ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓመጽ ኣብ ቓዛ ከብቅዕ ኣለዎ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሰንበት ዕለት 20 ሓምለ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስማት ናይቶም ዕለት 17 ሓምለ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት እስራኤልም ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰለስተ ግዳያት ሓደ ብሓደ ከም ዝጸውዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ “ንኹሎም ግዳያት ቓዛ ዝውክል እዩ - ቢሎም - ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስምዕዎ መደረ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘዘኻኽርን፣ “ንገለ ግዳያት’ውን ብግልጺ ከም ዝዘከሩን እዚ ድማ ብግልጺ ብስም እቶም ኣስማቶም ዝጠቐስዎም ግዳያት፣ ኩሎም ግዳያት ናይቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ መዓት ይውከሉ” ኣንክብሉ መብርሂ ሂቦም፣
“ንኹሎም ግዳያት ዝዝክር መደረ እዮ፣ ኣብቶም ኣስማቶም ዝገለጽዎም ዝተቐትሉ ስም ኩሎም ግዳያት ቓዛ ይውከሉ፣ ኣብነታዊ ኣገላላጻ እዩ፣ ኩሎም ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ፣ ግዳያት ናይ ዘይቅቡል ዓመጽ እዮም፤ ኩሎም ግዳያት ናይቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክውዳእ ዘለዎ ግጭት እዮም። ንኹሎም ኣብ ልብና ንዝክሮም፣ ብሓቂ ኩሎም ኣብ ውሽጥና ከምዘለዉ እዩ ዝስምዓን ንኹሉ ንኹሉ ሰብ - ሰላም ኣምላኽ ንልምን ልዕሊ ኩሉ ድማ መስዋዕቶምን፣ ደሞምን፣ እዚ መዓት እዚ ከብቅዕ ዝገብር ክኸውን ንጽሊ" እንክብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።