MAP

ሃገረ ፍልስጥኤምን ሓላፍነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ሃገረ ፍልስጥኤምን ሓላፍነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ሃገረ ፍልስጥኤምን ሓላፍነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ህልው ኩነታት ቓዛ ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን፣ ኣብ ቓዛ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ቅድስቲ መንበር ንዓሰርተታት ዓመታት ብቐጻሊ ክትጣበቐሉ ዝጸንሐት፣ ጉዳይ ሰብኣውነትን ጸገም ህዝቢ ፍልስጤምን ብህጹጽ ምላሽ ክወሃበሉ ዚሓትት ምዃኑ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ፈረንሳ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ብዕሊ ሓቢሩ፣ እዚ እውን ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም 2025 ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ክገብሮ ምዃኑ የረጋግጽ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ “ብላዕለዋይ ደረጃ ንዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንሰላማዊ ኣፈታትሓ ሕቶ ፍልስጥኤምን ምትግባር መፍትሒ ክልተ ሃገራትን . . .” ምድላዋት ይግበር ኣሎ። እዚ ዋዕላ’ዚ ፈለማ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ብመሪሕነት መንግስታት ፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ከም እተናወሐ ዝዝኸር እዩ።

ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ - ኣብ ትሕቲ ቦምባታት ዝሞቱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎን፡ ሕጂ ድማ ብጥሜትን ስእነት መግብን ዝሞቱ፡ ወይ ድማ መግቢ ንኽረኽቡ ናብ መዐድሊ ማእከል ንኽበጽሑ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ብጥይት ዝቕተሉ ዘለዉ - ነዚ ጃምላዊ ቅትለት ዘስዕቦ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ምባል ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ንኹሉ ከነጽር ይግባእ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ፍታሕ ሕቶ ፍልስጥኤም ክሳብ ክንደይ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ የጉልሕ። እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ብጽንዓት ክትሓተሉ ዝጸንሐት፡ ብዘይ ንጡፍ ኣበርክቶ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ብቐጥታ ዝሳተፋ ሃገራት ክረጋገጽ ዘይክእል ፍታሕ እዩ።

ቅድስቲ መንበር ቅድሚ 25 ዓመት ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) መሰረታዊ ስምምዕ ከምዝኸተመት ምዝካር ጠቓሚ ይኸውን። ቀጺሉ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ምስ ሃገረ ፍልስጥኤም ዝኸተመቶ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ካብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከም ዝወዓለ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታ ብምዝኽካር፣ እዚ ውሳኔን ኣፍልጦን ምስቲ ካብ 1948 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኩነታት ቅድስቲ መንበርን ናይ ፍልስጥኤማውያን ዕድሎት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብግልጺ ምስ ዘስምዕዎ ቃል ዝሰማማዕ እዩ። ኣብ 1975 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንደቂ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ልኡላዊት ሃገሩ እስራኤል ድሮ ተመስሪታ፡ " መሰልን ሕጋዊ ባህግን ካልእ ህዝቢ፡ ንሱ'ውን ንነዊሕ እዋን ዝተሳቐየ - ህዝቢ ፍልስጤም - ኣፍልጦ ክህቡ" ከም ዝሓተቱ ዝዝከር እዩ።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት፡ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ክልቲአን ሃገራት፥ ምስ እስራኤል ኣብ 1993  ዓ.ም.፣ ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝምድናታት ከም ዝፈጠሩን፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ስምምዕን ንሓድሕዳዊ ኣፍልጦ ክልተ ሃገራትን ዝቐረቡ ኣብ ዝመስሉሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2000 ዓ.ም. ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ኣሪየል ሻሮን ናብ ቀጽሪ መስጊድ ዓል - ኣቕሳ ምእታዉን ነዚ ስዒቡ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ኣዋርሕ ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ስምምዕ ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ከም ዝኸተመትን፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2000 ዓ.ም ኣብ ቤት - ልሄም ምስ ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ - “ቅድስቲ መንበር ህዝቢ ፍልስጥኤም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክህልዎም ባህርያዊ መሰል ከም ዝኾነን ከምኡውን ምስ ካልኦት ህዝብታት እዚ ከባቢ እዚ ብሰላምን ብህድኣትን ናይ ምንባር መሰል ወትሩ ኣፍልጦ ትህበሉ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹን፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ኣነን ቅድመይ ዝነበሩን ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ዘሕዝን ግጭት ብዘይ ርጉእ ዋሕስ መሰል ኩሎም ዝምልከቶም ህዝብታት፣ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግን ውሳኔታትን ኣዋጃትን ሕቡራት ሃገራትን ደው ከም ዘይብል ኣዊጅና ኢና” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽር።

ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድስቲ መሬት ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ደጊሞም ዘረጋገጽዎ ሓሳብ እውን ምዃኑ፡ ሃገረ እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከም ዘለዋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ስምምዕ ዛዕባ ዶባት፣ ሰላምን ድሕነትን ከተስተማቕር መሰል ከም ዘለዋ ብዓለም ደረጃ ፍሉጥ እዩ፣ ህዝቢ ፍልስጥኤም ልኡላዊ ናጻ ሃገር ክህልዎን ብኽብሪ ክነብርን ብናጽነት ክጓዓዝን መሰል ከም ዘለዎ ብተመሳሳሊ ኣፍልጦ ዝወሃቦ እዩ። እቲ ናይ ክልተ - ሃገራት ዝብል ፍታሕ ጋህዲ ክኸውን ዘለዎ፣ ሕልሚ ኮይኑ ክተርፍ ኣይነፍቅድ።” ኣብ 2012 ቅዓ.ም. ድስቲ መንበር “ሃገረ ፍልስጤም” ከም ተዓዛቢ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝብል ኣፍልጦ ተቐባልነት ክረጋገጽ ንዝብል ሓሳብ ምሉእ ደገፋ ገሊጻ ከም ዝነበረት እውን ቶርኒየሊ የዘኻኽር።

ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ኣብ ቅድሚ ናይ ፍልስጤም ርእስ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ተረኺቦም፣ “ኩሉ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ለጋስን መሃዝን ክኸውን ትብዓት ዝረኽበሉ እዋን በጺሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣፍልጦ መሰል ክልተ ሃገራት ህላወ ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ዶባት ብሰላምን ድሕንነትን ዝምርኮስ ሰላም ንምፍጣር ትብዓት ይረክብ።” ነታ ኣአንጋዲት “ሃገረ ፍልስጤም” ዝብል መጸውዕ ክህቡ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑን፣ እዚ ኣብ 2015  ዓ.ም. ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፍልስጥኤምን ዝተበጽሐ ኩለ መዳያዊ ስምምዕ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ቁጽር 181 ሕዳር 1947 ዓ.ም. ዝተቐመጠ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ብትሪ ይምጉት። ኣብ መቕድም ናይቲ ስምምዕ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥቃስ፡ ናይ ህዝቢ ፍልስጥኤም መሰል ርእሰ - ውሳነ ኣፍልጦ ዝህብ፤ ዕላማ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ፤ ምሳልያውን መንፈሳውን ትርጉም ኢየሩሳሌም ንኣይሁድ፣ ክርስትያንን ኣስላምን፤ ከምኡ’ውን ንኹሉ ወዲ ሰብ ውርሻ ዝኾነ ኣድማሳዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ክቡር ዋጋ” ዘስተብህል ኮይኑ፣ እቲ መቕድም ወሲኹ፣ ህዝቢ ፍልስጥኤም "ናጽነትን ድሕንነትን ክብርን ናይ ምርካብ" መሰል ከም ዘለዎም የረጋግጽ። እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ቕድሚ 1967 ዓ.ም. ዝነበረ ዶባት ምዕራባዊ ገምጋም ባሕሪ እንኮላይ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ከምኡውን ኣብ ገማግም ቓዛ ምስ ኵሎም ጐረባብታ ብሰላምን ደሕንነትን ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ፍልስጥኤም እንክብል የመላኽት።

እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም. ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም (PLO) ዝተገብረ መሰረታዊ ስምምዕ ብምምላስ፡ እቲ ኩለ መዳያዊ ስምምዕ፡ ነቲ “ንጉዳይ ኢየሩሳሌም ፍትሓዊ መፍትሒ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውሳኔታት ዝተመርኰሰ” ጠለብ ኣሐዲሱ፡ “ንፍሉይ ባህርን ደረጃን ኢየሩሳሌም ዝቕይሩ ሓደ ጎናዊ ውሳኔታትን ተግባራትን ብግብረ ገባውን ሕጋውን መዳይ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ፣” ከምኡ’ውን “ዝኾነ ዘይሕጋዊ ሓደ ጎናዊ ስጉምቲ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት፡ ትርጉም ዘይብሉ ክትግበር ዘይክእል” ምዃኑን “ሰላም ንምድላይ ዕንቅፋታት ይፈጥር” እንክብል የመላኽት።

እዚ ሓጺር ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ እዚ ኣብ ናይ ቀረባ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳኣት ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ቅድስቲ መንበር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺታትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ብቐጻሊ ዝተገልጸ መትከላውን ክውንነታዊ ኣመለኻኽታ ዝምስክሮ እዩ። ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ብሓማስ ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብኡንብኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ህልቂት ኮኒኖም፣ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ቅድስቲ መንበር እስራኤል ዘለዋ ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣፍልጦ እናሃበት፡ ብተደጋጋሚ - ከምኡ’ውን ብኸንቱ - ንመላእ ህዝቢ ፍልስጥኤም ኣብ ቓዛ ዒላማ ናይ ምግባር ኣካይዳ ደው ክብል ጸዊዓ እያ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብሰፋሮ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ኣካል ሃገረ ፍልስጥኤም ኣብ ዝኮነ ስፍራ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ እያ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኣይተፈጸመን: ኣብ ቓዛን ኪኖኡን ክምኽነ ዘይክእልን ንሕልና ኩሉ ዝኸብድን መጥቃዕቲ ይፍጸም ኣሎ።

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 20 ሓምለ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር” ከምኡ’ውን “ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ምክልኻል ግዴታን ሓባራዊ መቕጻዕቲ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ብግዴታ ምምዝባል ህዝብን ክህሉ የብሉን ንዝብል ውሳኔ ምኽባር” ህጹጽን ኣድላዪን እዩ። እዚ ህልቂት እናተጋህደ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ እዚ ኩነት እዚ ብሱቕታ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጥኤም ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ሓባራዊ ምላሽ ምሃብ ህጹጽ ምዃኑ ብምግንዛብ ፡ ብላዕለዋይ ደረጃ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንሰላማዊ ፍታሕ ሕቶ ፍልስጥኤምን ምትግባር መፍትሒ ክልተ ሃገራትን፡ ኣብ መወዳእታ ውሑስን ክቡርን ኣፍልጦ ዘለዎን ዶባት ዘለዋ ሃገር ዘረጋግጽ ፍታሕ ብትሪ ክስዕብ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ብምዝኽካር ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

28 Jul 2025, 16:03