ካርዲናል ጹፒ : ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ 'ቤት ሰላም' ክንገብሮ ይሓቱና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ርክብ ምስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ፣ ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ ኣቦ መንበር ናይ ኢጣልያ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ (CEI) ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዜና ቫቲካን ተረኺቦም ሰላም ኣብ ዝብል ዓቢይ ኣርእስቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ሰነ ኣብ ቫቲካን ምስ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ነዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኩለን ሃገረ ስብከታት - ቁምስናታት ኣብ ሰላም ዘተኮረ ናይ ጉስነት ኣገልግሎት ከማዕብላ ዝብል ንጹርን ዓሚቕን እዋናዊ መምርሒ ከም ዘቕረቡ ይሕብሩ።
ሕቶ፡- ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ድሮ ናይ ገለ ሃገረ ስብከታት ዝምልከት ተበግሶ ‘ቤት ትምህርትታት ሰላም’ ኣድናቖቶም ገሊጾም፡ እዚ ግን ብገለ መልክዑ ንኹሉ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሮም። ነዚ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኸመይ ተቐቢልኩምዎ፡ ብጭቡጥከ እንታይ እዩ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕሰብ ዘሎ?
ነዞም ሎሚ ወሳንን መዓታውን እዮም እንብሎም ኣርእስታት ክትዛተየሎም ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ሰላም ኣብ ሓደ ስነ ፍልጠታዊ ዘተ ክንድርቶ ስለ ዘይከኣል፣ . . . እዚ ምስቲ ብዙሕ ውግኣት፡ ዘስካሕክሕ ዓመጽ፡ ምስ ስነ - መጐት ዳግመ - ዕጥቂ - ማለት ንውግኣት ነዳዲ - ምቕራብ - ኣጽዋር እቲ እንኮ መገዲ ንውግእ ንምክልኻል ወይ ሰላም ዘምጽእ ስነ - መጐት ኣጽዋር እዩ ንዝብል ኣመለኻኽታ ዝገጥም እዩ።
በዚ ኸኣ ዕድመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቲ ዘይሓላፍነታውያን ዝኾኑ ከም ዘላቒ መፍትሒ ገይሮም ምስ ዘቕርብዎ መገዲ ዝጋጮ እዩ ምበልኩ፣ . . . ስለዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ሓላፍነት ዝስከም ሰብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ “ቤት ሰላም” ክንገብሮ ይሓትቱና።
ነዚ ንምርግጋጽ ተወፋይነት ይሓትት፧ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ተወፋይነት ንጸሎት እዩ። ከም ቀዋሚ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ብመንጽር ጴንጠቆስጠ ኹሉ ሕብረተሰብና ንኽሳተፍ ነተባብዕ፤ ጴንጠቆስጠ፣ ብሓቂ፣ ኩሎም ኣህዛብ ብመንፈስ ዝተጠርነፉሉ ህሞት እዩ - ልክዕ ኣንጻር ባቢሎናዊ ህሞት፣ ቀጺሉ ተወፋይነት እንግዶትን ደገፍንን ይስዕብ። ምቕባል፡ ብሓቂ፡ ንዓመጽን ኩናትን ዝጻረር ተግባር እዩ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ነቶም ብህቦብላ ኲናት ዝተዋሕጡ ምሕጋዝ መተካእታ ዘይብሉ ሓላፍነታዊ ተግባር እዩ። ንብዙሓት ትካላት እቲ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ፣ ኣብዚ መዳይ ኣብነት እዩ፣ . . .
ሕቶ፡- ሰበኻ ከም "ቤት ሰላም" "ቤት ትምህርቲ ሰላም:" እውን ክኸውን ዝኽእል፡ እምበኣር ትምህርቲ፡ እቲ ዕሽሽ ክበሃል ዘይከኣል መሰረታዊ መንገዲ፡ ንህንጸት ሰላም ድዩ?
. . . ሎሚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ትምህርቲ ንኲናት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ናይ ዓመጽ፡ ናይ ጽልኢ፡ ናይ ድንቁርና፡ ናይ ቅድመ ፍርዲ . . . ኣነ ብዛዕባ እቶም “ኣቃነይቲ ውግእ” እየ ዝሓስብ፤ ብናተይ ኣረኣእያ እዚ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ምጽሓፍን ምንባብን ማለት ትምህርቲ ናብ ውግእ እዩ፣ ኲናት፡ ብሓቂ፡ ሃንደበት ዝመጽእ ነገር ኣይኮነን ፈጺሙ ሃንደበት ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚ ብልክዕ ማለት ሰባት ንሓድሕዶም ክፋለጡን፡ ምትእስሳር ክፈጥሩን ክራኸቡን ዝብል መርበባት ርክብ ኣብ ምፍጣር ኣቃልቦ ምግባር የድሊ።
ንሓደ "ቤት ሰላም"፣ ነቲ ናብ ምፍጣር “ቀነይቲ ውግእ” ዝመርሕ መስርሕ ንምምካት መዓልታዊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ መደባት ድሕረ ትምህርቲ፣ ኣብ ሰበኻታት ነቲ ናብ ውግእ ዝመርሕ መስርሕ ዝጻረር መስርሕ ምጅማር የድሊ። ብዙሓት ድሕሪ ትምህርቲ ዝካየዱ መደባት ወይ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ዘካይድዎ መደባት ከም ኣብነት እሓስብ፣ . . . ቆልዑን መንእሰያትን እሓስብ፣ ብሓቂ እቶም ንሃንጾም ናይ ገዛእ ርእስና ደቅና ገይርና ክንሓስቦም ይግባእ፣ ነቶም ከም ወጻእተይናታት ዝቑጸሩ ክንሕግዞም፣ ክንከላኸለሎም፣ ኣብ ዝተጸገሙሉ ቦታ ተረኺብና ክንሕግዞም ባህርያዊ ግዴታና ክኸውን ይግባእ፣ ነቲ ዓለም ዝስዕቦ ዘሎ መገዲ ብኵለ መዳይ ዝእርም መስርሕ ምቕራብ - ቤተ ሰላም ብምዃን እዩ ዝከኣል።
ሕቶ፡ ኲናት ናይ መብረቕ ብልጭታ ኣይኮነን፡ የግዳስ ቅድሚኡ ኢዩ ዝጅምር - ኣብ ልቢ ሰብ ኢዩ ዝጅምር ምስቲ ዝዓቢ ጽልኢ ድማ ኢዩ ዝተሓሓዝ። በዚ መዳይ እዚ ናይ ሰላም ኣብያተ - ትምህርቲ ዘተ ምሕዝነት ሓባራዊ ሕውነት ናይ ምርኻብ . . . ብሓጺሩ ብዛዕባ ዅሉ መገድታት ሰላም፣ መገዲ ብዘይ ፍራሒ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ሰላም ክዛረቡ እንከለዉ፣ ንማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ - ክርስትያን የመልክቱ፣ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክንዲ እዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ኣዋጅ ወንጌል ከነተኩርን ብዛዕባ ኣምላኽ ክንዛረብ ከም ዘሎና ዝማጐቱ ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ ተጸምዶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ - ስቡሕ ኣንተ ብዝብልን ደሓር እውን ኣሃው ኩልነን ብዝብሉ ኣርእስታት ዝደረስዎ ዓዋዲ አምልእኽትታት - ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ብዓብይ ሓይሊ ዘዘኻኸሩና ብዛዕባ ስነ ምህዳር ዝምልከት ጕዳያት ንሓስብ፣ እንተዀነ ግን እዚ ነገራት እዚ ቤተ - ክርስትያን ክትዋጽኣሉ እትኽእል "ኣማራጺ” መዳያት ገይርካ ኢዩ ዝርአ፣ ግን ከምኡ እውን ኣይኰነን። እዚ ግን ንእምነትና ናብ ዘይስብኡነት ከውርዶ ይኽእል ድዩ? እዚ ሱር እዚ ዅሉ ተጽምዶታት እዚ ኻብ ወንጌላውነት ቤተ - ክርስትያን ዘይምንጨው ክኸውን ይኽእል ድዩ?
