MAP

2025.04.27 Missionari digitali alla fine dell'incontro 2025.04.27 Missionari digitali alla fine dell'incontro 

ቤተ-ክርስትያን ንካቶሊካውያን ጸለውቲ ኣካላት ዘመማዕከል ናይ መጀመርታ ንግደት ኢዮቤል ትውድብ

ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ካብ ዕለት 28-29 ሓምለ ኣብ ዝኻየድ ታሪኻዊ ጉባኤ ጸሎትን ሥነ መዕበያን ሕውነታዊ ተሳስኦን፣ ንብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝነጥፉ ልኡካነ ወንገል ኣብ ኢዮቤል ተስፋ ንምእንጋድን፣ ናይቶም ጸለውቲ ኣካላት ዝኾኑ ንግደት ንምክያድ ትሰናዶ ኣላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ብመንግዲ ንኤለክትሮኒካዊ መስመራት ኣብ መድረኽ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ጽልዋ ንዘሕደሩ ካቶሊካውያን እተወፈየት ንግደት ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ከተአንግድ እያ። እዚ ጉባኤ እዚ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 29 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ሮማ ክካየድ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ መንእሰያት ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ዝጅምረሉ መዓልታት ዝተተሓሓዘ ክኸውን ኢዩ። ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ኣብ ስብከተ ወንጌል ዝነጥፉ ብዙሓት መንእሰያት ድማ ኣብ ክልቲኡ እቲ ንግደታት ብንጥፈት ክሳተፉ ኢዮም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዘዳለዎ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተበግሶታት ካብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ስጳኛን ዝመጹ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ማሕበራት መራኸቢ ብዙሓን ዝነጥፉ ልኡካነ ወንጌል ብሓደ ዝራኸቡሉ ኣጋጣሚ ወዲቡ ይርከብ ኣሎ። እዞም ልኡካነ ወንጌል እዚኣቶም ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብቪድዮ ብጽሑፋት ከምኡውን ብገጻት ዝተፈላልዩ መተግበሪ ኣቢሎም ሓጐስ ወንጌል ዝሰብኩን፣ ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ከኣ መሃዝትን ብቐሊሉ ክብጻሕ ከም ዝኽእልን ብምግንዛብ ኣብ ክርስቲያናዊ ምስክርነት እተጸምዱን ኢያቶም።

ነቶም ናብዛ መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሮማ ክነግዱ ዘይከአሉ ሰባት ድማ ኣብቲ እተሰምየ ወግዓዊ ገጽ ብምምዝጋብ ተመሳሳሊ መደባት ክቐርበሎም ኢዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ካልኦት ውን ኣብቲ መደባት ንግደት ኢዮቤል ልኡካነ ወንጌል ንኽሳተፉ ዕድል ክኸፍተሎም ኢዩ።

ምዝገባ እቶም ተሳተፍቲ ተዓጽዩ እኳ እንተሎ እቶም ተሳተፍቲ ግና ብመስመር ኢንተርነት ኣብቲ ዝካየድ መደባት ንኪሓብሩ ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ዚቕበልዎ። እቲ ኽልተ ቐንዲ መደባት ዓመተ ኢዮቤል በቲ ላ ኢግለስያ ቴ ኢስኩቻ ("እታ እትሰምዕ ቤተ-ክርስትያን") ዝተሰምየ መትረብ ዩቱብ ኣቢሉ እውን ክመሓላለፍ ኢዩ።

እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት (2021-2024) ንዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ብምሃብ ኢዩ እተበገሰ። እዚ ድማ ነቲ ብስራት ወንጌል ናብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ምእታውን፣ ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ ናይ ሲኖዳውነት ጕዕዞ ከም ዘይውገድ ብምግባርን ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ንጹር መግለጺ ናይ ሓንቲ ሚስዮናዊት ቤተ-ክርስትያን ኢያ።

መንፈሳውነት፣ ሥነ መዕበያ፣ ንግደት

እዚ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ሰለስተ ቐንዲ መዳባት ክካየድ እዩ። መንፈሳዊ ተዋጽኦን ከምኡ ውን ብቕዱስ ኣፍደገ ንምሕላፍ ኣብ ዝግበር ንግደትን ኣብ ዝካየደኡ ካልኦት ንጥፈታት ድማ ከተኮረ ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ኸኣ መለለዪ ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ዓመትን ከምኡውን ምልክት ውሽጣዊ ተሓድሶን ጸጋ ምዃኑ ብግልጺ ከርኢ ኢዩ።

