ሃይማኖታዊ ኣድማስ ሰላም ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ እናተፈናጨለ ብዝካየድ ሳልሳይ ወግእ ዓለም እትሳቐ ዘላ ዓለም፣ ኣብ ቫቲካን ንኽልተ መዓልታት ኣብያተ እምነት ኣብ ህንጸት ሰላም ዘለወን ግደ ዝድህስስ ዕለት 10 ሓምለ ዝተበገሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 11 ሓምለ ከም እተዛዘመን ኣብዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኣንገደ “ሃይማኖታዊ ኣድማስ ኣብ ምፍጣር ሰላም” ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ መደረ ካብ ዘስምዑ ኣብ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም ሓላፊት ውጥን ማትሪክስ ስምምዓት ሰላም ፕሮፈሰር ጆሴፊና ኤቻቫርያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትትን፣ “ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ክብርታትን ሃይማኖታዊ መርሕነትን ኣብ ዘተ ሰላምን ምሕዋይ ብውግእ ዝተበታተነ ሕብረተሰብን ዘለዎ ግደ ንምድህሳስ ዝሕግዝ ዕድል” ክትብልን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ትገልጾ።
እምነት ከም ምንጪ ሕጋውነትን ዕርቅን
መራሕቲ ሃይማኖት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ወገናት ዘሎ ተኣፋፊ ወይ ዘየሎ ምትእምማን ንምሕዋይ መብዛሕትኡ ግዜ ንመስርሕ ሰላም ግብረ ገባዊ ስልጣንን ሕጋውነትን ከም ዘምጽኡ እዛ ኮሎምቢያዊት መምህር ኤቻቫርያ፡ ኣብታ ብግጭት ዝተሃስየት ሃገር ምንባራን ኣብታ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ሰላምን ኣማእኪላ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመኩሮ ተካፍል። "ኣብ ኮሎምብያ ንኣብነት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካሪታስ እተሰምየ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ኮሎምብያን ካልኦት ትካላትን ኣቢላ፡ ኣብ እዋን ምትግባር ስምምዕ ሰላም 2016፡ ቅልውላዋት ኣብ ምሽምጋል ወሳኒ ተራ ከም እተጻወተት ትሕብር።
ኣብ ውጥን ስምምዓት ሰላም ማትሪክስ ዝፈጸመቶ ዕዮ ብዝምልከት፣ “መጽናዕቲ ሰላም ምስ ልምዲ ህንጸት ሰላም፡ ምስ ዘተ ሰላምን ብተግባር ንበርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ካብ ኲናት ናብ ሰላም ኣብ ምውህሃድን ምስናይን ኣብ ዕርቂ ኣብ ዝግበር መስርሕ ኣበርክቶ ክንገብር ንጽዕር . . . ከምኡ እውን ካብ ከም በዓል ሽማግለ ሓቅን ዕርቅን ደቡብ ኣፍሪቃን ስራሕ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ኤጂዲዮ ኣብ ሞዛምቢክን ዝሃብዎ ኣብነታት መሰረት፡ መንፈሳውያን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ናይ ዓመታት ዓመጽ ንዘተን ሕውየትን ባይታ ንምፍጣር ፍሉይ ቅዋም ከም ዘለዎም ኣመላኺታ፣ "ድሕሪ ኲናት፡ ሰባት ውሕስነት ጥራይ ዘይኮነስ ክብሪ፡ ውህደትን ተስፋን የድልዮም። ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ድማ፡ እቶም ድሌታት ብዝበለጸ ዝግለጹ፡ ምስ ልብን ሕልናን ዝመኽሩ ተዋሳእቲ እዮም"
"ርክብ ምምስራት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ምትእምማን ንምምስራት'ውን ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ እንረኽቦ ድማ፡ ኣብ ህንጸት ሰላም ዝርከቡ ሃይማኖታውያን ተዋሳእቲ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ግጭት ዘለዎም ወገናት ኣብ ሓደ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ኣለዎም።”
