MAP

ቅድስቲ መንበር፡ ' "ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን እንኮ መገዲ እቲ ኽልተ መንግስትታት ዝብል መፍትሒ እዩ!" ቅድስቲ መንበር፡ ' "ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን እንኮ መገዲ እቲ ኽልተ መንግስትታት ዝብል መፍትሒ እዩ!" 

ቅድስቲ መንበር፡ ' "ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን እንኮ መገዲ እቲ ኽልተ መንግስትታት ዝብል መፍትሒ እዩ!"

ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣባላት ሃገራት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ኣወጊድካ ሰላም ምምጻእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪለን ኣብ ዘካየደዎ ዓውደ ኣኼባ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነባሪ ሰላም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ጥራይ ክርከብ ከምዝኽእል ይምጉቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰለስተ መዓልታት - ካብ ዕለት 28 - 30 ሓምለ - ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብላዕለዋይ ደረጃ ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ፣ ሰላማዊ ምፍታሕ ንሕቶ ፍልስጤምን ምትግባር መፍትሒ ክልተ ሃገራትን ዝብል ኣርእስቲ ማእከል ዝገበረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ግብረሽበራ ኩሉ ግዜ ኩኑን እዩ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ “ብመንጽር እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓሚቝ ጭንቀትን ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ መከራን” ቅድስቲ መንበር “ብዘየማትእ መንገዲ” ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ትኹንን. . . ሽበራ ፈጺሙ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ንነብስኻ ምክልኻል ግን ኣብ ውሽጢ እቲ "ናይ ኣድላዪነትን ግቡእን ዝብል ትውፊት ደረት" ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፍጸምን እናኸፍአን ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ የሻቕላ፣ እቲ ብቐጻሊ “ነቲ ድሮ ኣብ ጭንቀት ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ዘቝስል” እዚ ኸኣ ብዓሰርተታት ቈልዑ ይቕተሉን ኣባይቲ፣ ኣባይቲ ሕክምናን ቦታታት ኣምኾን ዘዕንው ግፍዒ ኣጉሊሖም፣ እዚ ኩነታት እዚ “ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንነዊሕ እዋን ከም ማእከላይን ምርግጋእን ህላወ፡ ዘተን ሰላምን ዘስፋሕፍሑ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ የመላኽት።

እንኮ መንገዲ ናብ ነባሪ ሰላም

ብመንጽር እቲ ሰፊሕ ምምዝባል ኣባይቲ ስድራ፡ ምፍራስ ወሳኒ ኣገልግሎታት፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጥምየትን ሽግርን፡ “ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል፡ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ፡ ናይ ዝሞቱ ሬሳታት ክምለስ፡ ኩሎም ፍልስጥኤማውያን ሰላማውያን ሰባት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክሕለዉ፡ ከምኡ’ውን ብዘይ መተዓናቕፎ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ” ቅድስቲ መንበር ትጽውዕ ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ “ኣብ ውሑስን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎን ዶባት ዝተመስረተ ህልውና ክልተ ሃገራት ዝብል መፍትሒ፡ ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ዝወስድ እንኮ ተግባራውን ፍትሓውን መንገዲ እዩ” ዝብል ጽኑዕ እምነት ቅድስቲ መንበር ኣረጋጊጾም፣ ንቅድስቲ መንበር እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ድማ ካብ ተራ ቃላት ንላዕሊ እዩ። ነዚ ራእይ ንምግሃድ ጭቡጥ ስጉምትታት ወሲዳ እያ። እዚ እውን ንሃገረ እስራኤል ብመሰረታዊ ስምምዕ 1993 ዝሃበቶ ኣፍልጦን ብመንገዲ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ኣብ 2015 ንሃገረ ፍልስጥኤም ዝሃበቶ ኣፍልጦ ዘረጋግጾ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ቅድስቲ መንበር ንዘይገሃስ መሰላት ህዝቢ ፍልስጤም ተወፋይነት ከም ዘለዋን፣ “ኣብ ውሽጢ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብናጽነትን ድሕነትን ክብረትን ክነብሩ ሕጋዊ ባህግታቶም ብምድጋፍ” እንክብሉ ከምዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ዂኔታ ንፍሉይ ከተማ

ኢየሩሳሌም ንክርስትና፡ እስልምናን ኣይሁድን ቅድስቲ ከተማ ብምዃና፡ ልዕሊ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ዝብርኽ ነዚ ፍሉይ መንነት ዝዕቅብን ደረጃ ከምዘድልያ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮም፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ቅድስቲ መንበር ንነዊሕ እዋን ዘቕረበቶ፣ ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ፍሉይ ህልዊ ዝብል ኣምር፣ እዚ ድማ መሰልን ክብርን ኩሎም ነበርትን ኣመንትን ሰለስቲአን ሃይማኖታት ዝሕሉ፣ “ትካላቶምን ማሕበረሰቦምን፣ ንቅዱስ ባህሪ ከተማን ፍሉይ ሃይማኖታውን ባህላውን ቅርስታት ዝሕሉ” ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብተወሳኺ እዚ ደረጃ እዚ ንቅዱሳት ቦታታት ሓለዋ ክህብን ብዘይ ገደብ ናብኦም ክኣትዉ ክፈቅድን ኣብኡ ስረዓተ ኣምልኾ ክፍጽም ኣለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋድያን  ሓቢሮምን መሪሖም ድሕሪ ዘቕረብዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

“ደጊመ ባርባራዊ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን እጽውዕ። ንማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር፡ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ከረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ መቕጻዕቲ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ብግዴታ ምፍንቓል ህዝብታት ዝኽልከሉ ሕግታት ከኽብሩ”

እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐድሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Aug 2025, 17:14