ክርስቲያን መንእሰያት ንመንፈስ ኣውሮጳ ንምምላስ መንፈሳዊ መትከል ኣቋቒሞም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሮሜ '25 - መገዲ ቅዱስ ያዕቆብ (ሳንቲያጎ ዘኮምፖስተላ)'27 - የሩሳሌም '33 ስም ናይቲ ብጕጅለ መንእሰያት እተበገሰ ዝሓለፈ ሰሉስ ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ውጥን ኢዩ።
እዚ ተበግሶ እዚ ንግደታት፣ ስብከተ ወንጌል፣ ከምኡውን ናይ ምፍዋስ መደባት ዘጠቓልል ኢዩ፣ እዚ ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ “እታ ተስፋ ኣይተሕፍርን ኢያ” ዘርእስታ ሰነድ ኣዋጅ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝጸሓፍዎ፣ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝቅህም ዘሎ ተስፋ እንደገና ዘጐሃህር ኢዩ ።
ስለዚ እቶም ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝሳተፉ ሰባት፣ ኵሉ ሰብ ምስ "ጽባቐን ሓቅን ፍቕርን ክርስቶስ" እንደገና ርክብ ክገብር ከም ዝኽእል፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ሽግርን ቃልስን ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋናትን ነታ ተስፋ ዝምስክርዋ ሰባት ክኾኑ ዝደልዩ ኢዮም።
እዞም "ክርስቲያን መንእሰያት ኣውሮጳ" ከም ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዳሎ ናይ ስብከተ ወንገልን ጉስነታውን መስርሕ ብምዃኖም፣ ዓርቢ 1 ነሓሰ 2025 ኣብቲ ኣብ ትራስቲቨር ዝርከብ ባዜሊካ ቅድስተ ማርያም መትከላቶም ብምእዋጅ ክጅምሩ ኢዮም። ብ2027 ናብ ሳንቲያጎ ዘ ኮምፖስተላ ኪቕጽሉን፣ ብ2033 ናብ የሩሳሌም ኪጐዓዙን ከአ ኢዮም።
ንዅሉ ዝዛረብ ምንቅስቓስ
ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ፣ እቲ ናይ ክርስቲያን መንእሰያት መትከል "ፍጻመ" ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም መንእሰያት ኣውሮጳውያን ብዛዕባ እምነቶም ንምዝራብ እተበገሰ ምንቅስቓስ ምዃኑ ገለጸ።
ጳጳስ ሰበኻ ፓለንሲያ ስጳኛ ብፁዕ ኣቡነ ሚከል ጋርስያንድያ እዚ ውጥን እዚ ብህጹጽ ኬስፋሕፍሕን ሸቶኡ ኺወቅዕና፣ ንምንቕቓሕ ኤውሮጳዎ ክርስትና ዘለዎ ኣገዳስነት ብምግላጽ፣ እቲ "ፈልሚ" እቲ ኣስፊሖም ገለጹ።
ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣውሮጳ ክቡር ኣባ ኣንቶንዮ ኣሚራቲ ብዛዕባ እዞም መንእሰያት "በጻሕቲ ሃገራት ጥራይ ዘይኰኑስስ ሰንደል ነጋድያን ዝተከድኑ ኢዮም" ክብሉ ብምግላጽ ንድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዳግም ኣቃልሑ።
ሊቀጳጳሳት ናይ ሰበኻ ሳንቲያጎ ዘኮምፖስተላ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሆሴ ፕሪዮ ፈርናንደዝ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቃላት ጠቒሶም ነዞም መንእሰያት ጻውዒት ጐይታ ኺሰምዑ ተማሕጺኖም።
ጣዕምን ትርጕምን ዝደልዩ መንእሰያት
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ፈርናንዶ ሞስካርዶ ቬጋስ ካቶሊካዊ መንእሰይን ተወካሊ ኣፈኛን ኣህጉራዊ ኮሚተ ብዛዕባ እቲ ውጥን ሮሜ ‘25 - ሳንቲያጎ 27 - የሩሳሌም 33 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ውጥን እዚ ውጽኢት ናይቶም ጣዕምን ትርጕምን ዚደሊ መንእሰይ ወለዶ ጥራይ ምዃኑ ኣመልከተ። "ክርስቶስ ህያው ኢዩ፣ ኣውሮጳ ኸኣ እንተ ሰሚዓ ነቲ ሓወቀይና መንፈሳ ኽትረክብ ትኽእል ኢያ" ውን በለ፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ጽሁፋቱ "ጐይታይ ንገዛእ ርእስኻ ኢልካ ኢኻ ዝፈጠርካና፣ ንዓኻ እንተ ረኺብናካ ኸኣ ከነዕርፍ ኢና" ከም ዝበለ ውን ጠቒሱ።
እዚ ተበግሶ እዚ ኸም ሓደ ወፈራ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ዓሚቝን ለውጢ ዜምጽእን፣ ናብ ክርስቶስ ከም እንምለስ ዜመልክትን ትንቢታዊ ዀነ ተልእኾ ወንጌላዊ ሰውራ ጌርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ብምግላጽ ድማ ደምደመ። እዞም ክርስትያን መንእሰያት ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዝጕዓዙ ይፈልጡ ኢዮም፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ ከም ዘይከሓድ እታ “ሕራይ ዝበለት ኢያ፣ ስለዚ ድማ “እዛ መንፈሳዊት ሰይፊ” ከም ብሓድሽ ምልክት ናይታ ናብ ሰማይ ገጻ እትምለስ ዘላ ኣውሮጳ ኢያ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ልክዕ ከምታ “ሕራይ” ዝበለት ማርያም ንሕናውን “ሕራይ” ብምባል ነቲ ዝጠፍአ ሽርፍራፋት ህይወትና ዳግም ንምርካብ ናብ ክርስቶስ ክንምለስ ከም እንኽእል ዝሕብር ኢዩ።