MAP

ካርዲናል ግሬች ንጳጳሳት ፔሩ ድምጺ ኣምላኽ ክሰምዑ ይላበዉ ካርዲናል ግሬች ንጳጳሳት ፔሩ ድምጺ ኣምላኽ ክሰምዑ ይላበዉ 

ካርዲናል ግሬች ንጳጳሳት ፔሩ ድምጺ ኣምላኽ ክሰምዑ ይላበዉ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሊማ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሃገረ ፐሩ ምክያዱን፣ ናብቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘስተንትን መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ግሬች፣ ሲኖዳውነት ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ጫውጫውታ፣ ነቲ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ድምጺ ንኸለልዩ ዝሕግዞም ምዃኑ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ ነቲ እቶም ጳጳሳት ፐሩ ዝነብርዎ ዘለዉ ናይ ጸጋ እዋን ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣኼባኹም ካብ ቀሊል ውደባዊ ምትእኽኻብ ንላዕሊ፡ ናይ ሓቀይና መንፈሳዊ ሱባኤ ባህርይ ዘለዎ እዩ። ናይ ጸጋ ግዜ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብልቢ ጓሶታ ኣቢሉ ንልቢ ቤተክርስትያን ዝዛረበሉ እዋን እዩ" ነዚ ዝበሉ ናይ ሱኖዶስ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ኣብዚ ቅንያት እዚ ካብ ዕለት 18 – 21 ነሓሰ መበል 129 ስሩዕ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናብ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ፐሩ ዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መመያ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ድምጺ

ካርዲናል ግሬች ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣብ እዋን ጉባኤኦም ነቲ ናይ መወዳእታ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብምዝካር ጳጳሳት ፐሩ ሲኖዳውነት ዝብል ኣምር ብሓባር ንምዕማቕ ብዝገበርዎ ምርጫ ዝተሰምዖም ዓቢ ሓጎስ ብምግላጽ፡ ብመንፈስ ምዝታይ ዝብል ዝመረጽዎ ኣገባብ ዓውደ ኣኼባኦም ሲኖዳውነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ የረጋግጽ፡ እዚ ኣገባብ እዚ፡ "ኣብ ማእከል ብዙሓት ድምጽታት፡ ነቲ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ፡ ንውልቃውን ሓባራውን ምልዋጥ ዝመርሕ፡ ሓድሽ ልምድታት ጉስነት ዘነቓቕሕን ሓሳብ ዝህብን ድምጺ ንምልላይ ከም ዝሕግዝ" ኣመልኪቶም፣ ሲኖዳውነት ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ሱር ክሰድድ ዘድልዮም መሓውራት ንምልላይ መሰረት እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "በዚ ምኽንያት እዚ ኣኼባኹም ካብ ቀሊል ውደባዊ ምትእኽኻብ ንላዕሊ ናይ ሓቀይና መንፈሳዊ ሱባኤ ባህሪ ዘለዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ብልቢ ጓሶታ ኣቢሉ ንልቢ ቤተክርስትያን ዝዛረበሉ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ገለ ዕዮ ገዛ

በዚ መንጽር እዚ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ካርዲናል ግረች ንጳጳሳት ፐሩ ነቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ህዝቢ ኣማልኽ ብምስማዕን ጓሶት ብዘካየድዎ መመያ መሰረት ዝተገብረ ጉዕዞ ዘቕረቦ መምርሒ ኣፈጻጽማ ሲኖዳውነት ክምርምሩ ዓዲሞም፣ እዚ ድማ ፍረ ስራሕኩም ንዝሰፍሐ ቤተ ክርስቲያናዊ መመያ ኣበርክቶ ክገብርን ናይ ኣስተንትኖ ማዕቀፍ ከቕርብ ዝኽእል እዩ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ግሬች ንጳጳሳት ፔሩን ጻዕርታቶምን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምባል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ሕርየቶም ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘስምዕዎ መደረ ተወኪሶም፣ ድልድል እትሃንጽ ልእኽቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

22 Aug 2025, 17:26