ሌላ ምስ ቅድስቲ መንበር፣ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ቍጽጽር ቅድስቲ መንበር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ሓደ ኻብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ዘመነ ጵጵስናኦም ብዝገበርዎ ቝጠባውን ምምሕዳራውን ተሓድሶ እተመስረተ ተቕዋም ቅድስቲ መንበር እዩ። ብ2014 እተመስረተን ካብ 2015 ኣትሒዙ ዚዓዪን ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ኢዩ፣ ብሕጊ ድማ ብቐጥታ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸብጻባቱ የቕርብ፣ ንገዘብን ንዋትን ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ግቡእን ብግሉጽነትን ኣብ ምምሕዳር ኣበርክቶ ናይ ምግባር ሓፈሻዊ ተልእኾ ድማ ኣለዎ። እዚ ሸፍነታት እዚ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻብ ትካላትን ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ኩርያ ሮማናን ምስኡ እተተሓሓዘ ተቅዋምትን ከምኡውን ድምር ገንዘባዊ ጸብጻብ ቅድስቲ መንበርን ንምምርማር የጠቓልል። ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ኣሌሳንድሮ ካሲኒስ ሪጂኒ እዩ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ብዕለት 24 ለካቲት 2014 ቤት ምኽሪ ቝጠባን ጸሓፊ ቝጠባዊ ጉዳያትን ዘቘሙሉ ሰነድ ሕጋዊ ኣዋጅ Fidelis dispensator et prudens ነዚ ተቕዋም ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ፣ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻብ እተን ምስ ቅድስቲ መንበር ዚራኸባ ወይ ዘገልግላ ትካላት ኪምርምር ሓላፍነት ሃብዎ፣ ከምኡውን ምምሕዳራት ከተማ ቫቲካን ውን ግቡእ ምክትታል ክገብር መዝነት ተዋህቦ።
ብዕለ 21 ጥሪ 2019 እዚ ሓድሽ ሕጊ ምስ ወጸ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ፣ ብዛዕባ ዕማምን ሸፍነታትን ቤት ጽሕፈት ሓፈጻዊ ተቘጻጻሪ መግለጺ ኣውጽኡ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ንዅለን እተን ኣብ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ዚርከባ ትካላት ብገዛእ ርእሱ ዚምርምረን ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብ ዕለት19 ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዙ ንቅድስቲ መንበርን ምምሕዳር ከተማ ቫቲካንን ዚዓዪ ዘሎ ውዕል ሜሪዳ ጸረ ብልሽውና ዀይኑ ከገልግል ኢዩ ክብል ውን ኣመልከቱ።
ብመሰረት ውዕል መሪዳ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብኸፊል ብቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ተደሪኹ " " ዚገልጽ መዐቀኒታት ወጸ። እዚ መዐቀኒታት እዚ ንቤት ጽሕፈት ሓፈጻዊ ተቘጻጻሪ ህዝባዊ ውዕላት ኣብ ምፍጻም፣ ንተጻዋርነትን ግሉጽነትን ኣብ ምቍጽጻር ከምኡውን ነቲ ውዕላት ኣብ ምሃብ ዘይስሩዕ ኣብ ምግባር ፍሉይ ግደ ኣለዎ።
ሸፍነታት
ብመሰረት እቲ እዚ ቤት ጽሕፈት ካብ ቤት ምኽሪ ቝጠባ ፍቓድ ንምርካብ ዓመታዊ መደብ ቍጽጽራት የቕርብ ።
ብተወሳኺውን ብመሰረት እቲ ቤት ምኽሪ ቝጠባን ዋና ጸሓፊ ቝጠባን ወይ ላዕለዎት ኣሕሉኽ ናይተን ምስኡ ዚዛመዳ ተቕዋማትን ምምሕዳራትን ዝቐረበ ሕቶ፣ እዚ ቤት ጽሕፈት ምስዚ ዚተሓሓዝ ብፍላይ ምስ መዝነቱ ብዝተሓሓዝ ዅነታት ይምርምር፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኣጠቓቕማ ወይ ኣከፋፍላ ገንዘባዊ ወይ ቁሳዊ ሃብቲ ዘይንቡር ነገራት እዩ፣ ውዕላት ኣብ ምሃብ ወይ ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ምፍጻም ዘይምርግጋእ፣ ብልሽውና ወይ ምትላል ካየርከብ ድማ ይከአላኸል።
ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ ብሓፈጻዊ ተቘጻጻሪ ኺጅመር ይኽእል እዩ፣ ንሱ ድማ ነቲ ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ቝጠባ ኣቐዲሙ ይሕብሮ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝተገበረ ድማ መግለጺ የውጽእ።
እዚ ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ኻብቶም ኣብ ዕዮኦም ፍሉይ ኵነታት ዚፈልጡ ውልቀ-ሰባት ጸብጻብ ዝቕበል እዩ። እዚ ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ነዚ ጸብጻባት እዚ ድሕሪ ምምርማሩ ናብ ምምሕዳር ጸሓፊ ቝጠባ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ንካርዲናል ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ቝጠባ ጸብጻብ የቕርብ ።
መርመራ (ቍጠባዊ ወይ ምምሕዳራዊ) ገበን ተፈጺሙ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚሕብር ባእታታት እንተ ገሊጹ፣ እዚ ሓፈሻዊ ተቘጻጻሪ ናብ ሰበ ስልጣን ቤት ፍርዲ ቫቲካን ጸብጻብ የቕርብ። እዞም ሰበ - ስልጣን እዚኣቶም ብሓገዝ ቤትሕፈት ሓፈሻዊ ተቖጻጻሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ብቑዕ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ምኽንያት እንተ ኣልይዎም ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ናጽነት ኣህጉራዊ መለክዒታት ከምኡውን ክኢላነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕዮ እዚ ቤት ጽሕፈት ዝገልጽ ሰለስተ ቐንዲ ስርዓታት ኣጕልሑ፣ እዚ ኸኣ ናጽነት ንዓለምለኻዊ ልምድታት ኣቓልቦ ምግባር ከምኡውን ጻዋዕታ ምዃኑ እዩ ። ብልሽውና ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ንምክልኻል ዘኽእል መከላኸሊታት ኣብ ምቛም ነቶም ንንብረት ቅድስቲ መንበር ንምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎም ክሕግዝዎም እውን ኣተባብዕዎም።