ድሕርዚ ኣብ ኣዳራሽ ቪያ ኮንሲልያሲዮነ ሕመረት ዘተ ኣብያተ - ትምህርቲ ከምኡውን ምስክርነት ዝሓዘ ናይ ስነጥበብ መድረኽ ክቐርብ ኢዩ። እዚ ጉባኤታት እዚ ንኤለክትሮኒካዊ ተልእኾ ዝኸውን ናውቲ ካህናትን ሓዋርያዊ ጉስነትን ንምድላውን ሓባራዊ ኣስተንትኖ ዚግበረሉ ባይታ ንምምሕያሽን ተባሂሉ ዝካየድ መደባት ክኸውን ኢዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ እዚ ንግደት እዚ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ድማ ኪኸውን እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ፒያዛ ሪሶርግመንቶ ሙዚቃዊ ስነ ጥበብ ከም ሓያል ቋንቋ ስብከተ ወንጌልን ምትሕብባርን ጌርካ ዝርኣየሉ በዓል ክኸውን እዩ። ክልቲኡ እቲ መዳብት ዝካየደሉ ቦታት ከአ ካብ ቅርዓት ቀዱስ ጴጥሮስ ዘይርሕቕ ድማ ኢዩ።

ርሕሩሕ ወንጌላውነት ኣብ ሃዋህው ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢታት

እዛ ዓመተ ኢዮቤል እዚኣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም "ሕያዎት ሳምራውያን" ክንከውን ንዘቕረብዎ ጻውዒት መልሲ ዝህብ ድማ ክኸውን ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ንምእመናን  እሙናት ኣብ ኤልክሮኒካዊ ሃዋህው ወይ ብተክኒካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓዋርያዊ ጉስነትን ተስፋን ገይሮም ድንጋጽን ሰብኣውነትን ምሕዝነትን ዘለዎ ባይታ ኽገብርዎ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ምስ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ጉባኤ እውን ነዚ ርእሰ ነገር እዚ ከቃልሕዎ ኢዮም።

እዛ ኢዮቤል እዚኣ ኣብቲ ብ2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ኣብ እተኻይደ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ናይ ኤለክትሮኒካዊ ስብከተ ወንጌል እውን ተዘኪራ ኢያ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሃን ልኡካነ ወንጌል ከም ዚህሉ ውን ገይሩ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ በቲ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዝካየድ ተበግሶ ኣቢሉ ብዛዕባ መጻኢ ይድልድል ንምህናጽ ስጉምትታት ይገብር ኣሎ።

ኣብ ዚቕጽል መዓልትታት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዓመተ ኢዮቤል ንተሳተፍቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብመንፈሳውነት ንኺሰናደው ዝሕግዝ እተወፈየ መንፈሳዊ መምርሒታት ከውጽእ እዩ። ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ዀነ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝነጥፉ ልኡካነ ወንጌል ንምትብባዕን ንምድጋፍን ዜነቓቕሕ ናውትን ስእላዊ ቀረባትን ድሮ ጽዒኑ ይርከብ ኣሎ።

ንዅሉ ባህልታትን ድምጽን ዜሕብር መዛሙር

ሓደ ኻብቲ ኣብ ምድላው እዚ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ጐሊሑ ዝርአ ዝነበረ ነገራት ቶዶስ (ኵሉ ሰብ) ዝበሃል ወግዓዊ መዝሙር ምድራስ ኢዩ ዝነበረ ። እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ስነ-ጥበባውያን ሓድነት ከም ዝህልዎም ዝገበረቶም ናይ ምትሕብባር ውጥን ድማ ኮይና ኣላ። 

እቲ ቶዶስ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዕለት 3 ነሓሰ 2023 ኣብ ሊዝበን ኣብ እተገብረ ቅነ መንእሰያት "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣሎ" ብምባል ዝሃብዎ ሓያል መረጋገጺ ዘቃልሕ ኢዩ። እቲ መዝሙር ድማ ነዛ ዓመት ኢዮቤል ህያው ዝገብራ ናይ ሓባርን ሲኖዶሳውን ተልእኾ ወንጌላዊ መንፈስ ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ።

ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንግደት ልኡካነ ወንጌል ካቶሊካውያን ጸለውቲ ኣካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኻ
17 Jul 2025, 13:05