምግባር ከም ከም እትጽዕር ድማ ደጊሞም ኣመልከቱ።