MAP

ካርዲናል ቸርኒ፡ ንጳጳሳት ኣፍሪቃ 'ንቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ከነሰንይ ድሉዋት ኢና” ካርዲናል ቸርኒ፡ ንጳጳሳት ኣፍሪቃ 'ንቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ከነሰንይ ድሉዋት ኢና” 

ካርዲናል ቸርኒ፡ ንጳጳሳት ኣፍሪቃ 'ንቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ከነሰንይ ድሉዋት ኢና”

ኣብ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ዕለት 4 ነሓሰ እተዛዘመ መበል 20 ሙሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) መኽፈቲ ናይ ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቸርኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ፍረ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዓውደ ጉባኤ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ዘካየዶ ተበግሶታት ብምዝካር፣ እቲ ብእኦም ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ከሰንዮም ድልውነቱ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ኣብ ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) መበል 20 ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ካብ 2002 ክሳብ 2010 ኣብ ኣፍሪቃ ንሸሞንተ ዓመታት ዘገልገለ መደብ ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ብምዝካር፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብቐጥታ ዝነበርዎ ተመክሮ ሓገስ ከም ዝፈጠረሎም እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ክርስቶስ ምንጪ ተስፋን ዕርቅን ሰላምን'

ካርዲናም ቸርኒ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን ዝኾነ ክርስቶስ ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም፡ "ንቤተክርስትያንና - ስድራ ቤት ኣምላኽ ኣብ ኣፍሪቃ - ከምኡ'ውን ነቲ ብእኦም ዝመራሕ ናይ ቅድስቲ መንብር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት - ምሉእ ምዕባለ ካብ ህይወት ብክርስቶስ የውሕዝ" ቢሎም፣ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘይኮነስ ንሓቀይና ልምዓት ዋጋ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቦም፣ "ቁጠባዊ ምዕባለ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ኣምርና ካብቲ ጸቢብ ርግጸይናነት ናይቶም ዓብላሊ ቁጠባዊ ተዋሳእትን ቁጠባዊ ትካላትን ዓለም ዝሰፍሐን ዝዓሞቐን ክኸውን ኣለዎ፣ በዚ መንፈስ እዚ እቲ ንሓቀይና ልምዓት ዝድግፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያን ጉስነታዊ ተበግሶታትን ጎስጓስን ይድግፍን የሰንይን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰለስተ ስጉምትታት

ኣገባብ ናይ ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰለስተ ስጉምትታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ምስማዕን ዘተን፡ ምርምርን ኣስተንትኖን፡ ከምኡ’ውን ርክብን ምምላስን እዮም። በዚ መሰረት ካርዲናል ቸርንይ "እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነተን ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ብኹሉ ሸነኻቱ ንልምዓት ደቂ ሰባት ዝዓለመ ምስትውዓልን ውጥንን ተግባርን ንጡፍ ደገፍ ንምሃብ ይጽዕር" እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብቐዳምነት "ኣብ ከባቢ፡ ቀንዲ ናይ ህዝቢ "ሓጎስን ተስፋን፡ ሓዘንን ጭንቀትን ብፍላይ ናይቶም ድኻታት ወይ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝሳቐዩ" ንምልላይ ኣብ ምስማዕን ዘተን ምውፋር፣ በዚ መንጽር እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታታን ዘይነጻጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ዘስፍሕ ክልተኣዊ ድልድል ይሕሉ፣ ንጳጳሳትን መሳርሕቶምን ብጥንቃቐ እናሰምዐ ንሕቶታቶምን ስክፍታታቶምን፡ ድሌታታቶምን ብድሆታቶምን የስተውዕል፣ ኣስዒቡ እውን "ንብድሆታት መልሲ ንምድላይ፡ እቲ ንመጽናዕቲ - ኣስተንትኖ ዝተወፈየ ካልኣይ ክፋል ይስዕብ፡ "ማሕበራውን ስነ - መለኮታውን ስነ - ፍልጠታት የዋፍርን ንካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ የውዕልን . . . ሓድሽ ኣረኣእያታት፡ ሓድሽ መገድታትን ኣገባባትን፡ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ናብ ሕብረተሰባ ንምብጻሕ ክትጥቀመሉ እትኽእል ሰናይ ተመክሮታት የቕርብ።"

"ሳልሳይ ክፋል ርክብ - ምምላስ ዝብል እዩ፡ ጠቓሚ ውጽኢት ሓዋርያዊ ጉስነትን ሰናይ ተመክሮታትን ክቐርጽ ምእንቲ ብመሃዛውን ምቹእን ኣገባብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ናብተን ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ክመሓላለፍን ይጽዕር” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓጋዚ ኢድን ዕዉት ፍረታትን

በዞም ባእታታት እዚኦም "ቤተክርስትያን ንሰባት - ብፍላይ ድማ ንድኻታት - ንሰብኣዊ ምዕባለኦም ዘተዓናቕፍ ነገራት ሰጊሮም ሰብኣውን መለኮታውን ጸዋዕታኦም ንምፍጻምን ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ናይ ሓገዝ ኢድ ትዝርግሕ" እንክብሉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኣስዒቦም ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ዕዉት ፍረ ዘተን ምትሕብባርን ንኢዶም። ነቲ ብኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣቢሉ እተገብረ ምይይጥን ምትሕብባርን ዘምጽኦ ኣወንታዊ ፍረ ንኢዶም። ሳላ መሪሕነት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2024 ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ባህርያዊ ጸጋታትን ዓመጻን ዘማእከለ ዋዕላ ኣቡናትን ካልኦት ተወከልትን ነቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ማዕድን ዘውጽኣ ኢንዳስትሪታት ኣብ ልዕሊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕቤት ዘምጽኦ ብድሆታትን ዕንቅፋታትን ከም ዝፈትሕዎ ገሊጾም፣ በዚ መሰረት እውን እቶም ዕንቅፋታት ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ከም ውጽኢት ናይዚ ተመርኮ እዚ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት፣ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ኣህጉራትን ሓገዝቲ ክኾኑ ዝግበኦም ጉስነታዊ መመያታት ከቕርብ ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበረ - ሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ቸርኒ ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት "ኣብ መሬት ሃገረ ስብከታትኩምን ጉባኤታትኩምን ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ቀንዲ ዕንቅፋታት እንታይ እዮም? ንህዝቢ ኣምላኽ ነዞም ዕንቅፋታት ኣብ ምግጣም ከተሰንይዎ እንታይ ዓይነት ጉስነታዊ ተግባራት ትህቡ? ቀጥታዊ ሓገዝ ወይ ግብረ ሰናይ ጥራይ ክፈትሖ ዝኽእል ዝመስል መከራታት ኣሎ ድዩ?" ከምኡ'ውን "ኣብ ከባቢኹም ዘላ ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጢ ግዝኣትኩም ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምስራጽ ትዕወት ድያ?" ዝብል ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ንሶም ዝመርሕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ “ጎድንኹም ምዃኑ አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Aug 2025, 16:46