ናይ ዘተን ምትሕብባርን መድረኽ
እቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝድህስስ ኮይኑ፡ ግደ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፤ ኣብ ዝፍጠር ግርጭታት ኣባይቲ እምነት ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሽምግልና ዘለወን ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ተበግሶታት ዘመላኸትን፣ ብመሰረት እቶም ኣዳለውቲ፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንምፍራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ናይ ስነ ፍልጠት ትካላት፡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ተግበርቲ ሰላምን ቀጻሊ ምትሕብባር ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣረጋጊጻ፣ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝመጹ መንጎይናታት ተሳትፎኦም ብምጥቃስ፡ “እዚ ንዘላቒ ሽርክነት ዘአንፍት ክኸውን ድማ ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ።
መዕበያ ጽንዓትን ነባሪ ለውጥን
ፕሮፌሰር ኤቻቫርያ ኣስዒባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዘይወግዓዊ ቦታታት ርክብን ሽምግልናን ርህራሄን ክለምዕ ዝድርኽ ኣገዳስነት ስነ መዕበያ ሰላም ኣጉሊሓ፣
"ኣብ ምፍጣር ሰላም ተግባራዊ ሸነኽ ኣሎ . . . ካብ ከመይ ጌርና ዘተ ነመቻችእ ክሳብ ንግዳያት ከመይ ጌርካ ከም እነሰንይ ዝነጥፍ። ግን ሓደ ሰብኣዊ ወገን እውን ኣሎ፡ ኣጠማምታና ነቶም ተቓላዕቲ ንምርኣይ ዝኽእል ክኸውን ምምሃር፡ ከመይ ጌርና ምትእምማን ንሃንጽ፡ ከመይ ጌርና ንሰባት ሓድሽ መንገዲ ንኽመርጹ ሓይሊ ንህቦም . . . በርገሳዊ ህዝቢ ኣብ መስቀላዊ ዘመናዊ ግጭታት እናተኸበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም፡ ግዳያት ኣብ መስርሕ ሰላም ምስታፍ ድምጾም ክስማዕ ምርግጋጽን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስተብሂላ፣
"ናይ ሰላም ስምምዓት ናይ ሎሚ ውግኣት ከብቅዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽባሕ ክህሉ ዝኽእል ኲናት ብዓንተውኡ ከይህሉ ዝድርኽ ክኸው ኣለዎ፣"
ጳጳሳዊ ጻውዒት ሰላም
ፕሮፌሰር ኤቻቫርያ ብዛዕባ ጽልዋ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዝምልከት ድማ፣ እቲ ጻውዒት ኣብ ዕጥቃዊ ውግእ ንዝዋስኡን ሕውየት ንዝደልዩን ዝምልከት ጻውዒት እዩ . . . "ድምጾም [ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት] ንሚልዮናት ይበጽሕ: ንተዋጋእቲ ሓይልታት ግዳያትን ሃነጽቲ ሰላምን ብማዕረ። ንሕልናን ትብዓትን ዝጽውዕ እዩ" ምስ በለት፣ "ካብ ቅልውላው ኣገባብ ናብ ፈጠራዊ ምትሕብባር ክንሰጋገር ኣለና፣ እዚ ዋዕላ ድማ ናብቲ ኣንፈት ዝወስድ ስጉምቲ እዩ - ምስበለት - ወሲኻ ወሳኒ ኣድላይነት ምትሕብባር ተጉልሕ።
ከምኡ'ውን "ነዚ ኩነታት ቅልውላው ኣገባብ፡ ብናይ መሃዝነት ኣገባብ ምስግጋር የድሊ፣ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምኻድ የድሊ፣ ከመይ ጌርና ንቕድሚት ክንስጉምን ድልድላት ክንሃንጽን ብሓባር ክንሓስብ ኣለና"
“ኣብቲ ደረጃ ድማ ንበጽሕ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ፡ እዚ ዋዕላ’ዚ ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ”
ቢላ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።