ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ተመቒሉ - ማለት ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት፣ ክፍሊ ክርባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን፣ ከምኡውን ክፍሊ ዲፕሎማስያውያን ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኮይኑ ኢዩ ዘገልግል። ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ምምሕዳርን ከም ኣድማሳዊ ጓሳ መጠን ዘለዎም ኣገልግሎት ኣብ ምፍጻም ኪሕግዞም ሓላፍነት ዘለዎ ላዕለዋይ ኣካል ቅድስቲ መንበር ኢዩ። ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐረባ ዚዓዩ፣ ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ንዝመጹ ጕጅለታትን ውልገሰባትን ርክባቶም ዘሰላስልን ኢዩ። በዚ ኸምዚ ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምሕዳር ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኢዮም ዝለዉ።
ታሪኻዊ ነጥብታት
መበቈል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ምልስ ምስ በልካ ኢዩ ዝርከብ። እቲ በዕለት 31 ታሕሳስ 1487 ዝተኣወጀ ሓዋርያዊ ቅዋም ነቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሓዋርያውያን ጸሓፍቲ ዘጠቓልል ሓዋርያዊ ቤትጽሕፈት ኣቚመ፣ ሓደ ኻብዚኣቶም ከኣ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝብል ስያሜ ነበሮ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ብ1814 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓየስ ሻውዓይ ንፍሉይ ጕዳያት ቤተ ክርስትያን ዝግደስ ከም ቅዱስ ማሕበር ኣቖምዎ። ብመሰረት እቲ ብዕለት 29 ሰነ 1908 ዓ.ም. እተገብረ ተሓድሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፒየስ ዓስራይ ነዚ ቅዱስ ማሕበር ብምኽፋል ፍሉይ ናይ ቤተ - ክርስትያን ጕዳያት ዝከታተል ቤትጽሕፈት ገብርዎ፣ ብመሰረት እቲ ጸኒሑ ብ1917 ዝወጸ ሕገ ቀኖና ላቲናዊት ቤተኽርስቲያን ድማ ሕጋውነት ለበሰ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፖል ሻድሻይ ምስቲ ብ1967ዓ.ም. እተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ብምእዋጅ ንኩርያ ሮማና አሐደስዎ፣ ንቤት ሕጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ድማ ሓድሽ መዋቕር ኣትሃዝዎ። ብ1988 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ብምእዋጅ፣ ንኩርያ ሮማና ዳግም ኣተዓራረይዎ፣ ንቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ድማ ኣብ ክልተ ኽፋላት መቐልዎ፣ እዚ ኸኣ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያትን ክፍሊ ርክባት ምስ መንግስትታትን እዩ ዝነበረ። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓድሽ መስርሕ ተሓድሶ ጀመሩ፣ እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ ብ2022 በቲ ዘጽደቕዎ ሓዋርያዊ ቅዋም ተዛዘመ።
ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት
እዚ ኽፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት እዚ፣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቶም ምኽትል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤድጋር ፐንያ ፓራ፣ ብዛዕባ ጉዳያት ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምክትታል ብዛዕባ መዓልታዊ ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምልከት ጕዳያት ናይ ምሕላይ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን፣ ኣካላት ቅድስቲ መንበርን፣ ካልኦት ኣባይቲ ጽሕፈታትን ብዘይ ዝኾነ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ትሕትድርቶም ዝተሓባብርን ብዛዕባ ኣኼባታት ላዕለዎት መራሕቲ ናይዘን ኣባይቲ ጽሕፈት እውን ዝሓሊ ክፍሊ ኢዩ። ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ምስ ተወከልቲ መንግስትታት ዚተሓሓዝ ጕዳያት ውን ብሓላፍነት ይሕተት። ብተወሳኺውን - ንቅዱስ ኣቦና ሰነዳት ኣብ ምስንዳው የገልግል፣ ነቲ ንጥፈታት ሓዋርያዊት መንበር ዘርእስታ ጽሑፍ ብሓላፍነት ውን ይከታተል፣ ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ ሮማ ጳጳስን ንጥፈታት ቅድስቲ መንበርን ይከታተል ከምኡ ውን ንወግዓዊ መራኸቢታት ቅድስቲ መንበር ይዝትን መምርሒታት ይህብን፣ ከምኡውን ንወግዓዊ ማሕተምን ሥልጣንን ንቐለቤት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይዕቅብ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንዅሉ እቲ ብናይ ሮማ ጳጳስ ዝእወጅ ወይ ውን ዝጸድቕ ብዛዕባ መዝነታት ዚምልከት ንጥፈታትን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዝወሃብ ጸብጻባትን ናይ ምክትታልን ናይ ምሕታምን ሓላፍነት ኣለዎ።
ክፍሊ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን
እቲ ብጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ዚምራሕ ክፍሊ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዝከታተል ንሲቭላዊ መንግስትታት ዚምልከት ጕዳያት ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ኣለዎ ኣካል ኢዩ። እዚ ኽፋል ቤት ጽሕፈተ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ መንግስትታት ወይ ምስ ካልእ ጕዳያት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘለዎ ዲፕሎማስን ፖለቲካውን ርክባትን ከምኡውን ንቅድስቲ መንበር ኣብ ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ኣብ ዚግበር ኣኼባታትን ክውክል ሓላፍነት ኣለዎ። ሓደ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ወይ ሓደ ኣካል ናይ ሮማ ኩርያ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ርክባት ወይ ምስ ሰበ - ስልጣን ዘለዎ ርክብ ዝገልጽ መግለጺ ወይ ሰነድ ክሓትም ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን እዚ ኽፍሊ እዚ ፍቓድ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብፍላይ ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምኡውን ነቲ ኣብ ኩርያ ሮማና ዘሎ ንጥፈታት ክከታተልን፣ ንጕዳያት ድሕሪ ምምኽኻር ምስ ናይ ከባቢ ኣብያተ-ክርስትያን ከምኡውን ምስ ምቛምን ወይ ምትዕርራይ ሰበኻታት እተተሓሓዘ ዅሉ ጕዳያት ዘፈጽም ኣካል ኢዩ።
ናይ ቅዱስ መንበር ኣካላት ዲፕሎማሲ
እዚ ኽፋል እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሉስያኖ ራስሶ ኮይኑ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዘገልግሉ ዘለው ሰባት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ መነባብሮኦምን ስርሖምን ቀጻሊ ስልጠናታትን ዝከታተል ክፍሊ ቅድስቲ መንበር እዩ። ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዝምረጹ ሕጹያት ኣብ ምርቋሕን፣ ኣብ ምስልጣንን ከምኡ ውን ምስ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርት ዝተሓባበር ውን ኢዩ ። እዚ ኽፍሊ ዲፕሎማስያውያን ኣካላት ቅድስቲ መንበር ብዕለት 21 ሕዳር 2017 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተመስረተ።
ብድሆታትን ተስፋታትን ህዝቢ ኣምላኽ ምክፋል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 5 ሰነ 2025 "በይነይ ከም ዘይኰንኩን ሓላፍነት ኣድማሳዊ ኣገልግሎተይ ከካፍለኩምን ከም ዝኽእልን ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ" ብምባል ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም።
ቤት ጽሕፈተ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር "ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ክቡር ኣገልግሎት" ዝህብ እተፈላለየ ክፍልታት ዘለዎ ላዕለዋይ ኣካል ቅድስቲ መንበር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሓባር "ሕቶታትን ጸገማትን ብድሆታትን ተስፋታትን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም እንካፈል ኢና" ክብሉ ውን ገለጽዎ።