እቲ ሱር ንጹርን ወንጌል ናብ ታሪኽ ዘኣቱ እምበር ካብ ታሪኽ ዘውጽእ ከም ዘይኮነብ እዩ ዘረጋግጽ። ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክትገብር ኣለዋ? እንታይ ትገብር ኣላ? ብዛዕባ ክርስቶስ እያ እትዛረብ፤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንታይ ገይሮም? ብዛዕባ ክርስቶስ ካብ ምዝራብ ሓሊፎም ካልእ ዝገበርዎ ነገር የሎን- ካብ መጀመርታ በቲ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ብዝብል እርእስቲ ብዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣቢሎም ብቐጥታ ናብ ኬሪግማ - ኣዋጅ ቃል ኣምላኽ - ክርስቶስ እዮም ዝተዛረቡን ዘተሓሳሰቡን።
ብዛዕባ ክርስቶስ ምዝራብ ድማ ኣብ ታሪኽ ምእታው ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ስብከተ ወንጌልን ሰብኣዊ ምንቕቓሕን፡ ኣብ መንጎ መኣዲ ቅዱስ ቁርባንን መኣዲ ድኻታትን፡ ኣብ መንጎ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ምእንጋድን ንኻልኦት ናይ ትኹረት መኣዲ ምቕራብን ኣዝዩ ጥቡቕ ምትእስሳር ስለዘሎ። እዚ ኣብ መንጎ ፍቕርን ሓቅን፡ ኣብ መንጎ ስብከት ወንጌልን ምንቕቓሕ ሰብኣውነትን ዘሎ ሕብረት፡ ፈጺሙ ክጎድል የብሉን።
ሓደ ሓደ ግዜ ምንቕቓሕ ሰብኣውነት ክቕድም ይኽእል፣ ድሕሪኡ ሓደ ሰብ ወንጌል ክርድኦ ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ግዜ ወንጌል መጀመርታ ይመጽእ፣ ድሕሪኡ ድማ ተስተውዕል፣ ኣዒንትኻ ትኽፍት እሞ ኣነ ነቲ ዝነኣሰ ሓው ከፍቅሮ ኣለኒ ትብል፣ ኢየሱስ ኣብኡ ከምዘሎ ክርድኣኒ ኣለዎ - ክበጽሖ ክኸድኖ ከዕቝቦ፣ እዚ ጭቡጥ ሓቂ እዩ፣ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተግባራት ዓሚቝ ሓድነት ኣሎ። ነቶም ክልተ ግዜታት ኣብ ሓደ ምምጻእ ድማ የድሊ፣ እቶም ክልተ ግዜታት ግን ከም ናይ ልቢ ህርመት እያቶም - እቶም ክልተ ህርመት ልቢ፣ ብሓባር እዮም ዝኸዱ። ፍቕርን ሓቅን፡ ስብከተ ወንጌልን ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ዕብየትን ክልተ ህርመት ልቢ ቤተ ክርስቲያን እያቶም።
ሕቶ፡- ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ቁምስናታት "ኣባይቲ ሰላም" ምግባር እንክብሉ ዘቕረብዎ ምዕዳን ንመለስ፣ እዚ ዕድመ እዚ ብዛዕባ እንታይነት ቁምስና ዕጫን ኣድላይነት ለውጥን ንምስትንታን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል ድዩ?
እወ ብርግጽ፡ ቁምስናታት ድማ ድሮ ይቕየራ ኣለዋ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ሰሜናውን ክፋላት ሃገርና። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ንጽል ቁምስና፡ ኣብ ንጽል፡ ዳርጋ ሳሕቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ብሓፈሻኡ ኩሉ ግዜ ብድርብ ቁምስናታት ብዝብል እዩ ዝግለጽ፣ እዚ’ውን ኣብ ሓድነትን ሱታፌን ንኽንዓቢ ይሕግዝ። “እቲ ንጽል ቁስምናይ” ዝበሃል ዳርጋ የሎን።
እቲ ቁውም ነገር ግን እቲ ቁምስና ብሓቂ ገዛ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ብድሆ ክኸውን ዝኽእል እዩ - ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ፣ . . . እቲ ዓቢ ብድሆ ሕውነት ምትባብዕን ምንባርን፡ ማሕበረሰብ ምህናጽ፡ ፍልጠት ምዕባይ፡ ዓቕሚ ዝምድናታት ምዕባይ ዝብል እዩ። . . . ርክብን ዝምድናን ናይ ሓገዝ ጉጅለ ምዃን ማለት ኣይኮነን፣ “ብሓባር ግዜ ምሕላፍ” ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኩሉ ነናቱ ገዛ ዓጽዩ ብንጽል ምንባር ዘስምዕ ዘይኮነስ፡ ብሓቂ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፣ ገዛ ማለት ኩሉ መጻእተይናን ዘይኮነስ ቤተይና ኮይኑ ዝስምዓሉ ስፍራ ማለት እዩ።
