ቫቲካን ንመተግበሪ ምዕራፍ ሲኖዶስ ሓድሽ መምርሒ የቕርብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝወጸ ሓድሽ ሰነድ “ናይቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ መስርሕ ናይ ኣተገባብራ ምዕራፍ ንምርዳእ ዝሕግዝ ተርጓሚ መፍትሕ ንምቕራብ” ዝዓለመ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ዕለት 7 ሓምለ ብቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ - ጳጳሳት ብወግዒ ዝተዘርግሐ “ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጉዕዞ ንኽህሉ ዝገብር ሓባራዊ ቅርጺ” ከምኡ’ውን “ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ዝመርሕ ዘተ” ዘስፍሕን፣ እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዘበገስዎ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ መዛዘሚ ክም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
መንገድታት ምዕራፍ ኣተገባብራ ሲኖዶስ ፣ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ከም ዝሓበርዎ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት መልክዕ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾኣ እዩ . . . ህጹጽነት ናይዚ ተልእኾ እዚ እዩ ነቲ ሲኖዶስ ንምትግባር ዝድርኸና፣ እዚ ዕማም እዚ ኩሎም ዝተጠመቑ ሓላፍነት ዝካፈሉሉ” ከም ዝኾነን
ነቲ ሓድሽ ሰነድ ዘዳለወ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ኣገልግሎት ናይተን ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት “ክሰምዐን፣ ጻዕረን ክድግፍ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝካየድ ዘተን ምልውዋጥ ህያባት መንፈስ ቅዱስን ህያው ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ክገብር” ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ መንገድታት ምዕራፍ ኣተገባብራ ሲኖዶስ ብዛዕባ ደረጃ ምትግባርን ዕላማኡን ብዘቕርቦ መግለጺ ተበጊሱ፣ ነቶም ኣብቲ ደረጃ ምትግባር እተሳተፉ ከምኡውን ንዕዮኦምን ሓላፍነታቶምን ይገልጽ፣ ምስቲ ቐንዲ መወከሲ ናይዚ ደረጃ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ዝዀነ ናይ መወዳእታ ናይ ሲኖዶስ ሰነድ ብኸመይ ከም እትራኸብ ሓሳብን መሳለጥያን ብምቕራብ "ኣብ እዋን ምትግባር መገድና ንኪቐርጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ . . . ነዚ መገድታት እዚ ናብ ብምሉኡ ህዝቢ ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ ናብ ኣቡናትን ኤጳርቅናታትን ንኣባላት ጉጅለታት ሲኖዶስ ንዅሎም እቶም ኣብ ናይ ትግባረ ኣሰራርሓ ብእተፈላለየ መገድታት ዝሳተፉ ነመሓላልፈሎም - ምስ በሉ - ወሲኾም ድማ እቲ ሸቶ "ደገፍና ከም ዝስምዖም ምግባርን ነቲ ንብምሉኡ እቲ ናይ ሲኖዳውነት ጕዕዞ መለለዪ ዝዀነ ዘተ ምቕጻልን ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።