እዚ ናይ ኩሉ ግዜ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ እኣምን፣ ሎሚ ድማ ዝያዳ ምበልኩ፣ እዚ ኣብታ ነንሕድሕድና ክንነጻጸል እተገብረና ንዘላ ዓለም መልሲ እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን እምበኣር፡ እቲ መኣዲ ኩሉ ግዜ ዓቢ ዝኾነሉ፡ ኩሉ ሰብ፡ ዋላ እቶም በይኖም ዘለዉ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ክውንነቶም ቦታ ዝረኽበሉ ገዛ እያ።
ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ዝምረጹ ክልተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ፡ እዚ ምርጫ ብገለ መልክዑ ዘገርም እዩ ነይሩ። ብዓይኒ ዓለማውነት ባህሊ እውን እንተኾነ ሓደ ሰብ ብቕንዕና ክዛረብን ካብ መግለጺ ደቂ ሰባት ሰገር ዝኾነ መግለጺ ዘይብሉን ነገር ከምዘሎ ክእመን ይግባእ። ብርግጽ 133 ሰባት፡ ዝተፈላለየ መበቆልን ቋንቋን ዘለዎም፡ መብዛሕትኦም ተራኺቦም ዘይፈልጡ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ድምጺ ንጳጳስ ሮማ ክመርጹ ከመይ ተኻኢሉ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ካብዚ ታሪኻዊ ሓቂ ተበጊስና ብዛዕባ እዘን ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ንዛረብ . . .
እዋናዊ ቋንቋ ብምጥቓም ክገልጾ እንተድኣ ኮይነ: መንፈስ ንኹሎም ዝተፈላለዩ ቀመር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝጥርንፍ እዩ ምበልኩ፣ እዚ ምርጫ እዚ ምንጪ ዓቢ ሓጐስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ምበልኩ - ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ነቲ ትጽቢት መልሲ ክትህብ ምኽኣል ሓጎስ እዩ . . . እዘን ክልተ ኣዋርሕ ብብዙሕ ልኡምነትን ብዙሕ ቆራጽነትን ነቲ ጉዕዞ ዳግማይ ንምጅማር ብዘሎ ድሌትን ዝልለ ይመስለኒ - ልክዕ ከምቲ ኩሉ ግዜ ምስ ለውጢ ዘጋጥም። ትውፊት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ነገር እዩ፣ እቲ ሓደ ሰብ ዘለዎ ንኸመሓላልፍ ዘመሓድርን - ብቐጻልነት ግን፣ ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምጥን ፍልልያት እውን እንተኾነ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምበልኩ: እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ንነፍሲ ወከፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ዝምልከት እዩ። . . . ንጳጳስ ልዮን ብዕርክነትና ልዕሊ ዅሉ ድማ ብጸሎትና ብተእኣዛዝነትናን ከነሰንዮም ኣሎና። ምኽንያቱ ኵሉ ሰብ ንጳጳስ ክእዘዝ ኣለዎ ኽብል ከለኹ ሓቅን ኣገዳስን ነገር እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን "እወ ጽቡቕ ኢዩ እንተዀነ ግን ነቲ ዝሰማምዓሉ ጥራይ ኢየ" ዝብሉ ፍሉይ ዓይነት ተኣዛዝነት ዘለዎም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ። እዚ ግን ኣይሰርሕን እዩ፣ ንር.ሊ.ጳጳሳት ወትሩ ክንእዘዝ ኣሎና ።
ኵሉ ሰብ ንጽባቐ ጕዕዞና ማለት ነታ ንተስፋ እተዳልወልና ዓመት ኢዮቤል ምእንቲ ኺርድኦ ዘኽእል ኣጋጣሚ እዩ። ኣብዛ ኸምዚ ዝኣመሰለት ዓለም እታ ቅድስቲ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምንባር ብሓቂ ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ እንክብሉ ካርዲናል ጹፒ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዝሚሞም።
(Andrea Tornielli and Andrea Monda)